Sunday , April 28 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ኩባንያ ፋይዘር፡ ክዕድሎ ዝሓሰበ መጠን ክታበት ኣጉዲሉ

ኣሜሪካዊ ኩባንያ ፋይዘር፡ እቲ ንኤውሮፓ ከግዕዞ ተባሂሉ መዲብዎ ዝነበረ መጠን ጸረ-ኮሮና ክታበት ብምጉዳል ኣቶኩርኡ ናብ ብዝሒ መጠን ፍርያቱ ከድህብ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ኖርወጃዊ ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ካብቲ ክትቅበሎ ተመዲቡ ዝነበረ 44 ሽሕ ዶዝ ናብ 36 ሽሕ ዶዝ ምጉዳሉ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻባት ኩባንያ ፋይዘር፡ ብዝሒ መጠን ዓመታዊ ፍርያቱ፡ ካብቲ መዲብዎ ዝነበረ፡ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶዝ …

Read More »

Harmony News. 15/ 01 /2021

Read More »

100 ሚልዮን ክሮነር ንምክትታል ኣሉታዊ ጽልዋታት ጸረ ኮሮና ክታበት

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣሉታዊ ጽልዋታት ጸረ ኮሮና ክታበት ንምጽናዕን ምምርማርን፡ 100 ሚልዮን ክሮነር ሰሊዑ ከምዘሎ ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ውሳኔ፡ ብደገፍ ናይ ሰልፍታት ሊበራላውን ሰንተርን ከምዝገበሮ ብተወሳኺ ገሊጹ። ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ነዚ ብመንግስቲ ተወጢኑ ዘሎ ንፈለማ ግዜ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ክታበትን ብዛዕባ ጸረ ኮሮና ክታበትን ዝምልከት ጎስጓስን ሓበሬታን ከድልዮ እዩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ ገሊጹ። እቲ ዝተሰለዐ ገንዘብ፡ ብመንገዲ ቤት ምኽሪ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ፡ 13 ሽማግለታት ክታበት ጸረ ኮሮና ድሕሪ ምኽታቦም ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ

ኣብ ኖርወይ ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክእለዩ ዝጸንሑ 13 ሽማግለታት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ድሕሪ ምውገኦም ከምዝሞቱ ንመርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ብምጥቓስ ተተ ኣቃሊሑ። ኖርወይ፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮሮና ካብ ኣርባዕተ መዓልታት ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ዝጀመረት ሃገር ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ 25 ሽሕ ሰባት ከም ተኸትቡ ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ፡ ኤጀንሲ መድሃኒት ኖርወይ፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ተራእዩ ዝተባህለ 29 ኣጋጣሚታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምተረኽበ …

Read More »

ቀይዲ ሰዓታት ቀረብ ኣልኮላዊ መስተ ቀጺሉ

ኣገልግሎት ኣልኮላዊ መስተ ዝህባ ትካላት፡ ካብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ጀሚሩ ክሳብ 15 ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ክሳብ ሰዓት 20፡00 ክኸውን ከምዘለዎ፡ ቀይዲ ተመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር። ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ድማ እቲ ቀይዲ፡ ክሳብ ዕለት 24 የካቲት 2021 ክጸንሕ ምኻኑ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሓቢራ። ድሕሪ በዓላት ሓድሽ ዓመት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቀጻልን ሓደገኛን እዩ ዘሎ ድሕሪ ምባል፡ ሃሊንግሪን፡ …

Read More »

ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን መቕጻዕቲ ዝውስንን ጉጅለ ኣቊማ

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ስኮነ፡ ንትግባረ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝከታተልን ሕጊ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን ይኹን ጽቕጥቅጥ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መቕጻዕቲ ዝውስንን ሓድሽ ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ። እዚ ኣዋጅ፡ ንመከላኺሊ ተባሂሉ ዝተመሓላለፈ ምዃኑን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ዝምልከት፡ ህዝቢ፡ ሓቤሬታ ንኽረክብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ’ቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሩ። ንግዳውያን ትካላት ስኮነ፡ ምስዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና ንኽወሃሃዳ፡ ቅሩብ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ብሰንኪ ጸረ ኮሮና ክታበት ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ሓቢሩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ብሰንኪ ፍርያት ኣሜሪካዊት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ከጋጥም ዝክእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመልኪቱ፡ እቲ ዝግባእ ካሕሳ ክኸፍል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩባንያ ሞደርና፡ ዛጊት ኣብ መስርሕ ሽወደናዊ ናይ ሕክምና መድሕን ስለዘየላ እዩ። ንጉዳይ ናይ ሕክምናዊ መድሕን፡ ኩባንያ ሞደርና ብዝምልከት፡ ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ፍርያት ናይታ ኩባንያ ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽህባ ስግኣት ከምዘለወን …

Read More »

ሽወደን፡ ሰሙናዊ ርብዒ ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽትህብ ትዳሎ

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስሩዕ ኣገባብ ክታበት ብምሃብ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ሰሙናዊ፡ ክሳብ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ጸረ ኮሮና ክታበት ንኽወግኣ መጽናዕቲ ጀሚረን ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ስሩዕ ዝኾነ ኣገባብ ክታበት ብምድላው፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ክትህብ እያ። እዘን ምምሕዳራት፡ ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ንምትግባር፡ ስሩዕ ዝኾነ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ከድልየን እዩ ክትብል ሓላፊት በዓል መዚ ጥዕና ኣብ ማሕበር ምምሕዳራት ከተማን ምምሕዳራትን …

Read More »

ብናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኖርታላያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሽማግለ ትምህርቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ ትምህርቲ፡ ኩለን ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርታት (ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ)፡ ማለት፡ ቤት ትምህርቲ ሩስላግስኩላን (Roslagsskolan)፡ ቤት ትምህርቲ ስቫንቤርያ (Svanberga)ን ቤት ትምህርቲ ሃልስታ (Hallsta)ን ናይ ርሑቕ ኣገባብ ኣመሃህራ ክጥቀማ ምዃነና ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ፡ ካብ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 14/01/2021 ተግባራዊ ኮይኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ ዝጸንሕ …

Read More »

ዜናታት ሃርሞኒ 13/01/2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com