Wednesday , May 8 2024

ኮረና ቫይረስ

May, 2020

  • 26 May

    ዓለም ቀስ ብቐስ ክትክፈት ትጅምር ኣላ ተባሂሉ።

    ምስ ምጅማር እዛ ሒዝናያ ዘሎና ሰሙን ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ተባሂሉ ክትግበር ዝጸንሐ እገዳታት ቀስ እናበለ ይዘልቕ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ምዝላቕ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍላት ኢጣልያ ማእከላት ስፖርትን መሕጸብ ሰብነትን ይኽፈት ኣሎ ክትብል ኣገልግሎት ዜና ኣንሳ ሓቢራ። ይዂንምበር ለበዳ እቲ ሕማም ምኽንያት ብምግባር እዘን ትካላት ሕጂ’ውን ጥቡቕ መምርሒታት ክኽተላ ከም ዘለወን ተሓቢሩወን ኣሎ። ንኣብነት ሓምበስቲ ኣብ መንጐኦም ናይ ክልተ …

  • 25 May

    ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ሻቕለተን ይዓቢ።

    ኖርዌይን ፊንላንድን ንወቕቲ ቱሪዝም ብምባል ዶበን ክኸፍታን እገዳ ጒዕዞ ሽወደን ክዕቅባን ይዝትያ ምህላወን ተመልኪቱ። ኣብ ዴንማርክ ብዙሓት ተቓወምቲ ሰልፊታት ንሃገረ ጀርመንን ኖርዌይን ዶበን ክኸፍታ ድሉዋት እኳ እንተኾና ኣብ ሽወደን ግና ጥርጣረታት ከም ዘለወን ድማ ተሓቢሩ። ሽወደን 30 ሽሕ ሕሙማትን ኣስታት 4000 ምዉታትን ለበዳ ኮሮና ምምዝጋባን እዚ ድማ ናይዘን ሰለስተ ሃገራት (ኣይስላንድ፥ ዴንማርክን ፊንላንድን) ሕሙማት ሰለስተ ዕጽፊ ምዃኑን እቲ ቀንዲ ምኽንያት …

  • 25 May

    ሉፊን፥ ሕማም ኮሮና ኣብ ምብቅዑ ዝሓየለ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ኢና።

    ቅልውላው ኮሮና ዘግሃዶም ጉድለታትን ሕጽረታትን ኣብ ቀጻሊ ክእረሙን ክመሓየሹን ከምዝግባኦም ተረዲኡና ኣሎ። ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝወሃቡ ዝነበሩ ነዋሕቲ ቆጸራታት ምምሕያሽ፡ ኣረጋውያን ግቡእ ኣገልግሎት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ምንዳይን ንማሕበራዊ ውሕስነታት ዘድልዩ ኣገደስቲ ምንጭታት ረቓሒታትን ምቕራብ ከም መደብ ሒዝና ሓያል ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ኢና ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር። መንግስቲ ሽወደን፡ ንማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ተባሂሉ 20 ቢልዮን ክሮነር ድጎማ ሰሊዑ ከምዘሎን ካብ ዝቕጽል ሰሙን …

  • 24 May

    ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ።

    ብመሰረት ቊጽሪ ህዝቢ ሽወደን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓለም ዝለዓለ እተባህለ መጠነ ሞት ለበዳ ኮሮና ኣመዝጊባ ክትብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። እንተኾነ ግና እዚ ኣገባብ ምውድዳር ሃገራት ብዙሕ ጠርጠራ ዘለዓዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። ” ሃገራት ብዝተፈለየ ኣገባብ እየን ቅመራ ዝግበረለን። ስለዚ ድማ እዚ ዝተባህለ ቊጽሪ ቅቡል ከይከውን ይኽእል እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቱ ስቶክሆልም ፕሮፌሰር ስታቲስቲክስ ዳን ሂድሊን ሓቢሩ። ናይ ሃገራት ስታቲስቲክስ ለበዳ ብመንጽር …

  • 24 May

    ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣገባብ ምስጋድ ኣብ ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዘበነ ክሮና ቫይረስ

  • 22 May

    ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ናይ ኣድልዎ በደል ከይፍጸም ጻውዒት ቀሪቡ።

    ዴንማርክ ኖርዌይን ፊንላንድን ንዕረፍቲ ሳመር ዶባት እንተተኸፊቱ ሽወደናውያን ለበዳ ኮሮና ሒዞምልና ክመጹ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘልዎም ተገሊጹ። ሚኒስተር ንግድን ቱሪዝምን ኢብራሂም ባይላን ዝኾነ ዜጋ ዘየድሊ ምጒናይ ክበጽሖ ኣይግባእን ድሕሪ ማባል ሽወደናውያን በዚ በደል ከይወርዶም ምጽውዑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ባይላን ምስ ሚኒስተራት ቱሪዝም ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ክራኸብ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። ባይላን ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረቡ ንኣከፋፍታ ዶባት …

  • 21 May

    ኣና ፡ ጥዕና ተቐማጦ ሽወደን ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ሙኻኑ ን ሲ. ኤን. ኤን. ትገልጽ።

    ለበዳ ቫይረስ ምግታእን ነቶም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብ ምድሓንን እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሽወደን ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እትኽተሎ ዘላ ስትራተጂ ምዃኑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንዲ፡ ኣረጋጊጻ። ውሕስነት ጥዕናን ድሕነትን ተቐማጦ ሽወደን ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ፡ ምኽሪ ናይ ክኢላታት ሰብ ሞያ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ቅኑዓት ዝብሎም ስጉምታት ኣብ ግዜኦም ንኽትግበሩ ጸቒጡ ካብ ዝሰርሓሎም ዘሎ ጉዳያት ምዃኖም እታ …

  • 21 May

    ካርልሰን፡ ስትራተጂ ሽወደን ዕዉት እዩ እንተኾነ ፖለቲከኛታት ብሞት ዜጋታት ክሕተቱ ኣለዎም።

    ካርልሰን፡ ስትራተጂ ሽወደን ዕዉት እዩ፡ ናይ 90ታት ፖለቲከኛታት ብሞት ኣረጋውያትን ተሓተቲ እዮም ብምባል ቅሬትኡ የስምዕ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምቁጽጻርን ንምግታእ ተባሂሉ ሽወደን፡ ፍልይ ብዝበለን ናይ ነዊሕ ውጽኢት ዝዓለመን ህዝቢ ዘሳትፍ ስትራርትጂ ተጠቂማ ጽቡቕ ዝኾነ ውጽኢት ትረኽበሉ ከምዘላ ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝኾነ ዮሃን ካርልሶን ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ዝተጠቀምሉ ኣገባባት፡ ንኣንፈት ውጽኢቱ ይኹን ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዘለዎ ጽልዋታት ዘስዕቦ ዜቤታዊ …

  • 20 May

    ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ንኡስ ዕድመ ዝሞተ።

    ኣብ ምምሕዳር ክሮነብሪ ዝነብር ዝነበረ ብዕድመ ንኡስ ዝኾነ ሰብ ብቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ ምስ ኣሃዱ ጥዕና ናይቲ ከባቢ ተራኺቡ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ ተሓቢርዎ ከምዝነበረን ኣማስይኡ ግን ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝሞተ SVT ሓቢሩ። ኣብ ንኡስ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ከቢድ ምልክታት ናይ ኮሮና ከርእዩ ከምዝኽእሉን ብሰንኪ ሕማም ድማ ክሞቱ ከምዝኽእሉን እንተኾነ እቲ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ብዙሕ ከምዘይኮነ ኣብ ክሮነብሪ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ …

  • 20 May

    መንግስቲ ሽወደን ናብ ሆስፒታል ዝመጹን ምልክታት ኮሮና ንዘርእዩን ሰባት መርመራ ክገብረሎም ሙዃኑ ይሕብር።

    ኣቐዲሙ መርመራ ዝግበር ዝነበረ ምልክታት እቲ ሕማም ተራእይዎም ናብ ሆስፒታል ንዝመጹ ሰባት ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ን ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣገባብ መርመራኡ ንኽቕይር ብምሕባር ኣብ ሰሙን ክሳብ 100 ሽሕ ንኸብጽሖ ምምርሑን ተገሊጹ። ” ብሓፈሻ ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ሕሙማት ጽቡቕ ክንክን ይግበረሎም እኳ እንተሎ ኣብ ሆስፒታል ዘየለዉ ሰባት መርመራ ክግበረሎም ዘይምግባሩ ግቡእ ስጒምቲ ኣይኮነን” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com