Tuesday , April 30 2024

ቁጠባ

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 28/10/2020

Read More »

ድሕረ-ገጻት (Website) ኣማዞን ሽወደን፡ ሎሚ ስርሑ ጀሚሩ

ዓሞሾሽ ኩባንያ ኣማዞን፡ ኣማዞን ኤስ አ (Amazon.se) ዝተባህለ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ሸመታ (handla) ኣገልግሎት፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ከምዝጀመረ ሓቢሩ። እዚ ናይ ኣማዞን ድሕረ-ገጽ፡ ዉሑድ ንመሸጣ ዝቐረቡ ንብረት ሒዙ ከም ዝጀመረ ተዓዘብቲ ይሕብሩ። መርበብ ሓበሬታ ፈበር (feber)፡ ንኣጀማምራ ኣማዞን ብዝምልከት፡ እቲ ዝጀመረሉ ድሕረ-ገጽ፡ ከም ናይ ሸመተ መወዓውዒ ገጻት ዘይኮነ፡ ከም ተራ ሰነድ ሓበሬታ እዩ ዝመስል ክብል ሰምይዎ። ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣማዞን፡ …

Read More »

ሓሳኹ(Insekter)፡ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጡ፡ ሽወደን፡ ከተፍቅድ እያ

ብመሰረት ውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደን፡ ንውሱናት ዓይነት ሓሳኹ፡ ከም ዓይነታት መግቢ፡ ንኽሽየጡ ከተፍቅድ ምዃና እኳ እንተሓበረት፡ እቶም ዓይነታት ሓሰኻ፡ መርዛም ዝኾነ ባክተርያ ዝተሰከሙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሽወደናዊ በዓል መዚ መግብታት ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢለን፡ ዴኒማርክ፡ ሆላንድን ፊንላንድን፡ ንውሳኔ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ሽወደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ብዝተፈለየ ኣገባብን ብዝመስለን ቶርጒመን፡ ሓሳኹ ከም ዓይነት መግቢ ንኽሽየጥ ኣፍቂደን …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 26-10-2020

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይቕጽል

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ሽወደን፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ከምዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝወጸ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዝተመዝገቡ፡ ሓደስቲ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 7865 ነይሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ብተኸታታሊ ካብ 9.0% ናብ 8.9% ሕጂ ድማ 8.8% ምብጽሑን ምንቁልቋል የርኢ ከምዘሎን ጸብጻባት …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ፡ ንጉዳይ ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈቱ ዝምልከት ሓበሬታ የመሓላልፍ

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሽወደን ማለት Arbetsförmedlingen ኣብ መላእ ሃገር ብልዕሊ ፍርቂ ንዝነበሮ ህላወ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክዓጹ ድሕሪ ምዉሳኑ፡ ተኸቲሉ ዝመጸ ሳዕቤን ዘይምዕሩይ ብምዃኑ ከምንደገና ብኻል ኣገባብ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህላወኡ ብምምላስ ተዓጽዮም ዝነበሩ ኣብያተ ጽሕፈቱን መዉሃቢ ኣገልግሎቱን ክመልስ ከምዝወሰነ ቃል ኣትዩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ክንዲ ከም እንደገና ኣብያተ ጽሕፈታት ብመልክዕ ክራይ ዘይተደለየ ወጻእታት ዝገብር፡ ኣብ ነፍሲ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på Tigrigna 21 Oktober 2020

Read More »

ኩባንያ ስካንያ፡ 300 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ

ዋላ’ኳ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው እንተሃለወ፡ ዓርሞሾሽ ኩባንያ ስካንያ፡ ንጠለባት ዓማዊል ንምምላእ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ። ኣብ ሶደርቴልያ ዝርከብ ዝዓበየ ጨንፈር ኩባንያ ስካንያ፡ ኣስታት 300 ዝበጽሑ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቖጽር መዲቡ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዙሓት ዓማዊል፡ ካብ ኩባንያ ስካንያ፡ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክገዝኡ ጠለብ ብምቕራቦም እዩ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይዚ ዘለናዮ …

Read More »

ቻይና. . . ኩባንያ ሁዋዊ ካብ ጨረታ 5G ብምኽልካላ፡ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ሽወደን፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኩባንያታት ሁዋዊን ዚ.ቲ.ኢ. ን ኣብ ጨረታ ናይ 5G ንኸይሳተፉ ምኽልካሉ፡ ነተን ኣብ ቻይና ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ብኣሉታ ክጸልወን ስለዝኾነ፡ ውሳኔኡ ክልውጥ ኣዘኻኺሩ ክብል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ኣጠንቂቑ ክብል ሬድዮ ሽወደን፡ ንጸብጻባት ሮይተርዝ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣቃሊሑ።   በዓል መዚ ኣገልግሎት ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንቻይናውያን ኩባንያታት ሁዋውን ዚቲኢን፡ ብጸጥታዊ ዓይኒ ጠሚቱ፡ ኣብ መስርሕ ጨረታ 5G ንኸይሳተፋ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com