Sunday , April 28 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ፡ ኣብ ብቕዓት ተማሃሮ ብዛዕባ ዝህልዎ ሳዕቤን ኣይተፈልጠን

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ፡ ኣብ ብቕዓት ተማሃሮ ካብ ዝህልዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ጉዳይ የለን ክብል ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ትምህርቲ ፒተር ፍረድሪክሰን ገሊጹ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ዛጊት ብዛዕባ እዚ ሕቶ ብቑዕ መልሲ የብልናን ይብል። በዓልመዚ ትምህርቲ፡ ነቲ ውጽኢታት ብምጽናዕን ብምክትታልን ሓፈሻዊ ጽልዋ እዚ ለበዳን ናይ ርሕቀት ትምህርትን ክድህስስ እዩ ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ። ብመሰረት ፍረደሪክሰን ዝሃቦ ቃል፡ …

Read More »

ሓንቲ ሽውደናዊት ሽማግለ፡ ክትባት ጸረ ኮሮና ንምውሳድ 140 ኪሎሜትር ትጓዓዝ

ጓል 94 ዓመት ሽወደናዊት ሽማግለ፡ ካብን ናብን 140 ኪሎሜትር ብምጉዓዝ፡ ጸረ-ኮሮና ክታበት ዝወሰደትሉ ኩነታት ከም ሓደ ሽግር ከም እተላዕለ ተሌቪዥን ሽወደን ትማሊ ጠቒሳ። ሽግር እዛ ኣስታ ኖርማን ዝስማ ሽማግለ፡ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም ኣርእስቲ ኣልዒሉ ተዛሪብሉ። ኖርማን ዋላኳ ብስንክልናን ናይ ምርኣይ ጸገምን ትሳቐ እንተኾነት ክታበት ጸረ ኮሮና ንምርካብ ካብቲ ኣብ ሃምላ ዝርከብ  ቤታ  ናብ ልዩስዳል ዘሎ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ኣቋሪጹ

ኣብ መስርሕ ምጉዕዓዝ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ጸረ ኮሮና ክታበት፡ ጸገማት ከም ዝተፈትሩ፡ ሓያሎ ምምሕዳራት ሽወደን ሓቢረን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ እቲ መዝሓሊ ብምብልሻዉን ኣብ ካልኦት ኣጋጣሚታት ድማ መጠን ሙቐት ናይቲ መዝሓሊ ትሕቲ እቲ ኣድላይ ዓቐን ምንባሩ ተገሊጹ። ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ቀዳማይ እብረ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ናይ ኩባንያ ሞደርና፡ ተወጊኦም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ሰባት …

Read More »

ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ንሃብታማት ሃገራት ዘቐደመ ብምዃኑ፡ ኣብ ድኻታት ሃገራት ሻቕሎት ይፈጥር።

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ዓለም ዝወረደ ማህሰይቲ ነንበይኑ እኳ እንተኾነ ፡ ንዕኡ ንምፍዋስ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ክታበት ንሃብታማት ሃገራት ዘቐደመ ብምዃኑ ፡ እተን ብቁጠባ ዝደኸማ ድኻታት ሃገራት፡ እቲ ክታበት ክበጽሐን ዝኽእል እዋን ክደናገይ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ዓለምለኻዊ ኪኢላታትን ተመራመርትን ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ዋጋ ናይቲ ክታበት ክቡር ብምዃኑ ከምኡ’ውን እቲ ፍርያት ብመጠን እቲ ዋግኡ ንዝኸፈላ፡ ቀዳምነት ስለ …

Read More »

Harmony News. 22/01/2021

Read More »

መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣድላይ ዘይኮነ ጉዕዞ ክስረዝ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ

ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ዜጋታት፡ ፈጺሙ ኣድላይ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ይኹን ዶብ ሰገር ውጥን ጉዕዞኦም ክስርዙ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጻውዒት ኣቕሪቦም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቫይረስ ኮሮና በብግዜኡ ዘካይዶ ዘሎ ምልውዋጥ ከም ዘሻቐሎም ዝገለጹ መራሕቲ ፈደሬሽን ኣውሮጳ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ኣብ እተራእየሉ ከባቢታት ሽግራት ንምቅላል ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካ’ዚ፡ መስርሕ …

Read More »

ሃገረ ዴንማርክ፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ብምሃብ፡ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ

ሃገራት ዓለምና፡ ዜጋታተን ጸረ ኮሮና ክታባት ንምሃብ ኣብ ዝሸባሸባሉ ዘለዋ እዋን፡ ሃገረ ዴንማርክ፡ ብመጠን ብዝሒ ክትባት ዝወሰዱ ዜጋታት፡ ምስ ሃገራት ኖርዲክን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ክትወዳደር እንከላ፡ ኣብ ቐዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሃገረ ዴንማርክ፡ ካብ ፈለማኡ ንጹር ዝኾነ ውጥን ክትባት ስለ ዝጸንሓ እዩ ክብል ን ፕሮፌሰር ጀንስ ሎንግረን ካብ ሃገራዊ ሆስፒታል ኮፐንሃገን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ’ሎ። …

Read More »

ንሽወደን ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ጽዕነት፡ ብመንግስቲ ዴኒማርክ ተሃጊሩ

ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዘምርሕ ዝነበረ ጽዕነት፡ ናውቲ ክታበት ኮሮና፡ ብሰብ መዚ ጉምሩክ ዴኒማርክ ከምዝተሃገረ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ብመሰረት’ታ ጋዜጣ፡ ምርኽኻብ ናይቲ ጽዕነት፡ ኣብ ውሽጢ ዴኒማርክ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ምኽንያት፡ ብኮፐንሃገን ከምዝተዋህበ ሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ጉምሩክ ዴኒማርክ፡ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝፈረየ ናውቲ ክታበት ኮሮና፡ ናብ ሽወደን ገጹ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኽህግሮ፡ ካብ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ መምርሒ ከምዝተዋህቦን፡ …

Read More »

መምህራን ካልኣይ ደረጃ፡ ብሓድሽ መምርሒ ቤት ትምህርታት ይሻቐሉ

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ከፊላዊ ምስትምሃር ምጅማሩ ከም ዘሻቐሎም፡ መምህራን ገሊጾም። ዝበዝሑ መማህራን፡ ናይ ርሕቀት ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ክካየድ ከም ዝደልዩ ኣደ-ወንበር ማሕበር መማህራን ኦሳ ቫለን ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ተመሃሮ፡ ናብ ትምህርቲ ክዋፈሩ ከም ዘለዎም ልዕሊ መማህራን ዝፈልጥ ኣካል ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ለበዳ ምስ ምህላውና፡ ነዚ ሕማም ብኸመይ ክንከላኸሎ ምሕሳብ ከድልየና እዩ” ክትብል …

Read More »

77% ካብ ሽወደናውያን፡ ክታበት ኮሮና ክኽተቡ ድልውነቶም የረጋግጹ

ብትካል ኖቮስ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 77% ካብ ተቐማጦ ሽወደን ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ኮሮና ክታበት ንክውግኡ ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ። እዚ ቁጽሪ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተረኽበ ውጽኢት ዳህሳስ፡ ዝበዝሐ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ። ንድልውነት ክትባት ጸረ ኮሮና ክታበት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ዝተፈላለየ ብዝሒ ከምዝተራእየ ዝሓበረ፡ ተንታኒ ፖለቲካ ሬድዮ ኢኮት፡ ፍሪድሪክ ፎርትንባኽ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ እቶም ዝወሓደ ድልውነት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com