Monday , April 29 2024

ስራሕን ቁጠባን

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ፈለማ ርብዒ ዓመት ዕቤት ኣርእዩ!!

በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ቊጠባ ሽወደን ኣብ ፈለማ ርብዒ ዓመት 2019 ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዕቤት ምርኣዩ ገሊጹ። እዚ ዕቤት ከም ውጽኢት ዕቤት ሰደድ ዝተኸስተ ኮይኑ እዚ ድማ ምጒዳል ሃልኪ ሸመትቲን ወፍሪን ምስዓቡ ተገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ በዓልመዚ ጃምላዊ እቶት(GDP) ሽወደን ብ 0.6 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እዚ ምስቲ ክኢላትት ዝነበሮም ትጽቢት ዕቤት(0.2% ) እንክረአ ኣዝዩ ዓብዪ ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። መመልከቲ ርግጸኝነት ሸመትቲ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ሃገራዊ በዓልመዚ ኦዲት ንገለ ኣሰራርሓ Sida ይነቅፍ!!

ሃገራዊ በዓልመዚ ኦዲት ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገለ ካብ ኣገባብ ኣሰራርሓ Sida (ዓለማዊ ሽወድናዊ ምትሕግጋዝ ማዕባለ) ኣብ ብዙሓት መዳያት ርኡይ ጒድለታት ኣለዎ ብምባል ነቒፍዎ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ እዚ ኤጀንሲ ግዜኡ ብስሉጥ ኣገባብ ኣይጥቀምን እዩ። እዚ ድማ ናይ ሓባር ዕላማን ንነዊሕ ዝጥምት ዕዮን ከም ዘይብሉ ዘመልክት እዩ ድማ ኢሉ። ኣብቲ ኤጀንሲ ክህልዉ ዝግብኦምን ብጥምረት ዝዕየዩን ዝነበሩ ናይ ትንተና፥ ውጥንን ምወላን ንጥፈታት …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ኣብ ጒዳይ ዕዮ ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ!!

ሓደ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዜያዊ ስራሕ ተዋፊሩ ጸኒሑ ፍቓድ መንበሪ እንድሕሪ ተኸሊኡ ንሽወደን ክለቅቕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ 7 ዓመት ንስራሕ ከመልክት እውን ኣይፍቀዶን እዩ። እዚ ማለት እዚ ፍቓድ ስርሑ ምሕዳስ እተኸልኤ ወጻእተኛ ናብ ሽወደን ተመሊሱ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከመልክት ብውሕዱ ሰለስተ ዓመታት ክጽበ ኣለዎ ማለት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ተወከሱ። https://shorten.alkompis.se/8qsk2

Read More »

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን ቤትጽሕፈታ ብሰንኪ ባጀት ተቓወምቲ ምንቊልቋሉ ገሊጻ!!

ሚኒስተር ዕዳጋ ዕዮ ሽወደን Elva Johansson ንስራሕ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሰንኮፍ ባጀት ዓቃባውያምን ክርስትያን ዴሞክራስን ዘሰዓቦ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ መንግስታ ንዝመጽእ ኣመት ካልእ ባጀት ክስልዕ ምዃኑ ኣሚታ’ላ። እታ ሚኒስተር ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ኣብ ቤትጽሕፈት ዕዮ ዝተጻዕነ ምጒዳል ባጀት ክሳብ 3 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝበጽሕን እዚ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ኣሃዝ ምዃኑን ኣመልኪታ’ላ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ብምኽንያት ምጒዳል ባጀት …

Read More »

1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ።

ብመሰረት ውሽጣዊ መግለጺ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ዕዮ 1800 ሰራሕተኛታት ከም እተሰጒ ተረጋጊጹ። ብመሰረት ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ዝተቐባበላሉ ውሽጣዊ መግለጺ 1600 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ተሰናቢቶም ኣለዉ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን 200 ካልኦት ሰራሕተኛታት ከኣ ኣብ ኣብዝመጽእ ክልተ ሳምንቲ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ክቕበሉ እዮም። ብመሰረት ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት ዝበጽሕዎ ስምምዕ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ዚ ዓመት ቤትጽሕፈት ዕዮ 4500 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ክስጐጉ ምዃኖም ሓቢሮም ኔሮም …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ካብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ኢመግረሽንFamiljeåterförening – tigrinska ስድራኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስኻ ንኽቕመጡ ዘሎካ ዕድል፤ በቲ ዝተዋህበካ መቐመጢ-ፍቓድን፤ ናይ ዑቕባነት-ደረጃ ዓይነትን ዝተመስረተ እዩ። ምስ ስድራኻ ዳግመ-ምትእኽኻብ ክትገብር እንተ ተፈቒዱልካ፤ እቲ ”ነብስኻ ናይ ምንባይ ጠለብ” (försörjningskrav) ይምልከተካ እዩ። ዋላኳ ንስኻ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ እንተዄንካ፤ ስድራቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ንኽቕመጡ ዘሎዎም ዕድል፤ ርጉጽ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተደኣ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ-ፍቓድ ረኺብካ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሽወደን ኣጠንቂቑ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን ካብ ማዕከን AMIF ሓደ ቢልዮን ክሮነር ከተውጽእ ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ዝመጸ ሽወደን ካብቲ ዝግባእ ንታሕቲ ገንዘብ ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቚባን ትጥቀም ኣላ ብዝብል እዩ። ብመሰረት ጋዜጣ Dagens Nyheter ኣውሮጳዊ ሕብረት 3 ቢልዮን ክሮነር ንስደተኛታትን ሓተትቲን ዕቚባን ኣብ ሽወደን ንምድጋፍ ወጻኢ ጌሩ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ግና ሽወደን ሓደ ሲሶ ናይዚ ገንዘብ (26% ጥራይ) እያ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ጌራ ዘላ ይብል …

Read More »

ነፈርቲ ሑቲ ቱቦታት ነዳዲ ስዑዲ ኣጥቂዖም።

የመናዊ ጒጅለ ሑቲ ኣብ ዒላማታት ስዑዲ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ፈንዮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክልተ መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዘተኮረ እዩ። እዞም መደበራት ቱቦታት ነዳዲ ዋንነቶም ናይ Aramco ቊ. 8 ን 9 ኮይኖም፡ነዳዲ ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ናብታ ካብ ከተማ ሪያድ 380 ኪ.ሜ ርሒቐን ዝርከባ ዳዋድሚን ዓፊፍን ዝወስድ እዩ ክብል ኣልጀዚራ ሓቢሩ።

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ሽወደን መጻኢ ዕማማቱ ተንቲኑ ንዉሳነ ከቕርብ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ከም ባዓል መዚ መንግስቲ መጻኢ መደብ ስርሑ ንዕማማቱን ከመይ ክመስል ከምዘሎዎ፣ ዝዉስን መጽናዕታዊ ትንተና ብምግባር ንዉሳነ ንመንግስቲ ከቕርብ ተኣዚዙ። ብመሰረት ፖለቲካዊ ስምምዕ ወርሒ ጥሪ ባጀት ተቓወምቲ ንዕምማትን ንጥፈታትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉን መብዛሕቱ ዕማማቱ ብኻልኦት ብሕታዊ ትካላት ክዕመም፣ ዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ብኡ መጠን ብመሰረት ተቓወምቲ ዘጽደቕዎ ምደባ ባጀት እቲ ቤት ጽሕፈት ዘድልዮ …

Read More »

ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት Härnösand ብምኽንያት ምፍርራህ ተዓጽዩ።

ፖሊስ Härnösand ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት ዓርቢ መዓልቲ መጥቃዕቲ ክወርዶም ምዃኑ ብኢሜይል ድሕሪ ዝበጽሖም ምፍርራህ ከም ዝገዓዙ ገሊጹ። እቲ ምፍርራህ ናብ ጋዜጣን እቲ ቤትጽሕፈትን ከም እተላእከን እቲ ቤትጽሕፈት ከኣ ብዘይ ምድንጓይ ጥርዓን ምቕራቦምን ተፈሊጡ። ፖሊስ ነቲ ምፍርራህ ብዕቱብ ከም ዝሕዝዎ ሓቢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ’ዮም ነቶን 60 ሰራሕተኛታት ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ቤቶም ክውዕሉ ዝገበሩ። በዚ ድማ ሎሚ ኲሉ ርክባት ተዓጽዩ እዩ ውዒሉ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com