Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

መንግስቲ፡ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ ናይ ክሮና ቫይረስ መርመራታት ንኸካይድ ሓላፍነት ክወሃቦ’ዩ።

ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ተወሳኺ መርመራታት ክሮና ቫይረስ ንኸካይድ ብመንግስቲ ሓላፍነት ከወሃቦ ምዃኑ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኦልፍ ክሪስቶርሾን ሓቢሩ። ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እቶም ቀዳሞት መርመራ ዝካየደሎም ክፋል እዮም። ስዒቡ ድማ ንብዙሓት ዝሽፍን መርመራታት ክካየድ ምዃኑ ክሪስቶርሾን ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ዝገበሮ ዝርርብ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። እዚ መስርሕ ናይ ቅምሶ መርመራ ቅድሚ ሳምንታት ክትግበር ዝነበሮ …

Read More »

ሃገራዊ ስትራቴጂ ምምርማር ኮሮና ኣብ ሓካይም ኣቶኪሩ ከም ዝጅምር ይሕብር።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና መንግስቲ ሃገራዊ ስትራቴጂ መርመራ ኮሮና ከዳሉ ከም ዝግባእ ትማሊ ብሰሉስ ሓቢሩ’ሎ።፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ሰልፊታት ኣብ ባይቶ ድሕሪ ምርኻቦም ኮይኑ ኡልፍ ክሪኣተርሰን ነቲ ዜና ናብ ኣገልግሎት ዜና TT ክባጻሕ ምግባሩ ተፈሊጡ። ንሱን ከምዝሓበሮ ሰልፊ ቬኒስተርን ሞድራትናን ዝያዳ መርመራ ንክግበር ድፍኢት ይገብሩ ምህላዎም ድማ ኣመልኪቱ። ሰባት ናይ ፋስጋ ጒዕዞ ካብ ምግባር ክቚጠቡ ድም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ ሽወደን ተወሰኽቲ …

Read More »

መንግስቲ፡ ናብ እንዳ መእለይ ዓበይቲ ዝግበር ምብጻሕ ብወግዒ ከልኪሉ።

ብ ሰኑይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኣብ ኣኼባ መንግስቲ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ሃገርና ዝርከቡ መናበይ ዓበይቲ ዝግበር ዝጸንሐ ምብጻሕ ከምዝተኸልከለ ይዝከር፡ ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ድማ ንትግባረኡ ኣመልኪቱ ካብ ጽባሕ ረቡዕ ዝጅምር ምዃኑ ኢሉ ከምዝተዛረበ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ኢዛቤላ ሎቪን ሓቢራ። ቅድሚ ሕጂ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምብጻሕ ከምዘየድሊ መንግስቲ ሓቢሩ ከምዝነበረን፡ ገለ ምምሕዳራት ውን ናብ እንዳ መናበይ …

Read More »

ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ዝሰርሑ ሰለስተ ሓካይምን ክልተ ተሓጋገዝቲ ሓኪምን ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል’ቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ ሓደ ካብኣቶም ናይ ምምሕያሽ ምልክታት የርኢ ስለዘሎ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብቲ ዝፎኸሰ ኣሃዱ ክሰጋገር ተስፋ ንገብር ክትብል ዝለዓለት ሓኪም’ቲ ሆስፒታል፡ ክላራ ስትሮምቢሪ፡ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ካብ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ብቫይሮስ ክሮና ተለኺፎም ከምዘለዉ …

Read More »

ክፍሊ ትራፊክ፡ ንመደብ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ናብ 4 ግንቦት የሰጋግሮ።

ሓደስቲ ንክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ዓይነታት A፡ B፡ BE፡ AM ን ተሳሓብቲ መካይንን ዝቐርቡ ሰባት ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 4 ግንቦት ምዝገባ ደው ከምዝበለን እቶም ተመዝጊቦም ቆጸራ ዝሓዙ ግን ክሳብ ሓድሽ ሓበሬታ ብደብዳቤ ዘይመጾም እቲ መደብ ከምዘለዎ ከምዝቕጽል ተሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ቤት ጽሕፈት ግን ንኹሎም ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ንኽገብሩ ቆጸራ ዝለዎም ከይተረፈ ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 30 ሚያዝያ …

Read More »

ኣብ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ናይ መጀመርያ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ።

ኣብ ኣገልግሎት ማእሰርቲ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ተራእዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እዚ ቫይረስ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ክፍሊ ጸጥታ ከም እተራእየ ጆርጊን ካብ ክፍሊ ተሃድሶ ሰሜን ገሊጹ። ካልኦት ሒደት ስባት እውን ምልክታት እዚ ሕማም የርእዩ ከም ዘለዉን ክምርመሩ ከም ዝግብኦምን ተመልኪቱ።

Read More »

ሎቪን፡ ኩሉ ሰብ ናይ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ካሕሳ ንምርካብ ሎሚ ዕለት 31 መጋቢት ከም ስራሕ ኣልቦ ከመልክት ከምዘለዎ ይሕብር።

ሎሚ ዕለት 31/03/2020 ኣብ ሳንዱቕ ሽቕለት ኣልቦውነት (A kassan) ዝተመዝገበ ምሉእ ናይ ወርሒ መጋቢት ካሕሳ ክሕሰበሉ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦውነት ንምውሳድ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ናይ መስርሕ ምቅላላት ከምዝገበረን ካሕሳ ንምርካብ ሓደ ዓመት ዕድመ ስራሕ ክህልው ኣለዎ ንዝብል ሕጊ ናብ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕድመ ምውራዱን ሓደ ካብቲ ዝገበሮ ምቅላላት ነይሩ ክብል ሎቪን ኣብ ውልቃዊ ናይ …

Read More »

ኣብ ኣገልግሎት ሽቕለት(arbetsförmedlingen) ዝምዝገቡ ብዕጽፊ ይውስኽ።

ኣብ ኣገልግሎት ሽቅለት ዝምዝገቡ ሰባት ብዕጽፊ ወሲኾም። ድሕሪ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣገልግሎት ሽቅለት ሽወደን ዝተመዝገቡ ሰባት ቊጽሮም ብዕጽፊ ምውሳዂ ጸብጻባት SVT ኣመልኪቶም። ዝሓለፉ ሳምንቲ ልዕሊ 14200 ሰባት ኣብ ዝርዝር ደለይቲ ስራሕ ምጽንባሮምን ጸኒሕ ቊጽሪ ኣብ ሰሙን ብ 2000 ክውስኽ ምጽንሑን SVT ገሊጹ’ሎ። ብሓጺሩ ኣብዚ ዓመት ዕጽፊ ካብቶም ዝነበሩ ደለይቲ ስራሕ ምምዝጋቦም ድማ ተሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ቑጠባ ሽውደን ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ብ ከቢድ ይህሰ ከምዘሎ ይሕበር።

ቊጠባ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ብሓያል ተጸልዩ እንሃለወ ኣብዚ ወርሒ ካብ ስራሕ ምድስካል ብናህሪ ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።፡ ሓላፊት ኣገልግሎት ሽቕለት ማርያ ሚንድሃመር መንግስቲ ንዘሎ ምቊራጽ ስራሕ ከድሕኖን ማዕከን ሽቕለት ከይብደልን ስጒምቲ ክወስድ ተስፋ ከም ዘለዋ እውን ገሊጻ’ላ። ዛጊት 36 ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ከም ዝደስከሉን ፍርቆም ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ከም ዝተፋነዉ ድማ ተገሊጹ።

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና ን ኣብ ክፍሊ ጥዕና ዝሰርሑ ተወስኺ ገንዘብ ክወሃቦም ይሓትት።

ሰልፊ ሞድራትና ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብውሑዱ 5000 ክሮና ሽወደን ብመልክዕ ተወሳኺ ሓገዝ ክህብወን ከም ዝደልዩ ገሊጾም ክትብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። “እቲ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ጽንኲር ምዃኑ ከም እንርዳእ ኣፍልጦ ክንህቦ ድሌት ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ ፖለቲካል ኤኮኖሚ እቲ ሰልፊ ኤልሳቤጥ ስቫንተሰን ምግላጻ እታ ጋዜጣ ሓቢራ። መንግስቲ ኣብ ክንክን ጥዕና፥ ኣባይቲ ሽማግለታትን ኣምቡላንስን ንዘለዉ ፍሉይ ኣቓልቦ ብምግባር ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብር ድማ ጸዊዓ’ላ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com