Saturday , May 11 2024

ኮረና ቫይረስ

February, 2021

  • 12 February

    ክታበት ኮሮና፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ተሰሪቑ

    ኣብ ሊንሾፒን እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ከም ናይ ክታበት ኑቕጣ ኮይና ከተገልግል ካብ ትጅምር፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይራ ከምዘላ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ግን፡ ዘይንቡር ፍጻመ ከምዝተረኽበ ምምሕዳር’ቲ ቤተ ክርስትያን ገሊጹ። ካብቲ ዝነበረ ክታበት፡ 12 ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝኾኑ ብልቃጥ (ዶዛት) ከምዘይተረኽቡ፡ ቤት ጽሕፈት ከባቢ ኦስተርጎትላንድ፡ ንፖሊስ፡ ሓቢሩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ዘይንቡርን ባህርያዊ መግለጺ ክርከቡ ዘይክእልን ስለዝኾነ፡ ንግዚኡ ግን ከም …

  • 12 February

    ስፖርታዊ ቅነን ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን

    ስፖርታዊ ቅነ፡ እናቐረበ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብኡ መንጽር እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ኣባል በዓል መዚ ጥዕና፡ ሳራ ቢፎሽ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ምርኻብ ማለት፡ ንተኽእሎታት ለበዳ ምዕባይ ማለት እዩ ኢላ። ናብ ዝደለኻዮ ቦታ እንተ ገሽካ፡ ወይ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ዓዲ እንተ ሃለኻ፡ ምስ ቀጻሊ ዘይትራኸቦም ሰባት ክትራኸብ ከምዘይብልካን መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ክትኽተልን ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ። …

  • 11 February

    ስቴፋን ሎቪን፡ ልዕሊ ብዝሒ ሽወደናውያን ዝኣክል፡ ክታበት ኮሮና ኣውሒስና ኣለና ይብል

    ሽወደን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብመጠን ሚእታዊት ጸረ ኮሮና ዝተኸትቡ ዜጋታት፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ከም እትምደብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎቪን ኣፍሊጡ። ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ክትባት ይካየድ ኣሎ። ሕብረተሰብን በዓል መዚ ክንክን ጥዕናን ነዚ ናይ ሎጂስቲክ ብድሆ ብሓባር ዝገጠሙሉ ኣገባብ ኣኹሪዑኒ እዩ ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ሓቢሩ። ዛጊት 316 ሽሕ ሽወደናውያን ቀዳማይ ዶዝ …

  • 11 February

    ቁጽሪ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ሰባት፡ ጥርዙ በጺሑ ተባሂሉ

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ዝወጸ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 179 ሽሕ ሰባት ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ብዘይስራሕ ከምዘለዉን እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ25 ሽሕ ወሲኹ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ ዝለዓለ ንዝነወሐ እዋን ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ ብዝሒ ቁጽሪ ሰባት ከምዝኾነ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 460 …

  • 11 February

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኣስትራዚኒካ ክወስዱ ይመክር

    ኮሚቴ ተመራመርቲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንውጽኢት ክታበት ኣስትራዚኒካ ከምእንደገና ምስ ገምገሙ፡ እቲ ክታበት፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ክወሃብ ከምዝኽእል  ምኽሮም ለጊሶም ክብል ጋዜጣታት ፈረንሳ ሓቢረን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክወሃብ ከምዘይግባእ ድሕሪ ምሕባረን፡ ዝተኻየደ ገምጋም ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ …

  • 11 February

    ውሱናት ክታበታት፡ ኣንጻር ሓድሽ ዓሌት ኮሮና፡ ትሑት ኣድማዕነት ኣለዎም ተባሂሉ

    ብመሰረት ኣብ ሃንጋሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ብ mRNA ዝፍለጡ ዓይነት ክታበታት፡ ፋይዘርን ሞደርናን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ኮሮና፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ መበቈላዊ ቫይረስ ዘርእዩ ኣድማዕነት ከምዘይብሉ ማዕከን ኣገልግሎት ዜና ተተ ይሕብር። ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ፡ ኣድማዕነት ናይቲ ክታበት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ብሪጣንያን እዩ ተዓቂኑ። ኣብ ሰላሳ ሃገራት ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ኮሮና፡ ከም ተራእዩ ድማ ተሓቢሩ። በዚ ድማ እቶም ተመራመርቲ …

  • 10 February

    Harmony Media News 10-02-2021

  • 10 February

    ቬንስተርፓርትየት፡ ብዛዕባ ወነንቲ ትካላት ዝወሃብ ሓገዝ አማመ ኣቅሪቡ

    ሰልፊ ቬንስተርፓርትየት፣ ኣብ ዘቅረቦ አማመ፣ ወነንቲ ትካላታ ሓገዝ (ersättning) ኣብ ዝሓትሉ አዋን፣ አቲ ትካል ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ከም ዘሎ መረጋገጺ ከቕርቡ ከም ዘለዎም ሓቢሩ። አዚ ማለት ድማ ብመንገዲ ወግዓዊ ኤሊትርካዊ መርበብ ሓበሬትኦም፣ ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ከምዘለዉ ክሕብሩ ከም ዘለዎም ኣብሪሁ። አዚ ብመንግስቲ ወሃብ ዘሎ ድጎማ፣ ነዘን ትካላት ካብ ጥፈሻ ንምድሓነን ኩነታት ኣብ ዝመሓየሽሉ ግዜ ብንቐጥታ ናቡ ንቡር ንኽምለሳ …

  • 10 February

    ጽልዋ ክታበት ክሮኖ ኣብ አንዳ ዓበይቲ ክረአ ጀሚሩ

    በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ መላእ ሃገር፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክወሃብ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ይዝከር። በዚ መስረት ድማ እቶም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዖም ዝርከቡ እቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ምዃኖም ተሓቢሩ ነይሩ፡ ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ ደርጃ ተሰሪዖም ዘሎዉ ድማ እቶም እንዳ ዓበይቲ ዝሰርሑ ዘለው ምዃኖም፡ ማርቲን ቲቪዊስ ይዛረብ። ክታበት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ዓበይቲ ክረአ ዝጸንሐ ምስፍሕፋሕ ለበዳ …

  • 9 February

    መንግስቲ፡ ንቑጽሪ ተሳፈርቲ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ደረት ገይርሉ

    ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ ንምክልኻል ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ህዝባዊ መጓዓዝያ ደረት ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ኣንቢሩ ኣሎ። ካብ ለካቲት 14 ክሳብ ግንቦት 31 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ150 ኪሜ ንላዕሊ ኣብ ዝኸዳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጓዓዝያ፡ ፍርቂ ብዝሒ መናብር ጥራይ እዩ ክፍቀድ ክትብል ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግረን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com