Saturday , May 4 2024

ውህደት

ካርቦሃይድረይት

ካርቦሃይድረይት ኣብ ንምገቦ መግቢ ይርከብ። ንሶም ከኣ ሽኮር፡ ስታርችን ጽሕግን። ኣካላትና ካብ ሽኮርን ጽሕግን ሓይሊ ይረክብ። ዝተመጣጠነ መግቢ ምስ ንበልዕ ካብ 40-70% ሓይሊ ካብ ካርቦሃይድረይት ንረኽቦ። ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርቦሃይድረይት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ቀልጢፎም ናብ ኣካላትና ዝምጸዩን ቀስ ኢሎም ዝምጸዩን ኢዮም። እቶም ቀስ ኢሎም ዝምጸዩ ካርቦሃይድረይት ንኣካላትና ብዙሕን ንዝተናውሐ ግዜን ሓይሊይህብዎ። ኣብነት ክኾኑና ዝኽእሉ ከኣ ካብ ዘይተነፈየ ሓርጭ ዝስርሑ ሕብስታት፡ፓስታ፡ ቡልጉር፡ …

Read More »

ክፍሊ ኣካላትካ ምውፋይ፡

ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካላት ወድሰብ ይውሃቦም። ንኣብነት ኩሊትን ልብን ማለት’ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ብምስግጋር ይትግበር። ይኹን’ምበር፡ እቲ ብወፈያ ዝርከብ ብዝሒ ኣካላት ሰብ ኣይኣክልን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሕሙማን፡ ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ዘድልዮም ክፍሊ ኣካላት ስለ ዘይርከብ ይሞቱ። ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ክመውት ከሎ፡ ክፍሊ ኣካላቱ እንታይ …

Read More »

ክንክን ኣእጋርን ሕማም ሽኮርን!!

ብሕማም ሽኮር ዝተጠቓዕካ ግዳይ ምስ እትኸውን፡ ብሓያሎ ጸገማት ናይ ኣእጋር፡ ንኣብነት ቁስሊ፡ ክትሳቐ ትኽእል ኢኻ። ሓካይም ከም ዘመልክትዎ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ብመጉዳእቲ መትንታትን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ፡ ንረኽሲ ቆርበትን ካልእ ቁስልን ዝተቓልዑ ይገብሮም። ኣብ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ዙረት ደም ናይ ምድንጓይ ባህሪ የርኢ እዩ። በዚ እቲ ቆሲሉ ዘሎ ክፍሊ ሰብነት ቀልጢፉ ክሓዊ ኣይክእልን። ምስ …

Read More »

ከተማ ዮተቦሪ ዝተቐበለቶም ሓደሽቲ መጻእቲ ብዘይ መንበሪ ክተርፉ ከምዝኽእሉ ይሕበር ኣሎ።

ከተማ ዮተበሪ ካብ ዝተቀበሎቶም ሓደሽቲ ኣስታት 2700 ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ዓርሒ ግንቦት 2020 ብሰንኪ ዋሕዲ ኣባይቲ ብዘይቤት ክተርፉ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ። ብምምሕዳር እዛ ከተማ ነዞም ስድራቤታት ዝተዋህበ ናይ ክራይ ውዕል ኣብ ወርሒ ግንቦት ግዜኡ ከምዝወድቕ ድሕሪኡ ናበይ ከምዝብሉ ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ 2016 ኩለን ምምሕዳራት ናይ ክልተ ዓመት ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ክቕርባን ሓላፍነት ኔርወን። …

Read More »

ምኽርታት ስራሕ

– ኣብ ስራሕካ ሓላፍነት ከም ዘለካን ተሓታቲ ምዃንካን ኣይትዘንግዕ። – ንስራሕካ ኣብ ግዜኡ ብምጽፋፍ ክትፍጽሞ ጸዓር። – ንእትሰርሖ ስራሕ ኣትሒትካ ካብ ምርኣይ ተቖጠብ። – ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣኽብር። – ንድኹም ጐንኻ ንምምዕባል ካብ ሰባት ንዝተዋህበካ ምኽሪ ብኽፉት ልቢ ተቐበል።

Read More »

4.9 ቢልዮን ክሮነር፡ ንድኻታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምሕጋዝ ክወጽእ እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ 4.9 ቢልዮን ክሮነር፡ ንድኻታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምሕጋዝን ብቕዓት ትምህርቲ ክብ ብምባል ብእኡ ኣቢልካ እውን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ብቕዓትን ኲነታትን ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝብል ዕላማ ከወጽእ ምዃኑ ትገሊጹ። ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ብዛዕባ ባጀት 2020 ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኲነታት ከምቲ ዝሓሰብዎ ይኸዱ ምህላዎምን ብዙሕ ዝሰራሕ ከም ዝተርፍን ጠቒሳ ኣላ። ኣብ መንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣዝዩ ገፊሕ …

Read More »

ጽባቐ

ጽባቐ ኣብ ዓይኒ ጠማቲኡ. . . ጽባቐ ከከም ገላጺኡ. . . ጽባቐ ከከም ቦታኡ. . . ጽባቐ ብመጠን ደረጃኡ. . . ካልእ’ውን መግለጺ ጽባቐ ክህሉ ይኽእል’ዩ። ጽባቐ ብዓይኒ ስነ-ጥበባውያን’ከ? ስነጥበብ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ግጥሚ፡ ሕደማ፡ ቅብኣ፡ ቅንየት፡ ቅርጻ፡ ትልሂት ኩሉ ጽባቐ እዩ። ስነ-ጥበብ ብጽቡቕ ኣገባብ ጌርካ ንጽቡቕ ነገር ምጉላሕ እዩ።  ነዚ ድማ ቦታን ባህልን እምነትን ኣነባብራን ብዓቢ ይጸልዎ ኣብ ዓዲ ጸዓዱ ‘ሕብሪ’ …

Read More »

ኮሌስትሮል እንታይ ማለትዩ ?

ኮሌስትሮል ስብሒ ዝኾነ ባእታ ወይ ጥረ ነገር እዩ።ኣካላትና ወሃዮታት፡ሆርሞናትን ሞትን ንኽሰርሕ ኮሌስትሮል ይጥቀም።ኮሌስትሮል ኣብ ጸላም ከብድና እዩ ምስራሕ።ብተወሳኺ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ እንምገቦም ዓይነት መግቢ ንረኽቦ። ምልክታት ልዑል ኮሌስትሮል  ልዑል ኮሌስትሮል ሕማም ኣይኮነን ከምኡውን ልዑል ኮሌስትሮል ምህላው ንባዕሉ ዝኾነ ምልክታት/ጥርዓናት ኣየርእየናን እዩ። እንተድኣ ንነዊሕ ዓመታት መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ልዑል ኮይኑ ፡ ብሒ/ኮሌስትሮል ኣብ መናድቕ ሰራውር ደምና ይእከብ። ከምውጽኢቱ ድማ ሻምብቕታት …

Read More »

ጉግል

ጉግል፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ሕብረ-ሃገራዊ ትካል ቴክኖሎጂ እዩ። ቀንዲ ስራሕ’ዚ ትካል ምስ ኢንተርነት ዝተተሓሓዙ ነገራት ምድላውን ኣገልግሎት ምሃብን እዩ። ኩባንያ ጉግል፡ ብዝያዳ ብቐጥታዊ መወዓውዒታት፡ ቴክኖሎጂ፡ ሶፍትዌራትን ሃርድዌራትን ብምድላው ይፍለጥ። ጉግል፡ ኣብ 1998 ብላሪ ፔጅን ሰርገይ ብሪንን ዝተባህሉ ሰባት’ዩ ተመሰሪቱ። እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ስታንድፎርድ ዩንቨርሲቲይ ተመሃሮ ፒኤችዲ ዲግሪ እንከለዉ’ዮም መስሪቶሞ። ላሪ ፔጅን ሰገርይ ብሪንን 14% እዚ ትካል ክውንኑ …

Read More »

ኮምዩንካ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ኮምዩን፡ ማለት ምምሕዳር ከባቢ ይቕመጥ። ኣብዛ ሃገር 290 ኮምዩናት ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ዘለዋ ኮምዩናት፡ ዜጋታት ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከም ዝኸፍሉን እቲ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ከም ዝውዕልን ባዕላተን ይውስና። እዚ ድማ ኮምዩናዊ ርእሰ ምሕደራ ይብሃል። ኮምዩናዊ ርእሰ-ምምሕዳር፡ ንገለ ውሱን ነገራት ኣመልኪቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዘሎዎም እኩባት ፖለቲከኛታት ዘለዉዎ እዩ። ንኣብነት ብጉዳይ ትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ክንክን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com