Friday , April 26 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ምቅጻል ቊርኣን ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑ ሰደድ ሽወደን እገዳ ክግበር ጻውዒት ተጌሩ።

ሓደ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ትካል ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕሑ ሰደድ ሽወደን እገዳ ክግበር ጸዊዑ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ ዝተገብረ ምቅጻል ቊርኣን፡ ስዒቡ ዝመጸ ግብረመልሲ እዩ። ብዘይካዚ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ነቲ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ሰልፊ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣቕሑ ሆላንድ እገዳ ክግበረሎም ጻውዒት ጌሩ’ሎ። እቲ ትካል “መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻል ን ኣመንቲ ምስልምና ዘቖጥዕ ተግባር እዩ” ምባሉ …

Read More »

ኲነታት ስራሕ ምምሕያሽ ዝግባእ ቀዳምነት ኣይተዋህቦን ተባሂሉ።

ብዙሓት ሰራሕተኛታት ን ምፍርራህን ጎነን ይቃልዑ ምህላዎም፡  እንተኾነ ግና ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ነዚ ንምውጋድ እኹል ስራሕ ከም ዘይዓመማ “በዓልመዚ ኲነታት ስራሕ” ገሊጹ። 77% ኣስራሕቲ  ነዚ ጒዳይ ክግምግምዎ ዘተሓሳስብ ጻውዒት ከም እተገብረሎም፡ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ምምሕያሽ ኲነታት ስራሕ ክንድቲ ዝግባእ ቀዳምነት ኣይተዋህቦን ክትብል መርማሪት ኤቫ ካርስተን ኣተሓሳሲባ’ላ።

Read More »

ክፍሊት ሕውየት ጸዓት ዝፍጸመሉ መዓልቲ ተወሲኑ።

ካብ ለካቲት 20 ንደሓር፡ ን ስድራቤታት ደቡባዊ ሽወደን ፈላማይ ክፍሊት ሕውየት ጸዓት ኤለትሪክ ክትግበር እዩ ክብል፡ “ኤጀንሲ ማሕበራዊ ድሕነት” ትማሊ ረቡዕ ገሊጹ። እዚ በዓልመዚ፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ክፍሊት ሒደት መዓልታት ዝወስድ ምዃኑ፡ እንተኾነ ግና እዚ ከይደናጐ መታን ዝምልከቶም ሰባት ሕሳብ ባንኮም ከመዝግቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ዝርዝር ሕሳብ ባንኮም እንተደንጎዩ ክሳብ ለካቲት 13 ናብ “ስዊድባንክ” ከረክቡ ኸኣ ጸዊዑ’ሎ።

Read More »

ሽወደን፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስጓጒ ዝተነጽጉ ሰባት ከተግበራ ትድሊ።

ሽወደን ኣኼባ ሚኒስተራት ፍትሒን ውሽጣዊ ጒዳያትን ከተአንግድ እያ። ሽወደን ከም መጠን ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳ እያ ነዚ ኣኼባ ተካይድ ዘላ። ናብ ጠረጴዛ ካብ ዝቐርቡ ዛዕባታት፡ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክስጐጒ ምስግዳድ ዝብል ክኸውን እዩ። እንተኾነ ግና፡ ገለ ሃገራት ዝስጉስጒ ዜጋታተን ምቕባል ስለ ዝኣብያ፡ ነዚ ምትግባር ሓደ ሓደ እዋን ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ስቶክሆልም፡ ጠንቂ ምልውዋጥ ተዂሲን ምፍንጃርን ተፈሊጡ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝረአ ዘሎ ምልውዋጥ ተዂሲን ምፍንጃራትን፡ ኣብ መንጎ ክልተ ጒጅለታት ገበን ብዝካየድ ዘሎ ውድድር ዕዳጋ ዝመጸ ምዃኑ ተገሊጹ። እዘን ክልተ ጒጅለታት ገበን ብምኽንያት ውድድር ዕዳጋ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ግርጭት ምእታወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። እንተኾነ ግና፡ መራሕቲ እዘን ክልተ ጒጅለታት ገበን ስግር ባሕሪ ዝሰረቶም ኮይኖም፡ ሓደ ካብኦምኣብ ቀረባ እዋን ዜግነት ቱርክ ምርካቡ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ብምኽንያት ምዝሕታል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ቱርክን ሽወደንን ፖሊስ …

Read More »

ጀርመን “ሊዮፓርድ 2” ዝተባህላ ታንክታት ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ እያ።

ጀርመን ናብ ዩክሬይን “ሊዮፓርድ 2” ዝተባህላ ታንክ ክትልእኽ ምዃና፡ ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ገሊጹ። እዚ ሓገዝ ጀርመን ነታ ሃገር ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ፡ ካልኦት ሃገራት ከኣ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ንኽወስዳ ንምድራኽ ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። “ሊዮፓርድ 2” ስርሓት ጀርመን ዝኾና ታንክታት እየን። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ከይዓርግ ብዝብል ስግኣት፡ ጀርመን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓዳ ዝፈረየ ኣጽዋር ናብ ዩክሬይን ክትልኽ …

Read More »

ዔርዶጋን–“ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ደገፍ ኣይክንህብን ኢና”።

ቱርክ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትድግፍ እያ ዝብል ትጽቢት ብወገን ሽወደን ክህሉ ከም ዘይግባእ ዔርዶጋን ገሊጹ። ንሱ ትማል ብቕድሚ ምሸት ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ፡ ድሕሪ እተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን እዩ።  ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ነዚ ኣዘራራቢ ሰልፊ ከም ዝመርሖ ዝፍለጥ እዩ። ፊንላንድን ሽወደንን ብሓባር ኣባላት ኔቶ ንምዃን ሕቶ ምእታወን ዝዝከር እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ …

Read More »

ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ዘለዎ ኣምነት እናንቈልቈለ መጺኡ።

ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ዘለዎ ኣምነት እናንቈልቈለ ምምጽኡ ተገሊጹ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሓ ጥሪ ዳህሳስ ዘካየደ ትካል “ፖልስተርስ ኖቩስ” እዩ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝጸንሖ እምንት ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣትሒዙ እናንቈልቈለ ክመጽእ ጸኒሑ’ሎ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ፡ 23% ዜጋታት ጥራይ ኣብ መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፈ ዳህሳስ እንክወዳደር ብ 11% ምንካይ ኣርእዩ’ሎ። ኣብ ሚኒስተራት ዘሎ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ን ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቱ ኣህጒራዊ ወፍሪ ሓበሬታ ከካይድ እዩ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ን ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቱ ኣህጒራዊ ወፍሪ ሓበሬታ ከካይድ እዩ። ዕላማ እዚ ወፍሪ፡ ናብ ሽወደን ዝህሉ ስደት ንምንካይ እዩ–ክትብል ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስተነርግራድ ገሊጻ’ላ። እዚ ወፍሪ፡ መንግስቲ ብዛዕባ ዝገብሮ ለውጢ ፖሊሲ ስደተኛታት ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ሓበሬታ ናብ ውድባት ዜና ወጻኢን ካልኦትን ክዝርጋሕ እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን። ኤምባሲታት ሽወደን ኣብዚ ወፍሪ ክሳተፍ እየን።

Read More »

ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ሕርሻ ወይኒ ሽወደን እወታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ሕርሻ ወይኒ ሽወደን እወታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ካብ “ዩኒቨርሲቲ ሕርሻዊ ስነ-ፍልጠት” ዝኾነት ኣና ማርቴሰን፡ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ሕርሻ ወይኒ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ኣሉታዊ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘይብላ፡ እንተኾነ ግና ሰበባ ንምክልኻል ኣብ ጠቕሚ ዝውዕል “ኮፐር ሳፌይት” ሕጂ’ውን ሓደ ብድሆ ምዃኑ ገሊጻ’ላ።  “ህሉው ክሊማዊ ለውጢ፡ ን ሽወደን ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ ካብተን ዝበለጻ መፍረይቲ ወይኒ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com