Wednesday , May 8 2024

ፖሎቲካ

ውሳነ ፊንላንድ ን ሽወደን ባህርያዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ነቲ ትማል ሓሙስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ፡ ሃገሮም ናብ ኔቶ ብዝቐልጠፈ ክትጽንበር ከም ዝድግፉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ግምት ከተእትዎ ምዃና ገሊጻ። ሽወደን፡ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ—ኔቶ– ክትጽንበር ድያስ ኣይፋላን፡ ኣብ ዝመጻ መዓልታት ክተፍልጥ እያ። መራሕቲ ማእከላይ፡ ሊበራል ከምኡ’ውን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ሽወደን ኣሰር ፊንላንድ ክትስዕብ ከም ዝድግፋ ክገልጻ እንከለዋ፡ ጸጋማይን ሓምላይን ሰልፊታት ግና፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን …

Read More »

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ዝተባህለ ውድብ ክምርመር ጻውዒት ቀሪቡ።

“ምስላም ኖርወይ ደው ይበል” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ (SIAN)፡ መርመራ ኽግበረሉ፡ ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊ ስነፍልጠታውያን፡ ፖለቲከኛታት ከምኡ’ውን ወሃብቲ ህዝባዊ ርእይቶ ጻውዒት ኣቕሪቦም ተባሂሉ። እዞም ከተምቲ፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ኖርወይ፡ ንንጥፈታትን መግለጺታትን እዚ ጎነጻዊ ዝበልዎ ውድብ ውድብ ክምርምሮ ሓቲቶም ኣለዉ። “እዚ ውድብ፡ ተግባራቱ ነዚ ሕጂ ዝጎሃሃር ዘሎ ገበናት ምኽንያት ይኾኑ ስለ ዘለዉ፡ ብደረጃ ሃገር መርመራ ክግበረሉ ከም ዝግባእ፡ ኣብ ጒዳይ ጥሩፋት ጒጅለታት …

Read More »

ኣብ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ሽወደን፡ ጒዳይ ኔቶን ምውህሃድ ስደተኛታትን ዝለዓለ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ክካየድ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ፖለቲካዊ ክትዓት ምክያደን ተፈሊጡ።. ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማድጋሌና ኣንደርሾን፡ ከምኡውን መራሒ ናይታ ዝዓበየት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ (ዓቃባዊ ሰልፊ) ዝኾነ ኡልፍ ክርስተርሾን፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ናይ ደገፍ ድምጺ ክረክብ ከም ዝግባእ ተሰማሚዖም ኣለዉ። መራሕቲ ማእከላይ ሰልፊ ኣኒ ሌፍ፡ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ …

Read More »

CIA: ሩስያ ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ክትገብር ምዃና ዘርኢ ምልክታት የለን።

ሩስያ፡ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት የለን፡ ክብል ኤጀንሲ ስለያ ኣመሪካ CIA ገሊጹ። “ንሕና፡ ማሕበረኮም ስለያ፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት ኣይረኸብናን” ክብል ዋና ጸሓፊ እቲ ኤጀንሲ፡ ቢል በርንስ ብ ቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ፡ ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኑክሌራዊ …

Read More »

ወለድ ባንክ ኖርገስ ክሳብ ሕጂ 0.75% ምህልዉ ተገሊጹ።

መጠን ወለድ ባንክ ኖርገስ፡  ክሳብ ሕጂ 0.75% ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ፡ እዚ መጠን ክውስኽ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። “ነቲ ኲነታትን ናይ ሓደጋ ተኽእሎታትን ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ፡ ወሰኽ ክንገብር ወሲንና ኣሎና” ክትብል ዋና ኣመሓዳሪት እቲ ባንክ፡ ኢዳ ቮልደን ትማል ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ’ላ። ስለዚ ድማ፡ ማእከላይ ባንክ ንግዜኡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓ መጋቢት፡ ብ ጽብጻብ …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ሕጽረት ሕጹያት ኣለዎም ተባሂሉ።

ዝመጽእ ዓርቢ፡ ሰልፊታት ሽወደን ነቲ ኣብ መስከረም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኣመልኪተን፡ ብዕሊ ዝርዝር ሕጹያተን ዘምዝገባሉ ግዜ ዝውድኣሉ መዓልቲ እዩ። ዝበዝሓ ሰልፊታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 290 ምምሕዳራት ከተማ ዝወዳደሩ ሕጹያት፡ ከቕርባ እየን። እንተኾነ ግና፡ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ 219 ምምሕዳራት ከተማ ጥራይ ሕጹያት ከም ዝህልውዎን፡ እዚ ድማ ኣብ ርብዒ እተን ምምሕዳራት ከተማ ዝወዳደር ሕጹይ ክሓጽሮም ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ሽወደን ኤምባሲኣ ኣብ ኪቭ ዳግማይ ክትከፍት እያ።

ካብ ሎሚ ረቡዕ ኣትሒዛ፡ ሽወደን ኣብ ኪቭ (ርእሰ ከታማ ዩክሬይን) ዝጸንሓ ኤምባሲ ዳግማይ ክትከፍት እያ፡ ክብል ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። ። እቲ ኤምባሲ፡ ምስ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ኲሎም ኣባላቱ ካብታ ዓዲ ብምውጻእ ኤምባሲኡ ናብ ፖላንድ ኣዛዊርዎ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ከምኒ ኣመሪካ ዴንማርክን ብርክት ዝበላ ካልኦት ሃገራትን ኣብ ኪቭ ኤምባሲአን ዳግማይ ይኸፍታ ምህላወን ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።

Read More »

ማሕበር ፖሊስ ሽወደን ን መሪሕነት ክኸስስ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ማሕበር ፖሊስ ሽወደን፡ ን መሪሕነት ኣኽበርቲ ጸጥታ ክኽስስ ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ኣዜማ ፋስጋ ኣብ ዝተኸስተ ናዕቢ፡ ፖሊስ ግቡእ ግብረመስሊ ብምሃብ ህይወቶም ክዕቅቡ ብዘይምኽኣሎም፡ እቲ ማሕበር ክሲ ከእትወሎም ከም ዝኽእል ተሓቢሩ። ወኪል ጥዕናን ድሕነትን እቲ ማሕበር፡ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ፖሊስ ንገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዘኽእሎም እዂል ዕጥቂ ከም ዘይነበሮም ኣመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ናዕቢን ጎነጽን ልዕሊ 300 …

Read More »

ሽወደንን ፖላንድን ኣህጒራዊ ኮንፈረንስ ሓገዝ ን ዩክሬይን ከእንግዳ እየን።

ጽባሕ ሓሙስ፡ ሽወደንን ፖላንድን፡ ኣህጒራዊ ኮንፈረንስ ሓገዝ ን ዩክሬይን ኣብ ዋርሶው ከእንግዳ እየን ተባሂሉ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ፡ ሃገራት ነቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ከወፍያ፡ ከምኡ’ውን ን ናይ ነዊሕ እዋን ጠለባት እታ ሃገር ዝከኣለን ሓገዝ ከወፍያ ንምግባር እዩ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን። ቅድሚ እዚ ወራር፡ ሽወደንን ፖላንድን ኣብ ፖለቲካዊ ጒዳያት ክንድቲ ምስምማዕ ዘይነበረን ሃገራት እኳ እንተነበራ፡ …

Read More »

ነፋሪት ሩስያ ን ክሊ ኣየር ሽወደን ድሕሪ ምግሃሳ ዲፕሎማት ሩስያ መጸዋዕታ ክግበረሉ እዩ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ነፋሪት ሩስያ ን ክሊ ኣየር ሽወደን ድሕሪ ምግሃሳ፡ መንግስቲ ሽወደን ንሩስያዊ ዲፕሎማት ናብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ጻውዒት ክገብረሉ ምዃኑ ሚኒስተራት ሽወደን ገሊጾም። እዛ AN-30 ዝዓይነታ፡ ኣብ ዘመን ሕብረት-ሶቪዬት ዝፈረየት ነፋሪት ስለያን ኮለላን ሩስያ፡ ብ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ድሕሪ ምቚራጻ ካብቲ ቦታ ብቕጽበት ክትለቅቕ ትእዛዝ ከም እተዋህባ ሰራዊት ሽወደን ገሊጹ እዩ። እዛ ነፋሪት ሩስያ፡ ንክሊ ኣየር ሽወደን ቅድሚ ምግሃሳ፡ ብባሕሪ ባልቲክ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com