Sunday , April 28 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓቐኛ ዛንታ፣ከይደቀስኩ ዝሓለምክዎ ባህጊ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምቐዳማይ ክፋል እቲ ፍጻመ ልክዕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዋኑ ሄለን ኣብ ታኼላ ሓጐስ ተሸሚማ ንዓለም ኣይትጽረኒ ዝበለትሉ እዋን’ዩ። ኣብ እዋን ለይቲ ወትሩ እትሓልሞ፡ ብቐትሩ ድማ እትብህጐ ናይ ወትሩ ባህጋ፡ እዋኑ ኣኺሉ ናብ ናይ መዛዘሚ ፍጻመ እናተቓረበ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ከም’ታ ወርሒ እቲኣ ገይራ ብሓጎስ ዘሕለፈቶ ግዜ ውሑድ’ዩ። እቲ ዘይጭበጥ ዝመስላ ዝነበረ ባህጊ ክትውንኖ ብምቕራባ።ነቲ ናይ ሓጐስ ፍጻመ ኣብ ሎሚ ኮይና …

Read More »

ገለ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ጥልመት

“ሰብ መወዳእታኡ ንገዛእ ሕልናኡ እዩ ዝጠልም”ዮሴፍ ኮንራድ ክሕደት ንኽህሉ ኣቐዲሙ ዝተነብረ እምነት ክህሉ ግድነት እዩ። ሓደ ሰብ ንብጻዩ፥ ስድራኡ፡ ሕብረተሰቡ ወይ ኣሚኑ ጠሊሙ ክበሃል እንተኾይኑ ንነፍሲ-ወከፍ እዞም ዝተዘርዘሩ ባእታታት ገለ ግዴታ ከም ዘለዎ እንተስ ዝተጻሕፈ ያታዊ ወይ ብሕልና ዝተነብረ ውዕል ክህሉ ኣለዎ። ብጻይነት፥ ሓዳርን ዜግነትን ረዚን ትርጒም ከም ዝህልዎም ዝገብር ብመሰረቱ እዚ ብሕልና ዝኽተም ውዕል (ኪዳን) እዩ።እቲ ብጥልመት ዝፈርስ ‘ኪዳን’ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ክዉንነትን ጽላሎቱን (Reality and its shadow)

ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ መጀመርያ ኣብዚ ዓለም ምስ ተቐልቀለ፡ ሃዳናይን ኣካባይ ቋርፍን እዩ ነይሩ (hunter gatherer)። ኣብ ምህዳን፡ ሰለስተ ነገራት እዮም ዚዋስኡ፤ እቲ ሃዳናይ፡ እቲ ዝህደን፡ እቲ ንምህዳን ዘገልግል መሳርያ። ሃዳናይ ኲናቱ ሒዙ ናብ መሮር ይጓዓዝ። ኣብኡ ድማ ርሕቕ ኢሉ ሳዕሩ ዚግህጽ ዓጋዜን ይርኢ። ኲናቱ ይውርውረሉ። ኵናት ኣብ ከብዲ ዓጋዜን ይኣቱ። ዓጋዜን ይመውት። ሃዳናይ ድማ ድራሩ ተሰኪሙ ንበዓቱ ይኣቱ። ንሱን ደቁን …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ግዜ ምስ ሓለፈ!

ጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል “ዳዊት’ከ መን’ዩ?” ኣብ ዕላልና ዘይነበረ ሰብ ምጥቓሱ ሃንደበት ኮነኒ። “ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘዕለልኩኻ፣ ኣብ’ቲ ፈለማ ዘዝሰራሕክዎ ንኣደይ’የ ዘረክባ ነይረ፣ ድሓር ግና ልክዕ ከማይ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝሽቕጥ ንዓይ ብኸባቢ ሰለስተ ዓመት ዝዓብየኒ ዳዊት ዝብሃል ሰብ ይላለየልካ፣ ኣይትኣምነንን ትኸውን እቲ ወዲ ሓንሳብ ልግብ ምስ በለኒ ልክዕ ከም ማስትሺ’ዪ ለጊቡኒ፣ ዘዝሸቐጥክዎ ድማ ምስኡ ኮይነ፣ ኮካ ኮላ ፓኒኖ ጹማቕ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics: 3 end)

ኣማኑኤል ሳህለ 3ይ ክፋልን መወዳእታን ብዘይካ ኣብ ውሑድ ኣጋጣምታት፡ ኣብተን ዝሓለፋ ዘመናት እተፈጥሩ መራሕቲ መውጻእቲ ሓራ መብዛሕትኦም ካብ ንኡስ ቡርዥዋ ወይ ማእከላይ ቍጠባዊ መደብ እተዋጽኡ እዮም። ሓረስታይ ወይ ዓዃይ ለውጢ ኣይደልን እዩ፡ ካብ ለውጥ ’ውን ብዙሕ ኣይጽበን። ምስ መሬቱን ኣምላኹን እዩ ዚጽጋዕ። እንተ ኸፍኦ ድማ ይምህለል ወይ ይስደድ። እቲ ህይወቱን ዕድሉን ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኩነታት ሃገር ዝተኣሳሰርን ነቲ ምንቅስቓስ ዚመርሕን …

Read More »

ሓቀኛ ዛንታ፣ግዜ ምስ ሓለፈ

ጸጋብርሃን ጎይትኦምቐዳማይ ክፋል“ኣብ ዓለም ብስራሕ ዝርከብ ክብሪ’ዩ ሰብ ዝገብረካ፣ ኪኖ እቲ ብሕብረተሰብ ክብሪ ዝህበካ መንገዲ ምኻድ ግና መወዳእትኡ ከም’ዚ ናተይ’ዩ…” ርእሱ እናሓኸኸ ንኽብሪ ስራሕ ከብርሃለይ ፈተነ። ኣብ ዓለም ብዘይ ስራሕ ክብሪ ከም ዘይርከብ ሽዑ እዋን ዝተሰዎጦ ይመስል። ‘ነታ ስራሕ’ዩ ክብሪ’ እትብል ልምድቲ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ድማ ካብ መፈለምትኡ ደጋጊሙ ኣድመጻ።  ኣብ ሓደ መዛናግዒ ማእከል ኢና ብወዝቢ ተራኺብና፣ ኣነ ምስ ስነ ጥበበኛ ኣቢብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics: 2)

ኣማኑኤል ሳህለ 2ይ ክፋል መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ጌና ካብቲ ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዝወጻ ኣይመስላን። ዳርጋ 60 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ኣተሓሳስባን ዝንባለን ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ። ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ሻድሻይን መወዳእታን ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ምስ ዳዊት ከ ተፈላሊኹም ዶ?” ናብ ዳዊት ኣስገርኩዋ።“ልዕለይ ዳዊት’ዩ ተጨኒቑ። እዚ ሕማም ብኸመይ መጺኡኪ እናበለ ስለ ዘጨነቐኒ ክርሕቆ’የ ወሲነ….”“እሞ ተፈላሊኹም?”“ከመይ ገይርና ክንፈላለ! ክልቴና ምኽኣል ስኢንና ሳዕሪ ኢና ጸሪና። ኣብ መወዳእታ ዘሕፍር ተግባረይ ከይተሰከፍኩነጊረዮ።”“እንታይ ደኣ ኢሉ?” ግብረ-መልሲ ዳዊት ክፈልጥ ደለኹ።“ናይ ዳዊት መልሲ’ሞ ዘሰብድ እዩ—” ነቲ ኣሰንባዲ ናይ መወዳእታ ዛንትኣ ክትጸውየኒ ጀመረት፡ እናሓደረ ዝገርም ዛንታ።“ስቕ! በቃ ስቕ! ተዓኒዱ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም:ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics)

ኣማኑኤል ሳህለ ቀዳማይ ክፋል ፖለቲካ ካብቲ ኣብ ምቍጽጻር ህዝቢ-ከተማ ወይ ኣብ ከተማ (polites, polis) ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት መንግስታዊ ምምሕዳር ዝመንጨወ ቃል እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ቀዳሞት ተሳተፍቱ ድማ፡ ሓፋሽ ናይ ከተማ ህዝብን (ባሮትን ናጻ ዝኾኑን) ከም ተገዛእቲ፣ መራሕቲ ውግእን፡ ካህናትን፡ ሰብ ሃብትን ድማ ከም ገዛእቲ እዮም ነይሮም። ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ፡ ሕርሻ ምስ ኣተኣታተወን፡ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥ ምስ ከኣለን …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com