Monday , April 29 2024

ባህሊ

ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ጄምስ ለቫይን ዓሪፉ

ምስ ሜትሮፖሊታን ኦፔራ ኒው ዮርክ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ኣዝዩ ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ዓለምና ጄምስ ሌቫይን ኣብ መበል 77 ዓመቱ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሪፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ጾታዊ ምድፋር ብዝተኣሳሰሩ ክሲታት ካብ ሞያኡ ተፈናቒሉ ምጽንሑ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ’ላ። እዚ ብብንጫር ጸጒሩን ከበብቲ መነጽሩን ዝልለ ኮንዳክተር ሙዚቃ ብፍላይ ብሙዚቀኛታት ሜት ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ይፍለጥ። ድሕሪ ሊዮናርድ በርንስቲን እቲ ኣዝዩ ፍቱው ኮንዳክተር ምዃኑ ዝነገረሉ …

Read More »

ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኩለን ሃገራት ዓለም ትበጽሐን

ሌክሲ ኣልፎርድ ኲለን ሃገራት ዓለም ከተባጽሕ እንከላ ጓል 21 ዓመት እያ ኔራ። ሕጂ ድሕሪ ዓመት “ሌክሲ ሊሚትለስ” ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መድረኽ ብምፍጣር ብ ኢንስታግራም፥ ዩቱብን ናይ ባዕላ መርበብ ሓበሬታን ኣቢላ ክጐዓዙ ንዝደልዩ ሰባት ኣብ ምብርታዕ ትርከብ። ንመላእ ዓለም ዘባጽሐት ዝነኣሰት ሰብ ዝብል ክብረ ወሰን ዝሓዘት ሌክሲ ኣብ ካሊፎርኒያ እያ ተወሊዳ። ንሳ ንካሊፎርኒያ ብብዝሑነት ዝሃብተመት ሃገር ብምባል እያ ትገልጻ። ሕጂ ኣብታ …

Read More »

መንእሰያት ኢማራት: ብናይ ሰብዓታት ሙዚቃ: ፍቕሪ ይተሓዙ

መንእሰያት ኢማራት ብፍቕሪ ሙዚቃ 70ታት ብፍላይ Rasputin ዘርእስታ ደርፊ Bonny M ተታሒዞም ኣለዉ ክብል ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ። ኣብ ዱባይ እትቕመጥ 22 ዝዕድሜኣ ሚካይላ ቼቲ “ኣነን ኣሕዋተይን ሙዚቃታት 70ታት 80ታትን 90ታት ምሒር ኢና ንፈቱ። እዚ ምናልባት ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ” ትብል። ብፍላይ ደርፊታት ብርያን ኣዳምስ፥ ኤልቪስ ፕሬስሊ፥ ዶሊ ፓርተንን ቦን ጆቪን ኣዝዮም ፍቱዋት እዮም ትብል። ወደይ ናይ ቦኒ ኤም …

Read More »

ኣሚታብ ባቻን: ብዕቀባ ፊልም ኣቓልቦ ይስሕብ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ተዋሳኣይ ኣሚታብ ባቻን 60 ዝኾና ፊልምታት ውሑስ ኲነታት ኣየር ምዕቃቡ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ምዕራብ ከተማ ሙምባይ ኣብ ዝርከብ ቤቱ ዓቂብዎም ዝነበሩ ፊልምታት ትካል ዕቀባ ፊልም እታ ሃገር ኣረኪቡ’ሎ። ንብዙሕ ዓመታት ድማ ፊልምታት ህንዲ ብውሑስ ኣገብባ ተዓቂቦም ንወለዶታት ንኽሰጋገሩ ብውልቁ ጻዕርታት ክገብር ምጽንሑ ተገሊጹ። ንሱ ኣብ ቦኽሪ ዓመታት ቦሊዉድ ዝፈረዩ ፊልምታት ሰኣን ዕቀባ ምጥፍኦም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምግላጹ ዝዝከር …

Read More »

ኣብ ከባቢ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ብኺሎታት ዝምዘን ዕጸ ፋርስ ተረኺቡ

ኣብ ከባቢ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ማልመ ዝርከብ ጥቓ ናይ ብሽግለታ መንገዲ (tunnel) ዘሎ ቆጥቋጥ፡ ትሽዓተ ኪሎ ዝግመት ዕጸ ፋርስ ብፖሊስ ከምዝተረኽበ ጋዜጣ ሲድስቨንስካን ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ትማሊ ሰሉስ፡ ሓደ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስ ዝጥርጠር ሰብ፡ እንታይ ከምዝሓዘት ዘይተፈልጠት ከረጺት ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ቆጥቋጥ ክኣቱ እንከሎ፡ ሓደ ዜጋ ከምዝረኣዮን፡ ተቐላጢፉ ድማ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ፖሊስ፡ ነቲ …

Read More »

መንእሰያት ናይጀርያ “ማሕበር በቃቓት ሰብኡት” የቚሙ።

መንእሰያት ናይጀርያ፡ ብሰንኪ ዋጋኡ ኣመና እናኸበረ ዝመጸ ዋጋ “ፍቕሪ” ብምምራሮም፡ “ማሕበር በቃቓት ሰብኡት” ከም ዝመስረቱ ይንገር ኣሎ። ኣብ ክቡራት ሆቴላት ምቊጻር፥ ክቡር ህያባት ምሃብን ጥረ ገንዘብ ኣምጽእ ዝብልን ሕቶ ኣፍቀርቶም ኣማሪርዎም ነዚ ማሕበር ከም ዘቖሙ ድማ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተመረቐ ማሕበር፡ ምሒር ክብሪ ናብራን ንሱ ሒዝዎ ዝመጸ ምትሕውዋስ ስነምግባር ፍቕሪን ገንዘብን ንምእራም ከም እተላዕሉ ይሕብሩ። በዚ ሎሚ ኣብ …

Read More »

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ሰላማዊ ስልፊ ይገብራ

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ባይቶ ኣውስትራልያ፡ ዝተራእየ ጾታዊ ዓመጽ ምኽንያት ብምግባር ናይ ተቛውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዳ ዝሓበረ ቢቢሲ ኣብ ዓቃባዊ መንግስቲ እታ ሃገር ተወሳኺ መርመራ ክግበር ደሪኹ ኣሎ ኢላ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ዓቃቢ ሕጊ፡ ክርስትያን ፖርተር፡ ኣብ 1988 ብጾታዊ ምድፋር ተኸሲሱ ምንባሩ ግና ነቲ ክሲ ከም ዝነጽጎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ሰልፊ ክዳሎ ጀሚሩ። ብኻልእ ኣጋጣሚ፡ …

Read More »

ካብ ዘኽታም ስደተኛ፡ ናብ ሽወደናዊ ኮኾብ ሙዚቀኛ

ዮሃና ንመንእሰይ ቶሳ ሺዛ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ውድድር ደርፊ ሽወደን ዘመገቦ ዓወት፡ ሕጂ ድማ ንሽወደን ወኪሉ ኣብ ውድድር ደርፊ ኤውሮፓ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሃገረ ሽወደን፡  ወኪሉ ሓደ ስደተኛ ኣብ ኤውሮፓዊ ውድድራት ከተሳትፍ ምኽኣላ፡ ነቲ ትኣምነሉን ትሰርሓሉን ምውሓስ መሰል ሰብኣውነትን ማዕርነትን ዘንጸባርቕ እዩ፡ በዚ ኣጋጣሚ፡ ንሃገረ ሽወደን፡ ዮሃና ክብል ማዕከን ሓበሬታ ኣልኮምፒስ ዓረብያ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣቃሊሑ። ናይ ሕጂ መንእሰይ ቶሳ፡ …

Read More »

ናይጀርያውያን ሙዚቀኛታት፡ ሽልማት ግራሚስ፡ ይዕወቱ

ኣባላት ናይጀርያዊ ጒጅለ ሙዚቃ ኣፍሮቢት ቡርና ቦይን ዊዝኪድን፡ ናይ 2021 ተሸለምቲ ግራሚስ ኮይኖም ኣለዉ። ቡርና ቦይ (burna boy) ብብሉጽ ኣልቡም ክዕወት እንከሎ ዊዝኪድ (wiz kid) ከኣ ምስ ተዓዋቲት ግራሚስ ዝኾነት ቢዮንሴ ብዝተጻወቶ ብራውን ስኪን ገርል (brown skin girl) ዝተሰምየት ሙዚቃዊ ቪድዮ እዩ ተዓዋቲ ኮይኑ ዘሎ። ጓል ቢዮንሴ፡ ብሉ ኣይቪ፡ ኣብዛ ደርፊ ከም እተዓወተት እውን ተፈሊጡ። ብናይ ስነጥበብ ስሙ ቡርና ቦይ …

Read More »

ደቡብ ሱዳን፡ ሓደ ሰብኣይ ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ን7 ዓመታት ተፈሪዱ

ሓደ ደቡብ ሱዳናዊ፡ ንትሕተ ዕድመ ጓለንስተይቲ ብምዕማጹ፡ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዝበዝሐ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ፡ ናይ ፖሊስ ጥርዓን ከም ዘይግበረሉ እዩ ዝግለጽ። ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ሰብኡት ኣብ ከተማ የይ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም ፍርዶም ምርካቦም ኣብ ኣክቲቪስታት ዓቢ ተስፋ ምሕዳሩ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ደንግ ቻይ ደንግ፡ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ዞባ ጀንጎሊ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com