Sunday , May 5 2024

ጥዕና

ልዕሊ 900 ሕሙማት ናይ ኮቪድ ኣብ ሆስፒታላት ይርከቡ

ኣብ ሆስፒታላት፡ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ብጽኑዕ ናይ ዝሓመሙ ቁጽሪ ሕሙማት ኣዝዩ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልዕሊ 900 ዝኾኑ ብኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ከምዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ሓደ ብሓሙስ ዝወጸ ናይ ስታቲስቲክስ ጸብጻብ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣስታት 930 ሕሙማት ናይ ኮቪድ ኣብ ሆስፒታላት ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎም ዝተሓበረ ኮይኑ እዚ ድማ፡ ካብቲ ብሮቡዕ ተመዝጊቡ ዝነበረ ብ100 ዝዛየደ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።  እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ …

Read More »

ህንዲ … 13 ኣጋይሽ ካብ መወሸቢ ቦታ ሃዲሞም

ካብ ኢጣልያ ናብ ህንዳዊት ከተማ ኣምሪስታር ዝኣተዉን ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ደሞም ከም ዘለዎም እተፈልጡን 13 ሰባት ከይውሸቡ ብምባል ምህዳሞም ተፈሊጡ። ኣብታ ካብ ሚላኖ ናብ ህንዲ 125 ተጓዕዝቲ ሒዛ ዝኣተወት ነፋሪት ዝመጹ ኣጋይሽ፡ እቶም 9፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምልጡ እንከለዉ እቶም ኣርባዕተ ድማ ካብ ሆስፒታል እዮም ተሰዊሮም ክብል በዓልመዚ እታ ከተማ ንBBC ሓቢሩ’ሎ። ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት ክሲ ክኸፍቱ ምዃኖም …

Read More »

ማእከል ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ዕጽዋ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ይብል

ቫይረስ ኮሮና እንከላኸለሉ ዝበለጸ መንገዲ ዕጽዋ ኣይኮነን ክብል ማእከል ምቊጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ (Africa CDC) ገሊጹ። ቊጽሪ ለበዳ ንምንካይ መንግስታት ህዝባዊ ጥዕናን ማሕበራዊ ስጒምቲታትን ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ እውን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ። ብዘይካዚ ክትባት ሓደ ካብዞም ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኖም እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣመልኪቱ። ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ፡ ኦሚክሮን ዝተባህለ ሓድሽ ጅር ኮሮና እዩ …

Read More »

ዴንማርክ፡ 28,000 ሓድሽ ቁጽሪ መልከፍቲ ተመዝጊቡ

ሃገረ ዴንማርክ: እዚ ለበዳ ካብ ዝተኣታቶ ንንጀው: ኣብ መዓልቲ 28,283 ዝኸውን ሓደሽቲ ሕሙማት – እቲ ዝዓበየ ቑጽሪ መልከፍቲ – ከም ዘመዝገበት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ መዝገብ መልከፍቲ ኮቪድ: ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 230,000 መርመራታት ናይ PCR (PCR tests) ብዝተገብረ መሰረት ዝተረኽበ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ማለት ካብዞም ዝተመርመሩ እቶም ካብ 12% ቁሩብ ዝዛይድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት …

Read More »

ኣብ ቤት መስተታት: ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሕተት ምዃኑ ተፈሊጡ

መንግስቲ ሽወደን: ኣብ ቤት መግቢታትን ድኳናትን ናይ ክታበት ፓስፖርት ምሕታት ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ። በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣድላይነት ናይዚ ረቛሒ ብዝምልከት ሕጂ ክውስን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ከም Aftonbladet & DN  እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ንምትእትታው ናይዚ ተገሊጹ ዘሎ ረቛሒ ብዝምልከት ንበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከሕልፍ ከሎ ካብዚ ዝሰፍሐ ትርጉም ክህልዎ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እቲ …

Read More »

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ንኹሎም ተመሃሮ ምምርማር “ውጺታዊ ኣይኮነን” ይብል

ናይ ኖርወይ ተመሃሮ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ነቲ መልከፈቲ ንምዕጋት ንኽሕግዝ ተባሂሉ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኽግበረሎም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ተመሳሳሊ ጅምላዊ መርመራ ንኽግበር ምክሪ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ኖርወይ ዳይረክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (Director of Infectious Diseases) ዝኾነ ፍሮደ ፎርላንድ: ኣብ ቀረባ እዋን ን SVT ኒውስ ከምዝሓበሮ፡ ኩሎም ዕድሚኦም ንትመህርቲ ዝበጽሑ …

Read More »

ኣውስትራልያ: ንቪዛ ኮኾብ ተጻዋታይ ቴኒስ ሰሪዛ

ኮኾብ ሰርብያዊ ተጻዋያት ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ናብ ከተማ መልበርን (ኣውስትራልያ) ድሕሪ ምእታዉ ቪዛኡ ክስረዝ ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ንሱ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ: ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት: ዘድሊ ናይ መእተዊ ረቛሒታት ስለ ዘየማልአ ክስጐጒ ወሲኖም ኣለዉ። ድሕሪዚ ጆኮቪች: ናብ ሓደ መንግስታዊ መሐየሪ ሆቴል ከም እተወስደን ጠበቓታቱ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎምን ተፈሊጡ። ጆኮቪች: …

Read More »

ደልሂ፥ ብሰንኪ ብርቱዕ ለበዳ: ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ

ህንዲ: ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19: ተአንግድ ኣብ ዘላትሉ እዋን: ከምኒ ደልሂ ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር: ብሓደስቲ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐ ምህላወን ይገለጽ ኣሎ። ብሰሉስ ጥራይ: 37,379 ሓደስቲ ልኹፋት ኮቪድ-19 ከም እተረኽቡ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ: እዚ ድማ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ ሳምንታት ዝረአ ዝነበረ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እዚ ምውሳኽ ሕሙማት ብሰንኪ እቲ ኦሚክሮን ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ይኽሰት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ሓደ ሲሶ ካብዞም …

Read More »

ፈረንሳ፥ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ዜጋታት ጸቕጢ ትገብር

ኣብ ልዕሊ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይወሰዱ ሰባት ጸቕጢ ክግበር ምዃኑ ፕረሲደንት ፈረንሳ: ኢማኑኤል ማክሮን: ኣጠንቂቑ። ክሳብ ደኺሞም ክታበት ምውሳድ ዝጅምሩ እዚ ጸቕጢ ክንቅጽሎ ኢና ክብል እቲ ፕረሲደንት ምስ ላ ፓሪዝየ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ነዚ ዝበለ ብዛዕባ ኮቪድ ዝወጸ ኣዋጅ: ብሰንኪ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ: ናብ ትግባረ ከይኣቱ ድሕሪ ምጒታቱ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ካብ ሓደ …

Read More »

Harmony Media News 05/01/2022

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com