Sunday , April 28 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ዜናታት ሃርሞኒ ሜድያ 27 ጥሪ 2021

Read More »

ኣውስትርያ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ FFP2 ምጥቃም ትጠልብ

ልዕሊ 14 ዓመት ዝዕድሜኦምን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ድኳናት፡ ኣብያተ መድሃኒትን ሆስፒታላትን ዝጥቀሙ ኩሎም ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ ብሬስፕራቶሪ ማስክ ዝፍለጥ (FFP2) ንኽጥቀሙ ከም ዝኣዘዘት ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኦስትርያ፡ ነዚ ብምእዛዝ ፋልመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገት ኮይና ኣላ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንጥኑሳትን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ንዘለዎም ሰባት ዘይምልከት ምዃኑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሕጊ ምስ ካልኦት ዝጸንሑ ሕግታት ብምንጽጻር ኣብ ዜጋታት …

Read More »

ሃገረ ፊንላንድ፡ ዶባታ ዓጽያ

ሃገረ ፊንላንድ፡ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ተግባር ዝወዓለ፡ ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወት ገሊጻ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት፡ ብጀካ ንኣገደስቲ ጉዳያት ዝመጹ፡ ንኻልእ ሰብ ክሓልፍ ከምዘየፍቅዱ ሓቢራ። እቶም ንኽኣትዉ ዝተፈቕደሎም ሰባት ውን፡ ኣብቲ ዶብ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ክግደዱ ምዃኖም ሃገረ ፊንላንድ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ …

Read More »

ክታበት ሞደርና፡ ጸረ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣድማዕነት ኣለዎ ተባሂሉ

ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ጸረ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣድማዒ ዝኾነ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ’ቲ ኩባንያ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ዝተኻየደ ፈተና፡ ድኹም ውጽኢት ከምዝረኸበ ይፍለጥ። ሽወደን፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣቢሉ፡ ክታበት ሞደርና፡ ድሕሪ ብኤውርጳዊ ሕብረት ምርግጋጹ፡ ክትጥቀመሉ ከምዝጀመረት …

Read More »

Harmony Media News 25/01/2021

Read More »

ሓድሽ ቅጥዒ መገሻ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ሰባት

እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ቅጥዕታት መእተዊ ቪዛ ምምልኦም፡ ካብ 72 ሰዓታት ዘይበዝሕ ዕድመ ዘለዎ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣማሊኦም ክመጹ ከምዝግደዱ፡ ኮሚሺን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ሓቢሩ። ዜጋታት ወይ ድማ ቀወምቲ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንዝኾኑ ግን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን መርመራ ንኽገብሩ ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ እቲ ኮሚሺን ብምውሳኽ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ …

Read More »

መጠን ብዝሒ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምዃኑ ተገሊጹ

እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት፡ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ን27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣስታት 100 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ምዃኑን ብጠቕላላ ድማ ናይ 400 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገረ በልጂም ዝርከብ፡ ናይ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ክታበት ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ከፍርዮ ወጢንዎ ዝነበረ መጠን ብምውሓዱ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ፡ …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና እንተ ተራእዩ፡ ዝተረሩ ስጉምታት ክውሰድ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ኣብ ሽወደን እንተ ተራእዩ፡ መንግስቲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ናይ ግዝያዊ ሕጊ ኮሮና፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ሓቢሩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ቤት ትምህርታትን ካልእን ምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ በዚ ለበዳ …

Read More »

ቲግኒል፡ ዶባትና ንሓጺር እዋን ምዕጻው ኣገዳሲ እዩ ይብል

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ ኖርወይ ዘራኽበና ዶብ፡ ንሓጺር እዋን ምዕጻው፡ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ርእይትኡ ከምዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ቀውዒ፡ ቲግኒል፡ ንጉዳይ ምዕጻው ዶባት ኣመልኪቱ ተቛወሞ የርኢ ከምዝነበረ ይዝከር። መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ 25/01/2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ንሽወደን ምስ ኖርወይ ዘራኽባ ዶብ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ምስፍሕፋሕ …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ

እቲ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ንኣፍሪቃ ከቢድ ሃስያ ከምዘውረደላ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ዜና ከምዘመልከቶ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመሪያ ዙር ብደሓን ወጺኣቶ እኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ግን እቲ ለበዳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ዘሎዎም መልከፍቲ ከምዝተራእዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዋላ እኳ ምሃብ ክታበት ኣብ ካልእ ክፍለዓለም እንተጀመረ፡ ዛጊት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com