Monday , April 29 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ዓለም፣ሳየንስ፥ ኪነዓቕ ዘይብሉ መገዲ ሓቂ

ኣማኑኤል ሳህለሳየንስ ማለት ብስነሞገትን ብትዕዝብትን ብተመክሮን ብምምዛንን ብምዕቃንን ዚካየድ ናብ ሓቅነት ዚመርሕ መገዲ እዩ። ናብቲ ሓቂ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ሕልምን ዘይጭቡጥ ነገራትን ኣይኣምንን ኣይምርኮስን እዩ። ንኹሉ ነገራት ምኽንያት ወይ ጠንቂ ይደልየሉ።ሳየንስ ኣብ ተባዕን ደፋርን ኣእምሮ ይምዕብል: ነቲ ሰብ ብያታን ብወግዕን ዚኣምነሉን ዚምክሓሉን ፍልጠጥን መትከላትን ዶግማታትን ድማ ኣብ ሕቶ ከእቱዎን ኪሰብሮን ከምክኖን ዋጋ ዘይብሉ ገይሩ ከትርፎን ድሕር ኣይብልን።መብዛሕትኡ ኣብ ሳየንስ ዘይኣምን …

Read More »

ምሕሳው

”ሓሶት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ተራ ምሓዙ ዘርእዮ ነገር እንተሎ ኣገባብ ህይወትና ኣዝዩ ሓሚቑ ምህላዉ እዩ“   ፍሬድሪች ኒቸ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካን ምሕደራን ሓቂ ተቘንጥራ እያ ትዕደል። ብፍላይ ኣብ ዘመንና ክልቲኡ ብዘይ ምሕሳው ክሳኻዕ ዝኽእል ክሳብ ዘይመስል ሓቂ ተጀሊሓ ኢና ንረኽባ። ኣብ ማሕበራዊ መስተጋብርና እውን ገለ ነገራት ደይ መደይ ተባሂሉ ከይግለጽ ፡ ክሽምረር ወይ ውን ብውጹእ ሓሶት ካብ ዕዳጋ ዕላል ከም …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ራብዓይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ። ምስ ዳዊት ንሕጸ ምስ ተቛጸርና፡ ክዳን ክንዕቀን ምስ ሓፍቱ እናኸድና ከለና ኢና ጉድ ዳዊት ዝኽሻሕ ዘሎ፡” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ዝን በለት። “ሓፍቱ ሃንደበት ብገርሃ’ያ ነጊራትኒ። ድቦላ’ዩ ነይሩ፡ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምዃኑ ሃንደበት ኣርዲኣትኒ።” “እንታይ ደኣ በልኪ?” ዝፈጥረላ ስንባደ ካብ ኣጠማምታኣ ክርዳኣ ግዜ ኣይወሰደለይን። ካልእ ጸገም ኣብ ርእሲ’ውን ተደረበ፡ ሓደ ካልእ ዓቢ ጸገም …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ቋንቋን ዘረባን (language and speech)

ኣማኑኤል ሳህለ ቋንቋ ኪብሃል ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ሜላ እዩ። እዚ ድማ ብምንቅስቓስ ኢድን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን፡ ብመልክዕ ስእልን፡ ብሽታን፡ ብሓጸርቲ ድምጽታትን፡ ካብ ኣፍ ካብ ዚወጽእን ኣገባብ እተኸተለን ድምጺ (ዘረባ) ወዘተ ይትግበር። ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን ናይ ቋንቋ ዝለዓለ ደረጃ ኾይኑ ኣብ ወድሰብ ጥራይ ዚርከብ ብናውቲ ኣፍን በቲ ዚቆጻጸሮክፍሊ ሓንጎልን ዚኽሰት ድምጻዊ ተርእዮ እዩ። ወዲሰብ በቲ ካብ ጎረሮ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ሳልሳይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ገለ ዝቐርበን ዝነበርኩ መሓዙት፡ ዓርኪ ወይ ኣፍቃሪ ክሕዛ ከለዋ፡ ንዓይ ከም ዘይምልከተኒ እናወሰድኩዎ’የ ዝጓዓዝ ነይረ። ኣብ ጠባይ ይኹን ኣብ ትምህርተይ ኣበሳ ከይተረኽበኒ’የ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዛዚመ። ኣብ መበል ዒስራ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ዝወረድኩ። ኣብ’ዚ ዓመት ሓደ ኣብ ገዛና ተሪፉ ዝነበረ ሓወይ፡ ኣሰር እቲ ዓቢ ሓወይ ብምስዓብ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ። ገዛና ድማ ሓንቲ ንዓይ …

Read More »

ኣፍኣውን ኣካላውን ዘረባ (body language)

ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ሰብ ኪዛረበና ከሎ ወይ ምስኡ ከነውግዕ ከሎና፡ ስለምንታይ ኢና ገጹ ክንሪኦ እንደሊ? ነቲ ብደገ ኮይኑ ኪዛረበና ዚደሊ ሰብ እውን፡ እቶ ኢና እንብሎ። ከምዚ መግበሪና ምኽንያት፡ ነቲ ዘረባ ካብቲ ኣፉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ገጹን ነቲ ኣካላቱን ብምዕዛብ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ሓበሬታ ክንግምግሞ ስለ እንደሊ እዩ። ሓደ ህጻን ንኣዲኡ ገለ ሃብኒ ኢሉ ምስ ዚሓታ፡ ንሳ ኸኣ ከም ዘይትህቦ ምስ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዕድል ድዩ?

ካልኣይ ክፋልብጸጋርሃን ጎይትኦም “እወ፡ እንታይ ድየ ከተማኽረኒ ደልየ መስለካ። ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ሓደ ራኢ ሒዘ’የ ዝጉዓዝ ነይረ። ብሕንቃቐ ዓብየ። ከም ኣተዓባብያ ድማ ኣብ ህይወተይ ምልእቲ እምበር ጎዶሎ ከይከውን ማራ’የ ዝጥንቀቕ። ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዕላል ብምጅማር ተርብዓቶ።“ንስድራይ ንምሕጓስ ዘይገብሮ ነገር የብለይን። ኣቦይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ ጸገሙ ጸገም ክኾኖ ድልየት የብለይን፡” ብዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ግር ከም …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ካልኣይ ክፋልን መወዳእታንኣማኑኤል ሳህለ ኣንፈታውን ቦታውን ምስትውዓል (spatial intelligence) ገለ ሰብ ኣሎ ኣብ ሓደ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ንኹሉ ናይታ ከተማ ሸነኻትን መውጽእን መእተውን ዕዳጋኡን ቤተክርስትያኑን መስጊዱን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘቐምጦ፡ ካብ ገዝኡ ወጺኡውን ንኺምለስ ኣይደናገርን። ገለ ድማ ኣሎ፡ ኣብ ሓደ ከተማ ዓመት ተቐሚጡ፡ እቲ ቀንዲ ጎደና ወይ እቲ ስታድዩም በየን ከም ዘሎ ዘይፈልጥ።ከምቲ ሓደ ብጻይና …

Read More »

ዕድል ድዩ? ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦምከምዛ ዛንታ ገይሩ ዘደንገጸንን ዝደንጸወንን የለን፡ ህይወት ፈተና እያ፡ ነዛ ሓፍትና ዘጋጠማ መሰናኽል ህይወት ድማ፡ ዘገርምን ዘሰንበድን እዩ፡ ብዓቢኡ ድማ መሃሪ ዛንታ እዩ ዘለዋ፡ ሃንደበት ኣብ ሞባይለይ ብምድዋል እያ ብቖጸራ ረኺባ ዛንትኣ ኣዕሊላትኒ፡ ዘንብዕ ታሪኽ እዩ ዘለዋ፡ ካብ ፈለማ ክትሰምዖ ዘደንጹ ዛንታ።ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እያ፡ ናብ ተንቓሳቓሲ ቴለፎነይ ደዊላ ረኺባትኒ፡ እታ ገርሂ ጓል ሄዋን—“ሰላም ከመይ ውዒልካ?” ቅጥን ዝበለ ድምጺ …

Read More »

ዓይነታት ምስትውዓል (types of intelligence)

ኣማኑኤል ሳህለ ገለ ሰብ ኣሎ ብዶክቶረይት ዲግሪ ተመሪቑ፡ ፕሮፈሰር ዚብል መዓርግ ለቢሱ ከብቅዕ፡ ክዛረብ ክትስምዖ ከሎኻ፡ እምበርዶ ተማሂሩ እዩ ትብል። ኣቦታትናኮ ካብ ምህሮ ኣእምሮ ኢሎምዎ እዮም። ከምቲ ሓደ ኣብ 1920ታት ኣብ ሃገር ጣልያን ኪምሃር ምስ ተላእከ፡ ትምህርቱ’ውን ምስ ወደአ፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ንኣቦኡ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ ዝበሎ እዩ፥ “ኣቦ! እዛ ወርሒ ሚላኖስ ልክዕ ነታ ወርሒ ዓድና እያ እትመስል……”። ክልቲአተን ቆሎ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com