Saturday , May 11 2024

ደንማርክ ክትኣቢ ኸላ፡ ኖርወይ ግን ብዙሓት ናይ ክዎታ ስደተኛታት ክትቅበል ኣሚማ ኣላ

ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ኖርወይ 3000 ናይ ክዎታ (ሓንቲ ሃገር ክትቅበሎ ዘለዋ ምዱብ ብዝሒ) ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ኣብቲ ሰኑይ ዚካየድ ንቀውዓዊ ባጀቱ ዝቐረበ እማመ እዩ። እዚ እማመዚ እንተ ደኣ ሓሊፉ፡ እታ ሃገር ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበራ ምቕባል ስደተኛታት ክብ ኪብል ኣዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ 2120 ዕቝበኛታት ጥራይ እያ ተቐቢላ ነይራ። እቲ ቅድሚ ዓመት ይገብር ዝነበረ ናይ ሆይረን ናይ …

Read More »

ገዲም ተጻዋትይ ጆን ቴሪ ካብ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ተፋንዩ።

ገዲም ሓለቃ ጋንታ ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝነበረ ጆን ቴሪ ዝሓለፍ ቀዳም ኣብ መበል 27 ዕድሚኡ ካብ ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ተፍንዩ። ጆን ቴሪ ካብ 1991 ሲጋብ  1995 ምስ ጋንታ ዌስት ሃም ድሕሪ ምጽዋት እዩ ኣብ 1995 ናብ ጋንታ መንእሰያት ክለብ ቸልሲ ዝተጸንበረ። ኣብዚ ምስ ክለብ ቸልሲ ስጋብ 2017 ዝጸንሓሊ እዋናት ስጋብ ሓለቃ እዛ ጋንታ ብሙኻን 717 ጸዋታታት ብምኽያድን ዓበይቲ ዓወታት …

Read More »

ኔይማር ካብ ጸቅጢ መሲ ናብ ጸቅጢ

ፈረንሳዊት ክለብ ፔኤስጂ ኣብ ታሪክ ሊግ-1 ፈረንሳ  9 ተከታታሊ  ዓወት ብምስዓርት ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣብ ኣብ ፈረንሳ ተስፍር። ብሰንበት ን ልዮን ዓዲማ ብገፊሕ 5-0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ውልዶ ተጻዋትይ እታ ጋንታ ዝኾነ ምባፐ 4 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ዝተረፈ ጎል ድማ ካብ ጸቅጢ መሲ ክናገፍ ተባሂሉ ካብ ክለብ ባርሶሎና ዝተሰጋገረ ዝንገረሉ ነይማር  ኣመዝጊቡዋ። በዚ መሰረት ክልቲኦም ተጻወቲ ንሊግ-1 ፈረንሳ ነፍሲ ወከፎም 8 ሸቶታት …

Read More »

ዘይብሩህ ሓድሽ ዝርርብ ብረክሲት

ነቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ (ሕ.ኤ) ምውጻእ ዚምልከት ኣብ መንጎ ዓባይ ብሪጣንያን ሕ.ኤ ኣብ ብሩክሰል ዚካየድ ዘተ ዝመልኦ ከቢድ ሰሙን ይመጽእ ኣሎ። ይኹንምበር፡ እቲ ዝርርብ ከም ምዕባዩ መጠን ብሩህ ግን ኣይኮነን። ብመሰረት ናይቲ ዘ ሳን ዚብሃል ብሪጣንያዊ መጽሄት፡ ብዛዕባ ናይ ብረክሲት ሚኒሰተር፡  ዶሚኒክ ራብ ጕዕዞ ዚምልከት ምንም ኣፍልጦ የልቦን። “ተረዛ መይ ነቲ ናይ ብረክሲት ዘተ ከም ብሓድሽ ትጎቶ …

Read More »

በቲ ኣብ ኡፕሳላ ዘጋጠመ ናይ ቤትትምህርቲ ባርዕ፡ ገለ ኣዋልድ ይጥርጠራ

ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ክልተ ኣዋልድ ነቲ ኣብ ኡፕሳላ ዚርከ ጎትሱድስኩላን ሓዊ ከም ዝረኩዓሉ ይጥርጠራ። እቲ ናይ ባርዕ ሓበሬታ ናይ ለይቲ ሰዓት 1 ኣከባቢ እዩ ተፈጺሙ፡ ዓቢ ክፋል ናይቲ ቤትትምህርቲ ድማ ዓንዩ። እቲ ኣብ ኩሉ ዝለሓዀ ባርዕ ከመይ ኢሉ ከም እተጀመረ ይምርመር ኣሎ። ክልተ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ኣዋልድ ተታሒዘን ኣሎዋ። ይኹንምበር ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ካልእ ኢድ ከም ዘይብሉ እዮም ዚኣምኑ። ማለት …

Read More »

ክልተ ኣመሪካውያን ብስነቍጠባ ናይ ኖበል ሽልማት ተማቒሎም

ኣብዚ ዓመትዚ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ሽልማት ኖበል ነቶም ናይ ዕቤት ተዮሪስት ዝኾኑ ዊልያም ኖርድሃውስ ካብ የይል ዩኒቨርሲትን፡ ፖል ሮመር ካብ ኒዩዮርክ ዩኒቨርሲቲ ቤትትምህርቲ ቢዚነስን ብሓደ ተዋሂቡዎም። ንሳቶም ነቲ ናይ ቁጠባ መሰረታዊ ናይ ምዕባለ ሕቶታት ብምምላሽ መዓጹ ከፊቶም ኪብል ናይ ሃገራዊ ቁጠባ ፕሮፈሶር ኣብ ስቶክህሎም ዩኒቨርሲቲ ቶሽቶን ፐሾን ገሊጹ። ግምገማ ፖሊሲ ክሊማ ብመሰረት ፐሾን፡ ክልቲኣቶም በቲ ናይ ምዕባለ ኣገባብ እዮም እተሸለሙ። …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ብቐዳምነት ብዛዕባ ፍልጠት ሽወደንን ህዝባን ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኤርትራውያን ከተለሊ ትኽእል ኢኻ፡፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ 1950ታት ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን ሽወደናውያን ዝተማህሩ  እዮም፡፡ እቶም ካልኦት ከኣ ኣብአን ዘይተማህሩ፡፡ ኣነ ንባዕለይ ካብቶም ኣብአን ዝተማህሩ እየ፡፡ ግና ኣብዚ ጽሑፍ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ጥራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክቐጽል እየ፡፡ ንሽወደን ብኣካልን በወረን እየ ዝፈልጣ፡፡ ወላዲተይ ኣብ ወንጌላዊ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ሽወደን …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን) ቁ. 4

ዝኸበርካ ኣቦይ፥ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ ናብ ካልእ ካምቢ ወሲዶምኒ። ግን ባላሶ እምበር ካምቢስ ኣይኮነን። እተን ናብኡ ዝወሰዳኒ፡ ናይቲ ሚግረሽን ሰራሕተኛታት እየን። ብእንግሊዝ እናተዛረባ ክሳዕቲ ካምቢ ምስ ወሰዳኒ፡ ብሓደ ዄንና ናብቲ ኣፓርትማ ደዪብና። ኣብ ኢደይ ባልጃይን ሓንቲ ጥቕልልቲ ፍርናሽን ነይራ። ኣብኡ ምስ ኣብጽሓኒ፡ ሓድሓደ ምኽርታትን ለበዋን ሂበን ገዲፈናኒ ተዓዚረን። ነቲ ክፍልታት በብሓደ እናኸፈትኩ እንተ ረኣኹ፡ ሰብ የብሉ ኦም የብሉ። ናበይ ደኣ …

Read More »

ሞሪኖ ኣብ ሓደጋ ምብራር

ኢንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይቲድ ምስ ኣስለጣኒኣ ሞሪኖ ተፋጢጣትሊ ኣብዘላ ኣዋን ሓለቃ እታ ጋንታኣ ኣንተንዮ ቫለንሽያ ንምስጋግ ሞሪኖ ዘራጉድ ኣብ ኢንስቶግራም ደገፉ ብምሃቡ መዛረቢ ማእከናት ዜና ኮይኑ። ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ ብእተመዝግቦ ዘላ ትሑት ውጺኢት ን መሪኖ ከተባርሮ ኣንቂዳ ዘላ እዛ ጋንታ። ሓያለ ደገፍታ ውን ንምብራር መሪኖ ኣብ ልዕሊ ጋንቶም ጸቅጢ ብምግባርን ኣብ መራከቢ ቡዙሃን ብምጽሓፍን ብእዋኑ ክፋኖ ኣብዝጠልብሉ ዘለው እዋን …

Read More »

ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብናይ ጾታ ዓመጽ ይኽሰስ

ኣብልዕሊ ናይ ዓለምና ኮኾብ ተጻዋትይ ኩዑሶ እግሪ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዝውርድ ዘሎ ናይ ጾታ ዓመጽ ክሲ ንቡዝሓት መዎልቱ ዝኮና ትካላት  ከተሓሳስበን ጀሚሩ። ከምዝፍለጥ  ኣመሪካዊ ከትራን ማዮርጋ  ብ Me too ዝፍለጥ ጎስጋስ ተሓጊዛ ክርስትያኖ ኣብ ላስ ቬጋስ (ኣሜሪካ) ኣብ ፓልማስ ዝተባህለ ሆተል ኣብ ልዕሊኣ ብሓይሊ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸመን  ነቲ ኩነታት ንከይዛረብ ብዝተውህበቶ 375000 ዶላር ናብ ፖሊስ ከይትከስስ ከምዝተገብረ ብምባል እያ ዳግማይ ናይ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com