Saturday , April 27 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ናብ ሰማይ ጠምት ።

ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ተንሲኡ ንወዱ “ተመልሶ ወደይ፡ ተንስእ፡ ናብዛ ቐረባ ዓዲ በጺሕና ክንምለስ ኢና” በሎ። ተመልሶ ድማ ባዕጊጉ፡ “ኣቦ፡ ከውታ ለይቲ ደኣ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ቀረባ ዓዲ እንኸይድ” በሎ። ግን ከኣ ንኣቦኡ ስለ ዘኽብሮ ተንሲኡ ክዳኑ ወድዩ ምስ ኣቦኡ ንደገ ወጸ። ኣቦኡ ኣድጉ ኣኸቲሉ ወዱ ድማ ብጐድኑ ዘብዘብ እናበሉ መገዶም ቀጸሉ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለ ዝነበረት ኩሉ …

Read More »

ምሕሳው ብ መንጽር ሓንቲ ዓለም

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ “መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ?” ምስ ዚብሉኻ፡ “ኣነ ኣይኮንኩን” ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ እንተ ዘይትሕሱ ድማ ኣይምሰረቕካን። ትሕሱ ከም ዘሎኻ ብምንታይ ክትፍለጥ ትኽእል? ነቲ ዝሓተካ ዘሎ ሰብ ኣብ ዓይኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን።ኣእዛንካ ኪረስና ይጅምራመልሓስካ ደርበስበስ ይብልቀልጢፍካ ትሓርቕብውሽጥኻ ትጭነቕ፡ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

1. ስዑዲ ዓረብ ካብ ኦስትረልያ ኣግማል ከም እትዕድግ 2. ኢራን፡ ብምሒር ናይ ድሕንነት ቅልውላው ብስለያ እተጠርጠራ 14 ምጹጽላይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት 3. ናይ ዓሳ ነባሪ ወይ ናይ ወይል መልሓስ፡ ካብ ምልእቲ ሓርማዝ ከም ዚኸብድ 5. እቲ ኣርምስትሮንግ እተባህለ ንመጀመርያ ግዜ ንወርሒ ዝረገጸ ኣመሪካዊ ኣስትሮኖት፡ ካብ ወርሒ ምስ ተመልሰ ብቤትጽሕፈት ኢሚግረሽን ከም ዝሓለፈ ትፈልጡዶ? 6. ወድሰብ እቲ እንኮ ፍጥረት ዘይ …

Read More »

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር …

Read More »

“ናጻ ሕርያ” ብናስሮቪች

ትምል ምሸት “ሰብ ክሳብ ክንደይ ናጻ ሕርያ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ሓደ ብጻየይ ደስ ዝብል ዕላል ጌርና። ዕላልና ብረቂቕ ህላዌን ደራኺ ሓይልን “ገዛኢ መንፈስ” ( Zeitgeist) ዝተቓነየ እዩ ኔሩ። ወከፍ ወለዶ ንመላእ ድርኺቱን ሓሳቡን፡ ብቐንዱ ድማ ንህይወቱ ትርጉም ዝህበሉን ዘማእዘነሉን” ገዛኢ መንፈስ” (spirit of the age) ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ 60ታትን መፋርቕ ሰብዓታትን ዝነበሩ ኣያታትና በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ገኒኑ …

Read More »

ትፈልጡ’ዶ?

ብኣማኑኤል ሳህለ 1. ደፋእቲ ኣብ ቶኮዮ ርእሰከተማ ጃፓን፡ ኣብቲ ቱነልባና ወይ ናይ ትሕተምድሪ ባቡራት፡ በታ ኩባንያ እተቖጽሩ ደፋእቲ ኣለዉ። ስርሖም ከኣ ነቶም ኣብተን ባቡራት ብብዝሒ ዝኣትዉ ሰባት፡ ደፊእካን ደፋፊእካን እኹል ቦታ ንምርካብ እዩ። ክዳን ሰብ ከየበላሽዉ ብማለት፡ ጓንቲ ይግብሩ እዮም። ኣብቲ ውሽጢ ባቡራት፡ ኣይትዳፋእ ዚብል ቃል ትርጉም የብሉን ብኣንጻሩስ ተዳፋእ ምባል እዩ ዚቐለካ። 2. ተስቲፋይ (ምስክርነት ምሃብ) ተስቲፋይ (testify) ወይ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን

ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ናስሮቪች ብምልኣት ሕስብ እንተቢልና ወዲሰብ እታ ዘነአሰት”ውን ሓርነት ኣላቶ ድያ ናብ ዝብል ሕቶ ክመርሓና ይኽእል እዩ፡፡ ብሩኽ ሰፒኖዛ ዝተባህለ ፈላስፋ “ሰባት ናጻ ሕርያ ዘለዎም እዩ ዝመስሎም፤ ምኽንያቱ ባህጎምን ሸውሃቶምን ብውኖም ብዝውስንዎ ፍቓድ ዝድረኽ ከም ዝኾነ እዮም ዝኣምኑ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ባህጊን ሸውሃትን ካብ ፍቓዶም ወጻኢ ምዃኑ ክሓስቡ ብዙሕ ኣይግደሱን እዮም” ይብል፡፡ ዘደለናዮ ክንገብር ናጻ ዲና? እቲ …

Read More »

ፍልስፍናን ሓርነትን ቀዳማይ ክፋል

“ቅኑዕ ንዘበለ ሕጊ ነብስኻ ተገዛኢ ምግባር ሓርነት እዩ” ዣን ዣኽ ሩሶ ሓርነት ካብቶም ኣዝዮም ዝዝውተሩን ትርጉሞም ዝተዛበዐን ኣምራት ሓደ እዩ፡፡ ንምዃኑ ሓርነት እንታይ ማለት እዩ? በቲ ኣዝዩ ልሙድ ኣተራጉማኡ ሓርነት ከም ድላይካ ምዃን፤ ካብ ዝኾነ ዓጋቲ፤ ደራቲን ባርያኡ ዝገብረካን ሓይሊ ናጻ ምዃን ማለት እዩ፡፡ ቶማስ ሆበስ እተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓርነት እንክጽሕፍ ከምዚ ይብል–ሓርነት ክትብሮ ካብ እትደሊ ዘታርፈካ ግዳማዊ ዕንቀፋት ወይ …

Read More »

ትፈልጡዶ? ብኣማኑኤል ሳህለ

1. ኣብ ግዜ ዓርቢ ስቐለት፡ ህዝቢ ናብቲ ቀጽሪ ቤትክርስትያን ኣትዩ (ብፍላይ ኣንስቲ)፡ ክላላይሶ ይብል እዩ። ክላላይሶ ግን እንታይ ማለት እዩ። ከምቲ ስዒቡ ዚድገም፡ ክላላይሶ መሓረና ክርስቶስ፡ ክላላይሶ ማለት መሓረና ጎይታ ማለት እዩ። እዚ ቃልዚ ካብ ግሪኽ KYRIE ELEISON ማለት ምሓረና ጎይታ ዝመንጨወ እዩ። ኣዴታትና ኣብ ክንዲ ኪሪየ አለይሶን ዚብላ፡ ክላላይሶ ኢለንኦ። 2. ፋዱስ ዚብል ቃል ብትግርኛ ፍርቂ መዓልቲ ማለት እዩ። …

Read More »

ዲሲፕሊን + ወሳንነት = ዓንዲ ብልጽግና 6ይን መወዳእታን ክፋል

ዲሲፕሊን ዲሲፕሊን፡ ሓደ ካብቶም ንሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልይዎ ጠባያት እዩ። ዲሲፕሊን ማለት ስርዓት’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ርእሰ-ቚጽጽር’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ልዙብ ምዃን’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ናይ ምልምማድ ክእለት ምጥራይ’ዩ። ንክውንነት ህይወትካ ክትቅበል ምኽኣል’ዩ። ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ኣብ ዝኣመንካሉ መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩብ ምዃን’ዩ፡ ኣብ ግጥማት ህይወት ዋላ’ውን ብዘይ ደጋፊ በይንኻ ኴንካ ኢድካ ዘይምሃብ’ዩ። ዲሲፕሊን፣ ነቲ እናሻዕ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕጀለኻ ሓሳባትን ውሽጣዊ ደፋኢ ሓይልን ከም እትቆጻጸር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com