Wednesday , May 8 2024

ፖሎቲካ

ኤባ ቡሽ ንዝቐረበላ ነቐፌታታት መልሲ ሂባ።

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ጎነጻዊ ናዕቢ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተዂሲ ክኸፍቱ ምሕታታ፡ ከቢድ ነቐፈታ ከም ዘስዓበላ ተገሊጹ። ሓደ ካብዚኦም፡ ማሕበር ፖሊስን ሚኒስተር ፍትሒን ኮይኖም፡ ነቲ ኤባ ቡሽ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን እተኻየደ ጎነጻዊ ናዕቢ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ብብርቱዕ ነቒፎሞ ኣለዉ። ኤባ ን ሬድዮ ሽወድን ፕሮግራም ቃለ-መሕትት ቐዳመ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ጎነጻዊ …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ውጽኢታዊ ኣይኮነን ተባሂሉ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ክትግበር ብዘይምኽእሉ፡ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ ን ሰራሕተኛታት መዐሸግ መራኽብ ሽወደን ዝውክላ ማሕበራት ገሊጸን። ሓደ ማሕበር፡ ብሩስያ ዝውነና ወይ ናይ ሩስያ ባንዴራ ዘንበልብላ መራኽብ ክጽዕን፡ ወይ ጽዕነተን ከራግፍ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ካልእ ድማ፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ እዘን መራኽብ እገዳ ከንብር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ካብ እትፍጽም ንደሓር፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሌኣ …

Read More »

መርበብ ዝርርብ ሙስሊም—“መንሰያት ንምቅጻል ቊርኣን ከም ዘይረኣዩ ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ” ጸዊዑ።

SIAN ከምቲ ውጥኑ ሎሚ ዓርቢ ቅዱስ ቊርኣን እንተቃጺለ’ውን ምእመናን ሸለል ኢሎም ክሓልፍዎ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣፍሊጡ። “መንእሰያትና ንኸምዚ ዝበለ ናይ ተጻብኦ ተግባራት ሸለል ኢሎም ከም ዘይረኣዩ ብምኽታት፡ እቲ ቆስቋሳይ ዝደልዮ ኣቓልቦ ክኸልእዎ ኢና ንጽውዕ” ክብል ኣባል ቦርድ መርበብ ዝርርብ ሙስሊም ኣርሻድ ጀሚል ን NTB ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። መራሒ ናይቲ “ምምስላም ኖርውይ ደው ይበል’ ዝብል ውድብ SIAN ላርስ ቶርሰን ብረቡዕ ን NTB ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ጸብጻብ ሃገራዊ ድሕነት ብቐልጠፈ ክውዳእ ሓቲታ።

ጸብጻብ ህሉው ኲነታት ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን ካብቲ ኣቐዲሙ ተሓሲብሉ ዝነበረ ናይ ግዜ ገደብ ብዝቐልጠፈ ንኽውዳእ ከም እትደሊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ ገሊጻ። እቲ ጸብጻብ ብወኪላት ኲሎም ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ዝካየድ ኮይኑ ጒዳይ ተኽእሎ ኣባልነት NATO እውን ከጠቓልል እዩ። እዚ ጸብጻብ ኣቐዲሙ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ እዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ ኣን ሊንደ ግና ክሳብ 13 ግንቦት ክዛዘም ድሌት ከም ዘለዋ ሬድዮ …

Read More »

ዜጋታት ኖርወይ ብዘይ ክፍሊት ናብ ዩሬይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ክልእኩ እዮም።

ናብ ዩክሬይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ክልእኩ ዝደልዩ ዜጋታት ኖርወይ ብሓገዝ ፖስትኖርድ ብዘይ ክፍሊት ክሰድዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። ፖስትኖርድ ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ብውልቀሰባት ዝለኣኽ ረድኤት ብ ኣገልግሎት ፖስታ ዩክሬይን ኣቢሉ ናብቲ ኣዝዩ ዝድለየሉ ክፋላት ዩክሬይን ከዝርጋሕ እዩ ኢሉ። “ብዙሓት ኖርዌጃውያን ነቶም ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ዘለዉ ዩክሬናውያን ናይ ምሕጋዝ ድሌት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚርና ሓገዛት ብቐሊሉን ብዘይ ክፍሊትን …

Read More »

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ናዕቢ ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ተባሂሉ።

ዋና ሓላፊ ፖሊስ ኣንደርሽ ቶርንበርግ፡ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቅድሚ ሕጂ ጎነጻዊ ናዕቢታት ተራእዮም እኳ እንተኾኑ፡ እዞም ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሸወደን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ እተራእዩ ግና ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ እዮም ኢሉ። እዞም ኮነ ኢሎም ን ፖሊስን ጒጅለታት ኣገልግሎት መድሕንን ሸቶ ብምግባር ዘጥቅዑ ዝነበሩ ሰባት ምስ ጒሒላትት ምትእስሳር ዘለዎም እዮም ዝብል ብርቱዕ ጥርጣረ ከም ዘለዎም ቶርንበርግ ገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ፖሊስ ማልም …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ፡ “እዚ ናዕቢ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ”

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሸወደን ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ዋዜማ ፋስጋ ድሕሪ እተባርዐ ጎነጻዊ ናዕቢ ገለ ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደን ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ስልጣኑ ክሓድግ ይጽውዓ ምህላወን ተፈሊጡ። ሚኒስተር ፍትሒ እዚ ናዕቢ ኣዝዩ አሻቕሊ እዩ ድሕሪ ምባል ሽወደን ሓይሊ ፖሊስ ንምስፋሕ ሕጂ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ቅድሚ 20 ወይ 25 ዓመታት ክዕመም ዝነበሮ እዩ ክብል ብትሪ ነቒፉ’ሎ።፡ እዚ እናኾነ ምምሕዳራት ከታማታት ሊንሾፒን ከምኡውን ናርሾፒን ናብ …

Read More »

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ነቲ ኣብ ሽወደን ዘጋጠመ ጎነጽ ኮኒኑ።

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ሀንሪክ ቱን ነቲ ኣብ ሽወደን ዘጋጠመ ጎነጽ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓሌታዊን ሃይማኖታዊን ምትፍናን ዘኸትል ተግባራት ከም ዝዂንን ኣፍሊጡ’ሎ። መሰል ሃይማኖትን ሓሳብካ ምግላጽን ክኽበር ከም ዘለዎ እውን ኣትሪሩ ጸዊዑ’ሎ። ንብርክት ዝበላ መዓልታት ኣብ ሽወደን ብዝተኸታታሊ ዕግርግር ከም እተኸስተ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ዕግርግር ኣድመኛታት ንፖሊስ ምጥቅዖምን ከምኒ ፖለቲከኛ ዴንማርክ ራሙስ ፓሉዳን ዝበሉ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ቁርኣን ምቅጻሎምን እዩ ዝግለጽ። “እዚ ኣብ …

Read More »

ሓገዝ ኣጽዋር ዘምጽኣ መራኽብ ብምድንጓየን ዩክሬይን ነቒፋ።

ሓገዝ ኣጽዋር ዘምጽኣ መራኽብ ምድንጓየን ሩስያ ኲናት ክትቅጽል ከም ዘለዋ ጌራ ክትትርጒሞ ትኽእል እያ ክብል ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቒፉ። “እዚ ምድንጓይ መራኽብን ፖለቲካዊ ውሳነን ሩስያ ተወሳኺ ህይወት ዩክሬይን ከተጥፍእ ዕድል ይህባ’ሎ፡ ምኽንያቱ ሩስያ ነቲ ምድንጓይ ኲናት ንምቕጻል ከም ዘድልያ ቀጠልያ መብራህቲ ጌራ እያ ትትርጒሞ ዘላ። እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይግብኦ እዩ” ክብል ዘለንስኪ ኣብ ዝፈነዎ መዓልታዊ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጹ’ሎ። ዩክሬይን ብምብራቕ ወገን ዝገጥማ …

Read More »

ኣብ ቅነ ፋስጋ ኣብ ከተማታት ሽወደን ብዘጋጠመ ዕግርግር ሰልስተ ሰባት ቆሲሎም።

ኣብ ብርክት ዝበላ ከታማታት ሽወደን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት እዋን ፋስጋ ብዘጋጠመ ሓያል ዕግርግርን ግብረመልሲ ፖሊስን ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም። እቶም ኣድመኛታት ኣእማን እናደርበዩን መካይን እናቃጸሉን ከም እተራእዩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ፖሊስ ነቶም ኣድመኛታት ንምብታን ድሕሪ ዝኸፈትዎ ተዂሲ ሰለስተ ሰባት ምቚሳሎም፡ እንተኾነ ግና ንህይወቶም ዘስግእ መጒዳእቲ ከም ዘይበጽሖም ፖሊስ ኖርኮፒን ገሊጹ’ሎ። እዚ ዕግርግር ነቲ ሕሉፍ የማናውያን ተኣኪቦም መጽሕፍ ቅዱስ ቁርኣን ከቃጽሉ ዝሓንጸጽዎ መደብ ተኸቲኡ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com