Wednesday , May 1 2024

ውህደት

28 01 2022 News Harmony ዜና

Read More »

ፊንላንድ፡ ንቀይድታት ኮቪድ፡ ብዘገምታ ከተፍኩስ ምዃና ገሊጻ

ኣብ ፊንላንድ ዝርከቡ ቤት መግቢታት፡ ብዘይ መስተ፡ ክሳብ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ክኽፈቱ ይኽእሉ። ንሲነማታት፡ ጂምናዝዩማትን ናይ ስፖርት ኣዳራሻትን ብዝምልከት ግን፡ ዝቐረበ ዝኾነ ይኹን ናይ መምርሒታት ለውጢ ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ቤት መግቢታት ንተወሳኺ 3 ሰዓታት ተኸፊቶም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ኮይኖም፡ ተወሰኽቲ ናይ እገዳታት ምፍዃስ መስርሓት ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ክግበር ከም ዘይተኻእለ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳይትን ጥዕናን ፊንላንድ፡ ሃና ሳርኪነን፡ ኣፍሊጣ ክብል ማዕከን ዜና …

Read More »

ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ስሒባ

ሃገረ ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ክትስሕብ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ የፔ ኮፎድ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ዴንማርክን ወታሃደራዊ ጁንታን ዘሎ ቅርሕንቲ እንዳተጋደደ ምኻዱ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ጀነራላት መንግስቲ ማሊ፡ ዴንማርክ፡ ካብ ሃገሮም ንኽትወጽእ ብተደጋጋሚ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም፡ ኮፎድ፡ ገሊጹ። እዚ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ …

Read More »

ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮቪድ ንኸፍኩስ ወጢኑ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ (Norwegian Folkehelseinstituttet-FHI) ንቀይድታት ኮቪድ፡ ቀስ ብቐስ ከልዕሎም ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋላ’ኳ እታ ሃገር፡ ሓደሽን ከቢድን ማዕበል ናይ መልከፍቲ ከጋጥማ ከም ዝኽእል ትጽቢታት እንተሃለው፡ እዚ እገዳታት ናይ ምፍዃስ መስርሕ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ትካላት ሓለዋ ጥዕና፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ንኸይፈጥሩ፡ ብጥንቃቐን ኣብ ዝተናውሐ ግዜን ዝፍጸም ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ኣዘኻኺሩ።  “ካብዚ ወጻኢ …

Read More »

ሽወደን፡ ሕግታት ናይ ክታበት ምስክር ወረቐትን መርመራን ተናውሕ

እቶም ኣብ ልዕሊ ናብ ሽወደን ዝኣትው ተጓዓዝቲ ተኣዊጆም ዘለዉ ግዜያውያን ቀይድታት ከም ዝናውሑ መንግስቲ ሽወደን ብሓሙስ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንተቐማጦ ኣርጀንቲና፡ ኣውስትራልያን ካናዳን፡ እቶም ናይ መእተዊ እገዳታት ኣብ ቦትኦም ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ሃገራት ኖርዲክ ሓዊሱ ካብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንዝመጹ ገያሾ እቶም እገዳታት ክሳብ ለካቲት 28 ናይዚ ዓመት ከምዝናውሑ ተፈሊጡ’ሎ። ናብ ሽወደን ንምእታው፡ ካብዞም ዝተጠቕሱ ሃገራት ዝመጹ …

Read More »

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሄልሲንቦሪ ዘጋጠመ ነትጒ ዘስዓቦ ሓያል ዕንወት፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ ከምዘሎ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ’ዚ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረታት፡ 3 ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ደቂ 23፡ 26ን ኮምኡ ድማ 32 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ቅሉዕ ህዝባዊ ዕንወት ፈጺምኩም ብዝብል ከምኡ …

Read More »

እቶም ክቕጽሉ ተባሂሎም ዘለው ቀይድታት ኮቪድ፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም

ሮቡዕ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ሽወደንን በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ብዛዕባ እቶም ዘለው ቀይድታት ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ኣመልኪቶም ንተወሳኺ 14 መዓልታት ከምዝተናወሑ ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ንዝመጹ ክልተ ሳምንታት ክጸንሑ ተመዲቦም ዘለው ቀይድታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም። እንድሕር እቲ ናይ መልከፍቲ ኩነታት ተማሓይሹ፡ እቶም ቀይድታት፡ ክሳብ ለካቲት 9 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቀስ ብቐስ ክፏኸሱ እዮም። …

Read More »

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ፕረዚደንት ክምረጽ ኣይተኻእለን ተባሂሉ

ባይቶ ሃገረ ጣልያን፡ ንሳልሳይ ግዜ ፐረዚደንት ንምምራጽ ዝገበሮ ፈተነ ክሳኻዓሉ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንኻልኣይ ዙር ፕረዚደንትነት ከገልግል ድሌት ከምዘይብሉ’ኳ ኣንተገለጸ፡ እቲ 80 ዝዓመቱ ሽማግለ፡ ካብቶም 1 ሽሕ ዝኾኑ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጣልያን፡ 125 ብምርካቡ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማሪዮ ድራጊ ብወገኑ፡ መዝነቱ ክቕይር ድሌት ከምዘለዎ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንጠለብ ሩስያ ነጺጋ

ሩስያ ንጐረቤታ ዩክሬይን ክትወርር ትክእል እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሰፈነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ሩስያ ነጺጋቶ። ብኻልእ ወገን፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዋላው ዩክሬይን ንምፍታሕ፡ ንሩስያ፡ ወግዓዊ መልሲ ከም ዝሃባ ድማ ተፈሊጡ። ብሊንከን፡ ንሩስያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ዝኾነ ሕድገታት ከም ዘይትገብር እንተኾነ ሩስያ ክትስዕቦ ዝግባኣ ዲፕሎማስያዊ ጎደና …

Read More »

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት፡ ተቖጻጺሮም

ብኲርዳውያን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከብን ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ምሉእ ከበባ ዳዕሽ ኣትዩ ዝነበረን ቤት ማእሰርቲ፡ ዳግማይ ከም እተቘጻጸሮ ገሊጹ። ኣፈኛ ናይዚ ብኣመሪካ ዝሕገዝ ጥምረት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኲሎም እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ዳዕሽ ኢዶም ከም ዝሃቡ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ በዚ ከበባ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com