Thursday , May 2 2024

ምክልኻል ኮረና

ዴንማርክ ንዜጋታት ናይ ኮሮና ፓስፖርት ተውጽኣሎም

መንግስቲ ዴንማርክ፡ ዜጋታቱ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝግልገልሉ ፡ዲጂታላዊ ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ከውጽኣሎም ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ፓስፖርት ኣብ ዝቕጽላ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክዳሎ ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፡ ዴንማርካውያን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ በቲ ሳንድሄድ ዶት ዲ ኬይ (sundhed.dk) ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ክትባት ምርካቦምን ዘይምርካቦምን መርተዖ ከቕርቡ እዮም። እዚ ፓስፖርት፡ ኩነታት ክትባት ናይቲ ወናኒ ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣብ …

Read More »

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ

ሽጋራ ምትካኽ፡ ንመልከፍቲ ኮሮና ናይ ምቅላዕ ዘለዎ ተራ ኣካታዒ ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ ሓድሽ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ግን ሽጋራ ምትካኽ ንመልከፍቲ ኮሮና የቃልዕ እዩ ተባሂሉ። እዚ ውጽኢት፡ ነቲ ዝጸንሐ ክትዕ፡ መደምደምታ ብምግባሩ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ  ክብል ካብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ሳናቡእ ክሪስተር ጃንሰን ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ድሕሪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ሽጋራ ምትካኽ ዘይኮነስ፡ ምስ ምትካኽ ሽጋር …

Read More »

ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዒ ምዃኑ፡ ሓደ ኤውሮፓዊ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ

ብስም ‘’ስፑትኒክ ቪ’’ ዝፍለጥ ሩስያዊ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣድማዕነቱ ክሳብ 91.6% ክበጽሕ ከምዝኽእል፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ዚ ላንሲት ዝተባሃለ ሕክምናዊ መጽሔት፡ ነቲ ብብሕታውያን ተመራመርቲ ዝተረጋገጸ ውጽኢት ከምዘቃለሐ ተፈሊጡ። ውጽኢት ናይ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ስፑትኒክ ቪ፡ ንጹርን ብሳይነሳዊ መርተዖታት ዝተሰነየን እዩ ዝበሉ፡ ክልተ እንግሊዛውያን ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ዝኾኑ፡ ፕሮፌሶር ኢያን ጆንዝን ፖሊ ሮይን፡ እቲ ክታበት፡ ኣብቲ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝግበር ቃልሲ፡ ተወሳኺ ጸረ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ 400 ሰባት፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ተለኺፎም

ኣብ ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ ንፈለማ ግዜ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ከምተቐላቐለ ይዝከር። ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣስታት 400 ሰባት፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ከምዝተለኽፉ ብበዓል መዚ ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ዝተኻየደ ዳህሳስ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብዚ ራብዓይ ሰሙን ናይዚ ዓመት፡ መጠን ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት፡ ከምዝጎደለ ይፍለጥ። ኣብዚ ራብዓይ ሰሙን፡ ኣስታት 4160 ሓድሽ መልከፍቲ ክረአ እንከሎ፡ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር …

Read More »

ጀርመን፡ ንሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ከተናውሖ ከም እትኽእል ተሓቢሩ

መንግስቲ ጀርመን፡ ነቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ መላእ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ካብ ፓርላማ’ታ ሃገር ውሳኔ ብምርካብ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ከናውሖ ከምዝኽእል በዓል መዚ ጥዕና ጀርመን ሓቢሩ ክብላ ጋዜጣ ሃንደልስብላትን ማዕከን ዜና ዘ ፒዮኔርን ገሊጸን። ፓርላማ ጀርመን፡ ንፈለማ ግዜ ሕጊ ድንጋገ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ኣብ 25/03/2020 ከምዘመሓላለፈን ከምእንደገና ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 …

Read More »

ምምሕዳራት ከተማ፡ ቀይድታት ምብጻሕ እንዳ ዓበይቲ ከፍኩሳ ይሕተታ

ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን፡ ቀይድታት ምብጻሕ ናብ እንዳ ዓበይቲ ዝምልከት ንኾፍኩሳ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብመንገዲ ሞሊን ግራቢ ሓቲቱ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ከም ዝፍለጥ፡ ሽወደን፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ከልኪላ ምንባራ ይዝከር። ብድሕሪ’ዚ እቲ ሓላፍነት ንበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ተዋሂቡ፡ ቀይድታት ምብጻሕ፡ ብደረጃ ጠለብ እተን ምምሕዳራት ከተማ …

Read More »

ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንገያሾ፡ ንመስርሕ ምቕባል ሓተቲ ዑቕባ ክዕንቅፍ ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ

ናብ ሽወደን ዝበጽሑ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት፡ ከርእዩ ከምዝግባእ ዝብል እማመ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከምዘሎን በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሸወደን ድማ ነዚ ተበግሶ ብኣወንታ ሪእይዎ’ ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ፡ ብፍሉይ ዝርእዮም ኩነታት ክህልዉ ይግባእ ከምዝበለ፡ ሚኒስተር ውሽጣዉ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ። እንተበዝሐ ናይ 48 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ምቕራብ፡ ነቶም ኣህጉራዊ …

Read More »

Harmoy media News 01/02/2021

Read More »

ውልቀ ሰባት፡ ንዝዋሃቦም ዓይነት ክታበት ክመርጹ ከምዘይክእሉ ተሓቢሩ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ተመዲቡ ዘሎ ውጥን ክታበት፡ ውልቀ ሳባት፡ ፍርያት ናይ ኣየነይቲ ኩባንያ ንክኽተቡ ከምዝደልዩ ንኸምርጻ መደብ ከምዘይብለን፡ ሬድዩ ኢኮት ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ። ውሕስነት ናይቶም ክታበታት ዝተረጋገጸ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት፡ ስግኣት ዘለዎ ኣይኮነን ዝበለት ተሓጋጋዚት ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ ኣብ ሃላንድ፡ ማርያ ሎቭግሪን፡ ቀረብ ናይቲ ክታበት ከም ኣድላይነቱ ክሳለጥ ምዃኑ ሓቢራ። መሰረታዊ መርገጺ ምምሕዳር ስኮነ፡ ውልቀ ሰባት፡ ዝኽተብዎ …

Read More »

ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት፡ ምስክር መርመራ ኮሮና ከምዘድልዮም ተሓቢሩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ብምምሕልላፍ፡ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህልዎም ከምዝግባእ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ንምርካብ፡ ሎሚ ጠለቡ ከምዘቕረበ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ባህርያት ናይዚ ቫይረስ ተለዋዋጢ ብምዃኑ፡ ዘይተፈልጡ ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ክህሉዉ ስለዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ንኸመሓላልፍ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com