Monday , April 29 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ኣብ ግሪኽ፡ ምስክር ወረቐት ክታበት ኮሮና፡ ከም ቀንዲ ቅጥዒ መገሻ ኮይኑ

ሃገረ ግሪኽ፡ ናብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝኣትው ገያሾ ፡ ክታበት ኣንጻር ኮርና ቫይረስ ከም ዝተኸትቡ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቀት ከም ቀንዲ መእተዊ ቅጥዒ እታ ሃገር ክኸውን ከም ዝወሰነት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ኣቀድም ኣቢሉ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅጥዒ፡ ሓደ ካብ ናይ መገሻ ሰነዳት ክኽውን ኣብ ዝርርብ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እኳ እንተኾኑ፡ ሃገረ ግሪኽ ግን ባዕላዊ ውሳኔ ብምውሳድ ነዚ …

Read More »

Harmony News 11 January 2021

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንዝተናውሐ ምልክታት ለበዳ ኮሮና ንምጽናዕ 50 ሚልዮን ክሮና ይምድብ

መንግስቲ ሽወደን፡ ዝተናውሐ ምልክታት ኮሮና ንምጽናዕ ናይ 50 ሚልዮን ክሮና ከም ዝመደበ ተገሊጹ። እዚ መጠን ገንዘብ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት ንነዊሕ እዋን ምልክታት ሕማም ኮሮና የርእዩን ብኸመይ የጋጥሙን ብኸመይ ክፍወሱ ይኽእሉ ንዝብል ዝውዕል እዩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዚ ሓድሽ እማመ፡ ኣብቲ ዝተመሓየሸ በጀት ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ብባይቶ ሽወደን ዝውሰን እዩ ክብል ገሊጹ። ማእከል ሕክምናውን ማሕበራውን ገምጋም …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ ለበዳ፡ ትማሊ ሰንበት ተግባራዊ ኮይኑ

እዚ ሕጊ ክሳብ 31 መስከረም ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሕጊ፡ ንመንግስቲ፡ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእሎ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ መንግስቲ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውስን፡ መን ኣብ ቤት ክጸንሕ መንከ ኣብ ስራሕ ክወፍር ከም ዝግብኦ ክውስን ከኽእሎ እዩ። ኣብ ኣድላይ እዋናት፡ ቢዝነሳት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽው እውን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። በዚ ሕጊ ዝጽለዉ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ትያትራት፡ ሲነማታት፡ …

Read More »

ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝምዕብሉ ጸረ-ኣካላት፡ ናይ 8 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎም ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ

ሓደ ሰብ ሕማም ኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ፡ እቶም ዘማዕብሎም ጸረ-ኣካላት፡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ኣሜሪካዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ “ሳይነስ” ዝተባህለ መጽሔት ከምዘሕተመ SVT ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። ንቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣካላት’ቲ ሕሙም፡ ጸረ-ኣካላት ዘፍርዩ ቢ ዝተባህሉ ዋህዮታትን (B cells) ነቶም ብቫይረስ ዝተጠቕዑ ዋህዮታት ዝቐትሉ፡ ክልተ ዓይነት ቲ ዝበሃሉ ዋህዮታት (T cells) ብምፍራይ ምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ። …

Read More »

Read More »

ቁጽሪ ናይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣሻቓሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተሓቢሩ

ብዙሓት መንእሰያት፡ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ከምተሃስዩ ይፍለጥ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 24 ዓመት ዝርከቡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ መንእሰያት፡ 24.4% ( 143 ሽሕ) ምብጽሑ፡ እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ መንጎ 4 መንእሰያት፡ ሓደ ስራሕ ኣልቦ ዝኾነ መንእሰይ ኣሎ፡ ማለት እዩ ክብል ሬድዮ ኢኮት ነቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቃልሖ ኣጋጣሚ …

Read More »

ቁጽሪ ናይቶም ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት፡ ብሓሙሽተ ወሲኹ

ትማሊ፡ ኣብ ሽወደን፡ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ዝስዕብ ምልክታት ዘርኣዩ ከምተረኽቡ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ መገሻ ንጥፈታት ዘየካየዱ ምንባሮም ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ በዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ቁጽሮም ናብ 17 ክብ ኢሉ ምህላዉ ጸብጻባት መርበብ ሓበሬታ ኤክስፕረሰን ይሕብሩ። እዚ …

Read More »

ኣብ ዓመተ 2020 ዝተዓደሉ ብዝሒ መንበሪ ፍቓድ ወረቕትን ሽወደናዊ ዜግነትን

ኣብ ዓመተ 2020፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 88,814 መንበሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዝሃበ፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝተዋሃበ ብዝሒ ፍቓድ ብ25% ( 29099) ምጉዳሉ ተፈሊጡ። ካብዞም ዝተዋህቡ ፍቓድ፡ እቶም 32379 ናይ ስራሕ ፍቓድ፡ 29468 ፍቓድ ምጥርናፍ ስድራቤትን 7189 ድማ ፍቓድ ዑቕባ ነይሮም። ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንመጀምርያ እዋን ክሳብ 12,991 ዝበጽሕ ጠለብ ሕቶ ዑቕባ ከምተቐበለ ይዝከር። ለበዳ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ 40 ሽሕ ሰባት ክታበት ጸረ ኮሮና ከምተወግኡ ተፈሊጡ

 ኣብ ሽወደን፡ መስርሕ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ካብ ዕለት 24 ታሕሳስ 2020 ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ ክሳብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ከምተኸትቡ ሽወደናዊ ናይ መድሃኒት ኤጄንሲ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ። ኣሉታዊ ጽልዋታት ናይቲ ክታበት ዝከታተል እቲ ኤጄንሲ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዓሰርተ ዝኸውን ጉዳያት ከምተራእዩን ንሳቶም ድማ ፍኹስ ዝበሉ ምልክታት ኣብ ከባቢ ክታበት ዝተወግኡሉን ጸረ ኣካል ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com