Monday , April 29 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ

ስነጥበብን ቅጥዕን (A Runaway Art) ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዳርጋ ኩሉ ኣብ ቅድመኻ ዝጓነፈካ ነገራት ከም ስነጥበብ እናተቘጽረ ይኸይድ ዘሎ ይመስል። ስም ከተውጽኣሉን ክትገልጾን እንተ ኽኢልካ ድማ ከም ብርቂ ስነጥበብ ተቘጺሩ ኣብ ኤግዚቢሽን ኪረኣየልካ ይኽእል። ኣብ መሸጣ ቀሪቡ’ውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ የምጽኣልካ። እቶም ኣብ መበለ 19 ክፍለዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ስነጥበበኛታት፡ በቲ ክላሲካል እናተባህለ ብምሒር ሕግን መምርሒታትን ተቐዪዱ ዝጐዓዝ ዝነበረ ስነጥበብ …

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ንሽልማት Västerbottning ተሓጽዩ

ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብሽወደናዊት ጋዜጣ VÄSTERBOTTENS-KURIREN ዝካየድ፡ ብሉጽ ድርሰታዊ ኣበርክቶ፡ ዝብል ውድድር፡ ከም ሕጹይ ኮይኑ ከምዝቐረበ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ናይታ ጋዜጣ ሰፊሩ ይርከብ። እዛ ጋዜጣ ካብ ዝሓጸየቶም ሸሞንተ ስነጥበባውያን እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ መወዳድርቶም ወጻእተኛ ብምዃን ዝተረቑሐ ድማ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኮይኑ ኣሎ። ተዓዋቲ ናይዚ ውድድር፡ ብብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ዝውሰን ኮይኑ፡ ክሳብ …

Read More »

ኣቕኒእክኒ ሓፍተይ

ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ምፍልላይ’የን ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺበን። ክልቲኤን ተሓቛቚፈን ብንብዓት ክሕጸባ እንከለዋ፡ ኪኖ ናፍቖት ዝኸደ ቃንዛ ከም ዘለወን ንማንም ግሁድ ነበረ። ኣቦአንን ኣዲአንን ግን፡ እንተስ ኣቐዲሞም ንብዓቶም ወዲኦም ወይ’ውን ብንብዓቶም ከይንበብ ዝኸወልዎ ምስጢር ነይሩ፡ ኣብ ሰሳሎኖም ተጨቢጦም’ዮም ዝርእይወን ኔሮም። እተን ብመልክዕን መፈላለዪ ዘይብለን ማናቱ ኣሓት፡ ባህርያተን ይኹን ዝሓለፈኦ ህይወት ግን ዘራኽብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ ጸሓይ ወዲቓ! (The Day The Sun Fell !)

ሓደ እዋን ኣብ ገጠር እትቕመጥ ደርሆ፡ ካብቲ ቦታኣ ኣርሒቓ ብምኻድ፡ ዝወደቐ ኣእካልን ቋርፍን ትለቅም ነበረት። ቀጺላ ቍሩብ ምስ ከደት ድማ ፍረ ዓካት ረኸበት። ቀሪባ ተዓዘበታ፡ ክትበልዓ’ውን ፈተነት፡ ግን ቍሩብ ምስ ተኾበትላ፡ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። ክንደይከ ትቐይሕ ኢያ! ዓተር ትመስል ግን ኣመና ዓብያ! ደርሆ ኣብ ሓሳብ ኣተወት ………… “እውይ ጸሓይ ወዲቓ!” ጨደረት ደርሆ። ንሰማይ ከይረኣየት። “እዋይ ጸሓይ ወዲቓ፡ ኣንታ እንታይ ኢዩ ዚግበሮ?” …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ እታ ሳልሰይቲ ዓይኒ (The Third Eye)

ሳልሳይቲ ዓይኒ ምህላው፡ ዓሚቝ ናይ ምስትውዓል ሓይሊ ምህላው ማለት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ዓይኒ’ዚ ንኹሉ ሰብ ተዋሂቡዎ ኸሎ፡ ገሊኡ ይጥቀመሉ ገሊኡ ኣይጥቀመሉን። ኪጥቀመሉ’ውን ኣይደልን። ክልተ ዓይነት ዓይነስዉራት እዮም ዘለዉ። ናይ ዓይኒ ዕዉራት። ናይ ልቢ ዕዉራት። ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ህይወታውን ዘይህይወታውን ነገራት ምልክት ናይቲ ዘይረኣይ ሓቂ እዩ። ኩሉ ብናቱ ቛንቋን ምልክታትን ኪዛረበና እዩ ዚውዕል። እቲ ኣብ መንጽር ዚረኣየካ ዘሎ ዓብን ጽኑዕን …

Read More »

“ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ክትገዝኡ እትደልዩ ሰባት፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ

 ቴለ 0046765918587         0046764016638 Facebook. Tsegabrhan Goitom             Email. Tsegish52@gmail.com                                www.Emkulu.com

Read More »

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 184 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቅኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ ይጻወቱ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኒኤል ሳህለ በይንኻ ምንባር (The Lone Wolf)

ኣሪስቶትል እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ፡ ንሰብ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ገይሩ ይጠቕሶ። ሰብ ንበይኑ ኪነብር ኣይክእልን’ዩ ማለቱ እዩ። ባሕታውያን ርእዩ ዘይፈልጥ ኮይኑ ደኾን ይኸውን? ኣሪስቶትል ከምዚ ምባሉ ግን፡ ናይ ወድሰብ ሓፈሻዊ ባህርያት ከመልክት ስለ ዝደለየ ደኣምበር ጠፊኡዎስ ኣይመስለንን። ስልጣኔ ንኺመጽእ፡ ወድሰብ ከኣ ብሓሳብን ብግብርን ንኺምዕብል፡ ማሕበራውን ሓባርውን ናብራ ግድን እዩ። ንበይንኻ ነቢርካ እተፍርዮ ነገር የልቦን። ኩሉ ሰብ ግን ሕደ ኣይኮነን። ካብ ሰብ …

Read More »

ዕድል ምስ ሃደመ

ሓቐኛ ዛንታካልኣይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ።“ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ ወዘተ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ቆልዑን ወለዶምን (The Art of Parenting)

ብኣማኑኤል ሳህለ መብዛሕትኦም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ፓይሎት፡ ሓኪም፡ መሃንድስ፡ ወትሃደር፡ ወዘተ.. ክንከውን ኢና እንደሊ እዮም ዚብሉ። ንዝኾነ ዚሓቶም ሰብ’ውን ብኸምዚ መልክዕ እዮም ዚምልሹሉ። ምስ ዓበኻ ከመይ ክትከውን (ወይ ብምንታይ ክትዝከር) ትደሊ ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን ኪሓስቡ ምጀመሩ። እምበኣር ሓደ ቈልዓ፡ መጀመርያ ከጥርዮ ዘለዎ ሞያ፡ ንባህርያት እምበር ንጥበብ ዚምልከት ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። መጀመርያ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰላምን ብኽብርን ከንብሮ ዚኽእል ባህርያት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com