Saturday , April 27 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2020

  • 4 December

    ዜና መጽሔት News Magazine 04 December 2020

  • 3 December

    ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ሰለስተ ሃገራት ዝግበር መገሻ ንኸይካየድ ይመክር

    ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣየርላንድ፡ ላትቪያን ኢስቶንያን ንኽገሹ ዝሓስቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 16 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብዘን ሃገራት ብዘይ ኣገዳሲ ምኽንያት ንኸይገሹ መኺሩ። እዚ ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝወጸ መምርሒ፡ ብሕጊ ዝግድድ ዘይኮነ፡ ምኽሪ ምኻኑ ዝሓበረ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ እቶም ነዚ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሎም ዝገሹ ሰባት ግን ገለ ረብሓታት ብምስኣን ብኣሉታ ክጽለዉ ከምዝኽእሉ ገሊጹ። …

  • 3 December

    ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ወሲኑ

    ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ካብ ዕለት 7 ታሕሳስ 2020 ክሳብ 6 ጥሪ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ንኽጥቀማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣና ኢርክስትሮምን ሓላፊ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን ከምተረኽቡ …

  • 2 December

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 02 December 2020

  • 1 December

    ኣብ ቬስትራጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሓደ ምምጽኡ ተፈሊጡ

    ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ኮሮና፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንመጀምርታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ከምዝጎደለ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 4364 ከምዝኾነን ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ224 ከምዝውሕድ ጸብጻባት ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣሃዱ ጥዕና ዝረአ ዘሎ ጸቕጢ ጌና ከምዘይፈኾሰ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ። …

  • 1 December

    ወተሃደራት ኖርወይ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘጊሖም ኣለዉ ተባሂሉ

    ወተሃደራት ኖርወይ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዞም ወተሃደራት፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ፡ ደው ብምባል፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየዱን ነጻ ምኳኖም ዝሕብር ሰነዳትን ከቕርቡን ብምሕታት፡ ነቶም ሰነዳት ዘየማልኡ ሰባት ድማ ንድሕሪት ንኽመልሱ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንፈለማ ግዜ ዝረአ ዘሎ እዩ። እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ለውጢ እዩ ዝበለ፡ ፒተር …

  • 1 December

    ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብረርቲ (ፓይሎታት) ስርሖም ምስኣኖም ተገሊጹ

    ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር ሽወደን፡ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ስለዝተሃስየ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ SAS ካብ ስርሖም ይመዛበሉ ምህላዎምን ተፈሊጡ። ዛጊት 210 ኣብረርቲ ነፋሪት ኩባንያ SAS፡ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ደሞዞም ንምውሳድ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪዚ ድማ ክፋነዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ። ብመሰረት ፈደሬሽን ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ መጀርመታ ዓመት 2020 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ 1500 ኣብረርቲ ነፈርቲ እቶም 950 ዝኾኑ ካብ ስራሕ ከም እተፋነዉ …

November, 2020

  • 30 November

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 30 November 2020

  • 30 November

    ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ዘፍረዮ ክታበት፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከድልዮ እዩ ተባሂሉ

    ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ብምትሕብባር ውጽኢታዊ ክትባት  ጸረ ኮሮና ረኺብና ኢሎም ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ፍርያት ጸገም ከም ዘጓነፎም ኣሚኖም። ገለ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ስለምንታይ ኣይሃቡን ንዝብል ሕቶ ግና ኣይጠቐስዎን ኣለዉ። ካብቶም ክልተ ግዜ ምሉእ ዶዝ ዝወሰዱ ሰባት እቶም ዝወሓደ ዶዝ ዝተዋህቡ ወለንተኛታት እዮም  ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ዘለዉ። ኣብዞም ውሑድ …

  • 30 November

    ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንምብጻሕ ዝኽልክል መምርሒ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ቤት ፍርዲ፡ ከምዝቋረጽ ጌርዎ

    ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ንምብጻሕ ዝኽልክል ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝወጸ መምርሒ፡ ብቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ዘይሕጋዊ ብምባል ንተግባራውነቱ ከምዝቋረጽ ገይርዎ። ቤት ምኽሪ ከተማ ስቶክሆልም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመሓላለፈ መምርሒ፡ ቤተሰብ ናይቶም ኣረጋውያን ከይተረደኦም ብኮሮና ከይልብድዎም እዩ። እዚ ድማ ትርር ዝበለ መምርሒ ድኣ እምበር፡ ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዝ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com