Sunday , April 28 2024

ጥዕና

ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ሽወደን ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ክሰርሑ ከም ዝገድፋኦም ተገሊጹ።

ኣብ 55 ሆስፒታላት እተኻየደ ዳህሳስን ሰነዳዊ ፊልም ካሊበርን ከም ዘመልክትዎ ብቕዓት ዘይብሎም ሓካይም ገና ሕሙማት ኣብ ምእላይ ይነጥፉ ኣለዉ። ኣባላት ኣብ ምቚጻር ዘሎ ሽግራት ክትትል ዘይግበረሎም ሓካይም ንኽህልዉ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣሩ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ካሊብር ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ሓደ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘጋጠመ ጒዳይ ሕማማ ብጌጋ ተጊርዋ ሰለስተ ሳዕ ምምልላሳን ኣብ መበል ራብዓይ ሉኬምያ ምዃኑ ምርግጋጻን ትሕብር። እቲ ሆስፒታል …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝሞተ ሰብ ዕዉት ምስግጋር ኣካሊት ስርዓተ ማህጸን ተሳሊጡ።

ብልገሳ ካብ ሓደ ሬሳ ዕዉት ምስግጋር ስርዓተ ማህጸን ምክያዱን እታ ሰበይቲ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና እኳ እንተሃልወት ድቂ ክትሕዝ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ምጽባይ ከም ዘድልያ እቶም ሓካይም ገሊጾም። እዚ ምስግጋር ኣካሊት ዓሚ ዝተፈጸመ ዀይኑ እታ ሰበይቲ ኣብ ሰላሳታት ከም እትርከብን ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ መብጣሕቲ እውን ኣብ ጽቡቕን ዘተኣማምንን ጥዕና ምህላዋ ተገሊጹ እቲ መጥባሕቲ 10 ሰዓታት ዝወሰደ ኰይኑ ሓደጋ ከስዕብ …

Read More »

ሓደ ህጻን ብሸለልትነት ኣስናኑ ብምስኣኑ ወላዲቱ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪባ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቲምሮ ዞባ ዌስተርኖርላንድ እትቕመጥ ሰበይቲ ብምኽንያት ጒድለት ጽሬት ህጻን ወዳ 16 ካብ ኣስናኑ ብምስኣኑ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ። እታ ኣደ ንወዳ ግቡእ ክንክን ንጽህና ትገብረሉ ምህላዋ ብምንጋር ንኣገልግሎት ጥዕና ኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ክተታልል ምጽንሓ ንኣኽባር ሕጊ ኢዳ ኣንቺድ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሱንዱስቫል ቲድኒንግ ሓቢራ’ላ። እቲ ህጻን ድማ መጥባሕቲ ኣስናን ክግበረሉ ዘገድድ ኲነታት ጥዕና ከም ዘጋጠሞ እታ ጋዜጣ ወሲኻ …

Read More »

ካሮሊንክሳ ንኣህጒራዊ ምርምር ክታበት ኮሮና ቫይረስ ከም እተጸንበረቶ ገሊጻ።

ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ክሳራ ኣብ ምውሳዂ ንምዕጋቱ ዘድሊ ናይ ክትባት ኣገልግሎት ንምድላው ኣብ ሽወደን ኣጻዳፊ ስራሕ ከም እተጀመረ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ትካል ካሮሊንክስ ዝርከቡ ተመራመርቲ ነዚ ዛጊት 24 ሽሕ ሰባት ኣጥቂዑ ከም ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ሓደ ኣፈናዊ ናይ ክትባት ሕዋስ ንምድላው ኣብ ስራሕ ከም ዝርከቡ ድማ ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ሕሙማት ኣብ ሃገረ ቻይና እዮም ዝርከቡ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ሓላፊ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ፡ ብናይ ሓሶት ውሕስነት ሰባት ከነህድእ ኣይንደልን ይብል።

ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ዓመተ 2020 ክቕጽል ከምዝኽእል ሓላፊ በዓል መዚ ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ገምጋሙ ገሊጹ። ሽወደን ንኣተሓሕዛ ናይቶም ካብ ዎሃን ቻይና ዝተመልሱ ሽወደናውያን ብዝምልከት ኣብ ዝነብርሉ ኣባይቲ ወለንታዊ ውሸባ ንኽገብሩ ኣፍቂዳትሎም ትርከብ። እዚ ኣገባብ ብብዙሓት ወገናት ከቢድ ነቐፌታ’ኳ እንተወረዶ ብወገን በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን እቲ ጉዳይ ዝግባእ ምክትታል ይግበረሉ ከምዘሎ ብምግላጽ ንዝወርዶ ዘሎ ነቐፌታታት ከም ዝነጸጎ ምስ ስቨኒስካ ዳግብላዴት ኣብ …

Read More »

ኣብ እዋን ጥንሲ ሽጋራ ምትካኽ ድቂ ኣዕጽምቱ ክሰብር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቱ ኡሬቦ ዝተገብረን ኣብ ብሪቲሽ መዲካል ጆርናል ዝሰፈረን ሓድሽ ሕክምናዊ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ ኣብ እዋን ጥንሲ ምትካኽ ንጥዕና ድቂ ብኣሉታ ከም ዝጸሉን ኣብ ናይ ፈለማ ዕድሜኡ ዓጽሙ ናይ ምስባር ዕድሉ ከም ዘዛይድን ተገሊጹ። ነዚ መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ዝተሓባበረትን ዋና ተሳታፊትን ሆላንዳዊት ዮዲት ብራንት ” ብዛዕባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምትካኽ ኣቐዲሙ’ውን ሓበሬታ ጸኒሑና እዩ” ኢላ። ንሳ ኣብ መዓልቲ 10 ሽጋራ ዘትክኻ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተጠቕዐ ዝጥርጠር ካልኣይ ሰብ ተረኺቡ።

ኣብ ከባቢ ብሊኪንግ ሓደ ብክሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ዝጥርጠር ሰብ ከምተረኽበን ኩነታቱ ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ብ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ቻይና ቅድሚ 14 መዓልታት ከምዝነበረን ምልክታት ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ብ ሰሉስ ከም ዝተርኣየን እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ውጽኢት ናይ መርመራ ካብ ረቡዕ ክረአ ምዃኑ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ …

Read More »

መንግስቲ ንቫይረስ ኮሮና ከም ሓደ ስግኣት ሕብረተሰብ ጌሩ ምቕማጡ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ተከሲቱ ዘሎን ቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ከም ሃገራዊ ሓደጋ ብምርኣይ ህዝባዊ ስጋኣት ሙዃኑን ሰባት ኣድልዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ። ዘይንቡር ኣብ ዝተባህለሉ ኣኼባ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ጋሊንግረን ነዚ ሓድሽ ቫይረስ ከም ህዝባዊ ስግኣት ከም እትቘጽሮ ምግላጻ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ። “ዶክተራት ኣድላዪ እንተኾይኑ ውሸባ’ ውን ብምትእትታው ንለበዳ እዚ ቫይረስ ክከላኸሉ ሓቢርና ኣሎና” …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ሕማም ኮሮና ከየስፋሕፍሕ ኲሉ ሜላታት ይጥቀም ምህላዉ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ማሕበራዊ ኊዳያት ሊና ህሊግረን ሎሚ ምስ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዮሃን ካርልሰን ከምኡ’ውም ዳይረክተር ጀነራ ሃገራዊ ጥዕናን ቈንስል ማሕበራዊ ጒዳያትን ኦሊቭያ ወግሰል ብምትሕብባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሂባ’ላ። ንሳ መንግስቲ ንምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ዝድለ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑን እንተኾነ ዝያዳ ጻዕርታት ምክያድ ከም ዘድሊን ገሊጻ’ላ። ካርልሰን ብወገኑ ዛጊት ኣብ ዕስራ ዝኾኑ ሰባት መርመራ ከም እተገብረን በዚ ቫይረስ እተለኽፈ ዛጊድ ሓደ ሰብ ከምዝተረኽበ። …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብ ኮሮና ቫይረስ ዝተለክፈት ሰብ ምርካቦም ሰብ መዚ ጥዕና እዛ ሃገር ኣፈሊጦም።

ሰብ መዚ ጥዕና ሽወደን ትማሊ ብኮሮና ቫይረስ ዝተጥቕዔት ናይ መጀመርያ ሰብ ኣብ ከባቢ ዮንሽፒንግ  ምርካቦም ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ ሰብ መዚ ጥዕና እዛ ግዳይ ዝኾነት ሰብ ቅድሚ ውሕዳት ሰሙናት ናብ ቻይናዊት ከተማ ዊሃን ገይሻ ከምዝነብረት ናብዚ ቦታኣ ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ዝተመልስትሉ እዚ ምልኽት ክርኣያ ብምኽኣሉን፣ ኣብዚ እዋን  ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሽፒንግ ዝርከብ ሆስፒታል ሪሆቭ ተዓቒባ ከምዘላ ገሊጾም። ድሕሪ ቡዙሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com