Tuesday , May 14 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክቕጽላ ምኻነን በዓል መዚ ጥዕና ኣፍሊጡ

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክቕጽላ ምኻነን በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ እዚ ሓድሽ ውሳነ፡ ግብራዊ ክኸውን በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና እንተኣፍለጠ፡ ሓለፍቲ ቤት ትምህርታት ብወገኖም፡ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺበሞ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቶም ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። ነቶም ኣብ ትምህርቲ ድኽመት ዘርእዩ ተመሃሮ ድማ ናብ ክፍሊ እንዳጸውዑ ተወሳኺ …

Read More »

Harmony News 06 ጥሪ 2021

Read More »

ድሕሪ በዓላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣለወን ክብሉ 30 ተመራመርቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ምጉት፡ ድሕሪ ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሳምንታት ተዓጽየን ክጸንሓ 30 ተመራመርቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ንሳቶም፡ ኣብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እቲ ህጻናት ሳሕቲ ጥራይ እዮም ካልኦት ዝልብዱ ዝብል መደምደምታ ብሓድሽ መጽናዕቲ ከም ምልክት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቐንዱ፡ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

ጀርመን፡ ከፊላዊ ምዕጻው ሃገራ ክተትርርን ከተናውሕን ትውስን

መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ሃገራ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ኣተኣታትያቶ ዝጸንሐት ከፊላዊ ምዕጻው ሃገር፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ከተትርሮን ከተናውሖን ምዃና ብሰሉስ ኣፍሊጣ። ዜጋታት ድማ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክባት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ። ብተወሳኺ፡ ዝበዝሑ ምግባዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት፡ ባራት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ባህላዊ ማእከላት፡ መዘናግዒ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ክዕጸዋ እየን። ነዚ ሕማም ንምምካት፡ ማሕበራዊ …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት) ተቐባልነት ይህብ

ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት (EMA) ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ተቐባልነት ከምዝሃቦ ሓቢሩ ክብላ ሮይተርስን ፍራንስ ፕረስ ከምዝገለጻ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ብኩንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ከምዝሃበ ይዝከር። ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ንውሳኔ ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሰማማዓሉ ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪ’ዚ እቲ መድሃኒት፡ ኣብ መላእ ሃገራት …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ብለኪንገ (Blekinge) ዝርከባ ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ 11 ጥሪ ክዓጽዋ እየን

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኩለን ካብ ሻውዓይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝምህራ ቤት ትምህርታት፡ ክዕጸዋ ከምዘለወን በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ብለኪንገ መኺሩ። ብመሰረት ምኽሪ፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቤንግት ዊቴኾ፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ ዕለት 11/01/2021 ጀሚረን ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዋ ምዃነን ነዚ ውሳኔ ድማ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ምምሕዳር ብለኪንገ ክተግብረኦ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ውሳኔ፡ ካብ ዕለት 11 ጥሪ …

Read More »

ንልዕሊ ፍርቂ ቁጽሪ መሳርሕቱ ብኮሮና ዝለበደ ሰራሕተኛ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

ሓደ ሰራሕተኛ ምልክታት ሕማም ኮሮና እናተሰመዖ ናብ ስራሕ ብምምጽኡ ንካልኦት ብጾቱ ብምልካሙ ካብ ስርሑ ክሰናበት ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እዚ ዝተጠቕሰ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ከባቢ ካርልስታድ ዝርከብ መእለይ ሕሙማት ኣልዘሃይመር ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምልክታት ሕማም ኮሮና ምርኣዩ መርመራ ጌሩ ውጽኢት ሕማሙ ከይተዋህበ ናብ ስራሕ ከምዝኸደን ድሒሩ ድማ ብኮሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝመጾን ቀጺሉ ድማ፡ ፍርቂ ኣባላት ናይታ …

Read More »

ካብ ጽባሕ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ክጅመር እዩ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት  7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ግብራዊ ክኸውን እዩ ክብል በዓልመዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓቢሩ’ሎ። ቅድሚ ዓመተ 2004 ዝተወልዱ ሰባት ኮይኖም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፡ ማስክ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።  ካብ 7-9 ቅ/ቀ ከምኡውን ካብ 16-18 ድ/ቀ ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን እዚ መምርሒ ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ በዓል መዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ …

Read More »

ሽወደን፡ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ምእታው ከልኪላ

ሰብመዚ ሽወደን፡ ነቶም ብሰንበት ካብ ብሪጣንያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቪተር ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ገያሾ ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ምኽልካሎም ንጋዜጣ ሎካል ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝቐረበ ምስክር ጥዕና (መርመራ ኮሮና) ናይዞም ገያሾ ከም ዘይቅበልዎ ምስ ተገልጸሎም ገለ ካብቶም ገያሾ፡ በታ ዝመጽዋ ነፋሪት ናብ ማንቸስተር ክምለሱ እንከለው ሓሙሽተ ገያሾ ግን፡ ክሳብ ውጽኢት …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 100 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል እያ።

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንክታበት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ጽባሕ ረቡዕ ፍቓድ ክህቦ ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሽወደን፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ሰሙን 11 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነዚ መድሃኒት ብሰኑይ ፍቓድ ክህቦ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ እቲ ኤጀንሲ ብምሸቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ውሳኔኡ ከም ዝወንዘፎ ገሊጹ። ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራት ይኹን ክኢላታትን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com