Saturday , April 27 2024

ዜና

ማሕበር መሃንድሳት– “ብርሕቀት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ይብርክቱ ኣለዉ”

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መሃንድሳት ካብቲ ቅድሚ ለበዳ covid-19 ዝነበርዎ ንላዕሊ ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ ርሒቖም ይነብሩ ከምዘለዉ ሓድሽ ጸብጻብ ማሕበር መሃንድሳት ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ካብ ቦታ ስርሖም ምርሓቖም ውጽኢት ናይቲ ዝበዝሑ ሰባት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኲነታት ምህላዉ፡ ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ይቚጸሩ ብምህላዎም እዩ። “ዋጋ መነባብሮ ዝሓሰረ እዩ። ሰፊሕን ዋጋኡ ኸኣ ተመጣጣኒን ቤት ክህልወኒ ይኽእል …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ሽወደን ናብ 2.2% ወሪዱ

ኣብ ሽወደን መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 2.2% ከምዝወረደ ን ወለድ ሞጊጅ ዘይሓወሰ መዐቀኒ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣጣሊሉ። እዚ ኣሃዝ ዝቕባበ ዋጋ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘውጽኦ ናይ 2% ሸቶ ዝቐረበ እዩ። ሪክስባንክ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዛዕባ ዋና ወለዱ ውሳነ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

Read More »

ኣብ ኻርሆልመን ብዝተፈጸመ ተዂሲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ

ኣብ ትሕተ ምድራዊ መንገዲ ስቶክሆልም፥ ንሓደ ጉጅለ መንእሰያት እናተኸላኸለ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፥ ብፖሊስ ይምርምር ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከባቢ ስካርሆልመን፡ እቲ ዝተገበረ ተዂሲ ምርባሽን ፍርሕን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ በብእዋኑ እናተጋደደ እዩ ዝኸይድ ኣሎ” ክብል ሓደ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖለቲከኛታት ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ቱሪዝም ርኡይ ዕቤት የመዝግብ

ዓሚ ካብ መጋቢት 2023 ክሳብ ለካቲት 2024፡ ፊንላንድ ርኡይ ዋሕዚ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ከም እተቐበለት ተገሊጹ። ኣብዘን ኣዋርሕ 4.7 ሚልዮን መገሻታት ናብታ ሃገር ተኻይዱ እዩ። ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ “ቪዚት ፊንላንድን” እዞም በጻሕቲ ኣብ ሓደ መገሻ ብማእከላይ ገምጋም 807 ዩሮ ወጻኢታት ከምዝገበሩን፡ እዚ ድማ ብድምር ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝበጽሕን ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ዑደታት 73% ንምዝንጋዕ ዝዓለሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

Read More »

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ብመንግስቲ ዕጒባት ኣይኮኑን ተባሂሉ

61% ፊንላንዳውያን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ኣብ ስርሑ ድኹም ኣፈጻጽማ ከምዘርኣየ ይኣምኑ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል መጽናዕቲ ቨርያኒ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ። 38% ካብዚኦም ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣዝዩ ድኹም ክብሉ እንከለዉ፡ 23 ሚእታዊት ድማ ብመጠኑ ድኹም ኢሎም ከም ዝቐጽርዎ ገሊጾም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ ሲሶ 34% ንተግባራት መንግስቲ እንተወሓደ ብመጠኑ ዘዕግብ ኮይኑ እዩ ዝረኣየና ክብሉ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብሓፈሻ …

Read More »

ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ተመሃሮ ዝዋረዱላ እያ ኔራ ዝብል ክሲ ይቐርበላ

ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ኣብያተ ትምህርቲ ጽባቐ ሽወደን ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ዝተማህረት ሓንቲ መንእሰይ፡ ተማሃሮ ሓባራዊ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ዝግበረላ ሰባት ብደርጃ ዝምደቡላን እያ ክትብል ወቒሳ ። “ጒልበተይ ብናጻ እናገበርኲ ዝኸፍልኩም ዘለኹ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ” ክብል ሓደ ተማሃራይ ንፒ3 ኒውስ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። መስራቲት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ሊልጀብላድ ኮርንስትራ፡ ነቲ ኣስታት 20 ተማሃሮ ዝሃብዎ ምስክርነት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ …

Read More »

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕብየት እኳ እንተገበረ፡ ክኢላታት ግን ጥንቃቐ ክግበር የተሕእሳስቡ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ብ 0.1% ከምዝዓበየ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ትማሊ ረቡዕ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ግምት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኣመልክት። እቲ ወርሓዊ ኣሃዛት ንቁጠባ ሽወደን ካብቲ ተንተንቲ ዝጽበይዎ ንላዕሊ ኣወንታዊ ስእሊ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ ገሊኦም ግን እቲ ቁጽሪ ብጥርጣረ ክረአ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ወጻኢታት ስድራቤታት ብ 0.5% ከምዝነከየ ብተወሳኺ ቀሪቡ’ሎ።

Read More »

ሰራዊት ሽወደን ካሕሳ ክኸፍል ተሓቲቱ

ቤት ፍርዲ ይግባይ መሬትን ኣከባብን ሽወደን “ማርክ ኦክ ሚልዮ-ቨርዶም-ስቶለን” ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ብ ኡፕሳላ ቫተን ምዕዋቱ ተፈሊጡ። እቲ ክሲ ኬሚካላት ምፍሳስ ኬሚካላት PFAS ናብ ትሕተ-ምድራዊ ማይ ኡፕሳላ ይዘርቚ ምህላዉ ብምምላት እዩ ተመስሪቱ። እቲ ኣፍራዪ ማይ ልዕሊ 37 ሚልዮን ክሮና ካሕሳ ዝተዋህበ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ማይ ናብ ዝተሓተ ደረጃ PFAS ንምጽራይ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኬሚካላት PFAS …

Read More »

ሽወደን ንወጻእተኛታት ተመሃሮ ዝበለጸት ንምግባር ገለ ምምሕያሻት ክግበር እዩ

ሽወደን ንወጻእተኛታት ተማሃሮ ፒኤችዲን ተመራመርትን ዝያዳ ሰሓቢት ክትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ ዝብል እማመታት ንምቕራብ መንግስቲ ሽወደን ንሓደ መርመሪ ጒጅለ ፍሉይ ዕማም ሂብዎ። እቲ መርመራ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ቪዛ ተመሃሮ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምጥቃም ብኸመይ ደው ክብል ከምዝኽእል እውን ጠመተ ክህቦ እዩ። “ብዙሕ ምምሕያሻት ድሮ ይፍጸም ኣሎ። ንኹሉ ጸገማት ንምፍታሕ ድሉዋት ምዃንና ከነፍልጥ ንደሊ ኢና” ክብል ሚኒስተር ትምህርቲ ማትስ ፐርሰን ወሲኹ ገሊጹ።

Read More »

ደርፊ ABBA “ዋተርሉ” 50 ዓመታ መሊኣ

ህቡብ ጒጅለ ሙዚቃ “ኣባ” ኣብ 1974 ኣብ ዩሮቪዥን ዘዐወተቶም ዋተርሉ ዘርእስታ ደርፊ ብቕድሚ ትማል ትማሊ ሰንበት 50 ዓመታ መሊኣ። ድሕሪ ዓወቶም ኣብ ዝነበራ ዓመታት ዓቢ ኣህጉራዊ ተቐባልነት እኳ እንተረኸቡ፡ ሙዚቃ ኣባ ኣብ ሽወደን ከምቲ ናይ ደገ ዘይኮነ ዝተመቓቐለ ርእይቶታት እዩ ዘሎ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ክኢላታት ውሽጢ ዓዲ ን “ሸቐጣዊ” ባህሪ ናይተን ውሩያት ደርፍታቶም ይነቕፉ ኔሮም እዮም። “ኣባ ናይ ኲሉ ግጒይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com