Sunday , April 28 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ድሕሪ ኲናት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ዝውውር ኣቕራሽን ሳናቲምን ክብ ኢሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝጀመረ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝውውር ዝርከብ መጠን ገንዘብ ክብ ምባሉ ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ኣዋርሕ ለካቲትን መጋቢትን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምጥቃም ሳናቲምን ኣቕራሽን ብ ዳርጋ 8% ወሰኽ ኣርእዩ ምንባሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ዝተራእየ ዝዓበየ ወሰኽ ዝውውር ገንዘብ ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ …

Read More »

ዘወርቲ ታክሲ “ቦልት” ን “ኡበር” ን ኣድማ ኣካዪዶም።

ዘወርቲ ታክሲ “ቦልት” ን “ኡበር” ን፡ ዘይርትዓዊ ንዝበልዎ ክፍሊትን “ቅድመ ኲነት” ን ኲባንያታት ብምቅዋም ትማል ኣብ ስቶክሆልም ኣድማ ኣካዪዶም። እዘን ኲባንያታት ነዞም ኣውቲስቲ ከም ሰራሕተኛታተን ከም ዘይሕሰብኦም፡ ዝኾነ ውክልና ማሕበር ከም ዘይብሎምን ውህሉል ስምምዕ ክፍሊት ከም ዘይገብሩን ዝፍለጥ እዩ። “ኣብ ሰሙን ካብ 6-7 መዓልታት፡ ካብ 10 ክሳብ 13 ሰዓታት ንመዓልቲ እዮም ዝሰርሑ፡ እንተኾነ ግና ኣታዊኦም ቀረጽ ከይሓወስካ 18000 ክሮና ጥራይ …

Read More »

ን ክሲ ሰነዳዊ ምድላዉ ተሌቪዥን ኣመልኪቱ ተጀሚሩ ዝነበረ መርመራ ተዓጽዩ።

ኤጀንሲ ሕጋዊ፡ ፋይናንሳዊን ምምሕዳራዊን ጒዳያት- “ካማርኮሎጌት”–፡ ን ክሲ ሰነዳዊ ምድላዉ ተሌቪዥን ኣመልኪቱ ጀሚርዎ ዝነበረ መርመራ ደው ከብሎ ምዃኑ ገሊጹ። ሓሙሽተ ካብቶም ሸሞንተ ኣብ ባይቶ ዝቕመጡ ሰልፊታት ሽወደን፡ ን ሕጊ ወፈያ ክጥሕሱ ፈቲኖም፡ ዝብል ክሲ ብ ሰነዳዊ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ተላዒሉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።  ኣብ ቲቪ “ፎር” መርማሪት ፕሮግራም “ካላ ፋክታ”፡ እዞም ሓሙሽተ ሰልፊታት ዘይሕጋዊ ናይ ወፈያ ገንዘብ ክቕበሉ ተዳልዮም ኔሮም፡ …

Read More »

ክሪስተርሰን፡ ቱርክ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝኾነ ጒዳያት ትሓተና’ላ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ካብ ቱርኪ ቀጠላ መብራህቲ ትጽበ ምህላዋ፡ እንተኾነ ግና ሽወደን ኲሉ ቱርክ ዘቕረበትላ ጠለባት ክትፍጽመላ ክትጽበ ከም ዘይግባአ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሽወደን ከም ዘትፍጽሞ ዘፍኣመቶ ጠለባት ቱርክ ንሳ እትደልዮም ሰባት ሽወደን ኣሕሊፋ ክትህባ ዝብል እዩ።  ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ብወገኑ ሽወደንን ፊንላንድን ዘድሊ ቅጥዕታት ብምምልአን ቱርክ ዘድሊ ምትሕብባር ክትገብር …

Read More »

ሽወደን ኣብ ኩሉ ዘገልግል ዲጂታላዊ ስርዓት ክትሃንጽ ከም ዝደሊ መንግስቲ ገሊጹ።

ሃገረ ሽወደን ኣብ ኩሉ ዘገልግል ዲጂታላዊ ስርዓት ክትሃንጽ ከም ዝደልዩ መንግስቲን ሰልፊ ዴሞክራሲን ሽወደንን ገሊጾም። እዚ ኣገባብ ሰብሞያ ጥዕና ብዛዕባ ተሓካማይ ዝህልዎም ሓበሬታ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ከበጻጽሑ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዝበዝሑ ሰብመዚ ሓበሬታ ነዚ ብኣዎንታ ከም ዝጥምትዎ፡ እንተኾነ እዚ ዕማም ብዞባታት ክምራሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ንሬዶ ሽወደን ገሊጾም ኣለዉ። ዞባታት ጠለብ ተሓከምቲ ስለዝፈልጣ ነዚ ዓም ንሰን ክመርሓኦ …

Read More »

ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን

ዓሚ ኣብ ወርሒ ለካቲት ሩስያ ን ዩክሬይን ካብ እትወርር ንደሓር ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ዝጸንሐ ተገዳስነት ቋንቋ ዩክሬይን እናዓበየ ምምጽኡ ተገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ከጽንዕዎ ናይ ዝደልዩ ተመሃሮ ብዝሒ እናወሰኽ ምምጽኡ ተመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፈ ኣየት ጥራይ 408 ጀመርቲ ተመሃሮ ቋንቋ ዩክሬይን ከም እተመዝገቡ፡ ኣብ ዮተበሪ ገዲም መምህር ቋንቋታት “ስላቭ” ቶማስ ሮዘን ገሊጹ’ሎ። ተመሃራይ ዳኒኤል ጆነን ብወገኑ እዚ ኲናት ወራር ሩስያ …

Read More »

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን ይዳለዉ።

ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ኣባል ኔቶ ብምዃኖም ብዛዕባዝረኽብዎ ረብሓን ሽወደን ኣብ ውጥን ኔቶ ክትጻወቶ ትጽቢት ዝግበረላ ተራን ኣመልኪቶም ንብርክት ዝበላ ኣዋርሕ ክሰርሑ ምጽንሖም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ን ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ሓዊስካ ብዙሓት ሰብመዚ ብ ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ከም ዝጽለዉ ዝፍለጥ እዩ። “ተራ ሰባት ኣጸቢቖም ዘስተውዕልዎ ነገር እንተሎ ኣብ ሽወደን ስልጠና ዝወስዱ ሰራዊት ወጻኢ ብቚጽሪ ክብ ክብሉ ምዃኖም እዩ,” ክብል ሜጀር …

Read More »

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ’ያ።

ፊንላንድ ካብ ቻይና ንዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ግዱድ መምርሒታት ከተታኣታቱ እያ ክብል፡ ን ለበዳ ኮሮና ዝከታተል ጒጅለ ዝሓለፈ ሓሙስ ገሊጹ። በዚ ድማ፡ ካብ ቻይና ዝመጹ ሰባት ቅድሚ 48 ሰዓታት ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ምስክር ከቕርቡ፡ ከምኡ’ውን ኣባላት በረራን ተጓዓዝቲን “ማስክ” ክወድዩ ክግደዱ እዮም። ሚኒስተር ጒዳያት ስድራቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክሪስታ ኪሩ፡ ብ ዓርቢ ን YLE ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዚ ቊጽጽር ሓድሽ …

Read More »

ድሕሪ “ብረግዚት” 2,800 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ዝወጹ ተጌሮም።

ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ድላዮም እናተንቀሳቐሱ ናይ ምስራሕ መሰሎም ይግደብ ምህላዉ ተገሊጹ። ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ እዛ ዝተሰናበትናያ ዓመተ 2022 ከኣ 2250 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ክወጹ ከም እተገብረ ብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ዩሮስታት” ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

Read More »

ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ

ምስ ምእታው ዓመተ 2023፡ ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ይምዝገብ ምህላዉ ተገሊጹ። ብምኽንያት ብከላ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም መጠን ዋዒ ይውስኽ ምህላዉ፡ ኣብ መላእ ዓመተ 2023 ከኣ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ክረአ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቶም ፈተውቲ ምንሽርታት በረድ ዘዘውትርዎም እምባታት ኣልፕስ ከምኡ’ውን ፒረነስ ዝነበረ ውርጪ መኺኹ፡ መጠን ሙቐት ክሳብ 20ºC ይበጽሕ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ሃገራት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com