Monday , April 29 2024

ዜና

መሸጣ ስጋ ብዙሓት ዱካናት ምንቁልቋል ኣርእዩ’ሎ።

እዚ ዝኾነ ባርቤክዩ (ግሪል) ስልዝተኸልከለ ኮይኑ፥ እቲ ዝዓብየ ምኽንያት ግና ሸመታ ስጋ ሽወደናውያን ብቐጻሊ እናጎደለ ምምጽኡ ምዃኑ በዓል መዚ ኦሳ ኣናሃርዳርድ ኦበርግ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብዚ ዓመትዚ ዘጋጠመ ደርቂ ብሰንኪ ስእነት ድርቋን ፍሩስካን ብዙሓት ጥሪት ምሟቶምን መኽሰብ ነጋዶ ምንቊልቋሉን ተፈሊጡ።

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ምንሽርታት በረድ

ክኢላታት ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ናይ ግጉው በረድ ተርእዮን ሓደጋታቱን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም። ብመሰረት ክኢላታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከፋላት እታ ሃገር ድሕሪ ውርጪን ዝናብን ዝመጹ ዝሑላት ኩነታት ኣየር መንገዲታት ሰል ዘዕንዉ ዘወርቲ መካይን ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግባእ። በዚ ኩነታት ዝያዳ ዝጽለዋ ከባቢታት ኦሬቦሩ ዌስትሚንላንድ ክምኡ’ውን ሱርምላንድ እየን። ትማሊ ምሸት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከፋላት እታ ሃገር ሙቕት …

Read More »

ተመሃሮ ዝወስድዎ መጠን ኣልኮል ከምዝጎደለ ተሓቢሩ::

ኣብ መጽናዕትን ስፖርትን ብምጽማዶም ንማሕብራዊ ሜዳ ግዜ ዝስእኑ ኮተቴ ተመሃሮ ዝወስድዎ መጠን ኣልኮል ዝጎደለ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዚ ዝትባህለ ብመስረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ትርከብ ኤቫ ሳሙኤልሰን ዝትባህለት ሽወደናዊት ተመራማሪት ዝገበረቶ መጽናዕቲ እዩ። ኤቫ ሳሙኤልሰን ንብዙሓት ተመሃሮ (እንተላይ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ) መዓስ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝወስዱን ግዜኦም ብኸመይ ከም ዘሕልፍዎን ቃለመሕትት ኣካይዳ እያ። ብመሰረት ጸብጻባት ሃገራዊ ማእከል ሓበሬታ ኣልኮልን ዕጸ-ፋርስን ኣብ ዝሓልፉ 15 …

Read More »

ስርሒት ረኩል፥ ፖሊስ ናይ ሸውዓተ ዘምለጡ ጎሓላሉ ስምን ስእልን ይዝርግሕ

እዞም ሰባት ብናይ ካራ መጥቃዕትን ዝርፍያን ናይ ቅትለት ምፍርራህን ሓዊ ምቅጻልን ድሮጋን ምትላልን እዮም ዚህደኑ ዘለዉ። ንሳቶም ተፈሪዶም እዮም ነይሮም፡ ግን ካብዚኣቶም ሸውዓቲኦም ኣምሊጦም። ሕጂ ፖሊስ ሽወደን ይሃድኑዎም ኣለዉ። እቲ ስርሒት ከኣ ረኩል ይብሃል። ክሳዕ ሕጂ በቲ ስርሒት ሰለስተ ተታሒዞም ኣለዉ። ንሳቶም በቲ ሰባት ዝሃቡዎ ሓበሬታ እዮም ኪተሓዙ ክኢሎም።ስርሒት ረኩል ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ እተፈርዶም ዓመጸኛታት ቀዳምነት ዚህብ ተግባር እዩ። …

Read More »

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ምስ መራሕቲ ኩውየት ትራኸብ::

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ትማሊ ሰኑይ ምስ ልዑል ኩውየት  ሼኽ ሳባሕ ኣል-ኣሕመድ ኣል-ሳባሕ ኣብ ቀጽሪ ቤተመንግስቲ ተራኺቦም::  ኣብቲ ርክብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሳባሕ ኣል-ኻልድ ኣል-ሓምድ ሳባሕ  ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጒዳያት ዓምሪን ዲዋን ዓሊ-ሳባሕ ተረኺቦም ። ” ኩዌት ብዛዕባ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዋ ተራ ከምኡ’ውን ኣብ ዝርርብ የመን ብዛዕባ ክትጻወቶ ትኽእል ተራ እየ ተዛሪበ። እዚ ምይይጥ ኣብ ቀረባ ግዜ …

Read More »

ዜና 03122018

Read More »

ብሰንኪ ምወሳኽ ዋዒ ዓለምና እምባ በረድ ይፈርስ።

ሓደ ኣብ ስካንዲናቭያ ዝርከብ እምባ በረድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዘይንቡር ሙቐት ሓጋይ ክስበር ምጅማሩ ፒፎር ጃምትላንድ ጸብጺቡ። ከባብያዊ ኩንታት ዝቆጻጸር ቶማስ በርግስትሮም እቲ እምባ በረድ ናብ ብዙሕ ስባራት ከም እተመቓቐለ ብንጹር ከም ዝረአ ገሊጹ። “ብሓጺሩ ፈሪሱ’ዩ” ይብል። እዚ ኣብ ዶብ ኖርዌይን ሽወደንን ዝርከብ ሳይል ዝተባህለ እምባ በረድ ካብ ከተማ ትሮንድሃይም ኣብ ቀረባ ርሕቐት እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ወቕቲ ሙቐት ሓጋይ ካብቲ እምባ …

Read More »

መንግስቲ ኖርዌይ ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ንውዕል ዳብሊን ክምርምሮ ጸዊዑ።

ብዘይ መሰነይታ ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ከምኡውን ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ስድራ ጥርዓኖም ኣብ ኖርዌይ ዘይኮነ ኣብ ግሪኽ ክሳብ ዝምርመር ጉዳዮም በዚ ውዕል እዮም ዝከታትልዎ። ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ብዘይካዚ ነቲ ብሰብመዚ ግሪኽ ዝቐረበ ኖርዌይ ናይዞም ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ጉዳይ ክትከታተል ዝጠልብ ሕቶ ብመሰረት ሳልሳይ መትከል ስርዓተ ደብሊን ከም ዝነጸገቶ ብሉምበርግ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ሚኒስተር ፍትሒ ቶር መከል ዋራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ …

Read More »

ባይቶ ጀርመን ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጀርመን ነቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ ዝወጸ ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ። ብድምር 372 ተወከልቲ ንቲ እማመ ክቃወምዎ እንከለዉ 141 ድምጾም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ። እቶም ኣሰናዳእቲ ናይቲ ቻርተር እቲ እማመ ንረብሓ ጀርመን ምዃኑን ንሃገራዊ ረብሓ ጀርመን ብኣሉታ ዘይጸሉ ምዃኑን ይገልጹ’ለዉ። ዝሓለፈ ክረምቲ ቻርተር ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ሃገራት ዋሕዚ ስደተኛታት መታን ክቆጻጸራ ዝኽእለን 20 ዝኽውን እማመታት ኣውጺኡ …

Read More »

ዜና 30 ሕዳር 2018

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com