Saturday , May 4 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ኣፍረይቲ መግቢ ፍርያቶም ናይ ጥዕና ረብሓ ከም ዘለዎ ከረጋግጹ ይግባእ ተባሂሉ።

ኲሎም ኣብ መፋለጢ ፍርያቶም ንጡፍ ወይ ጥዑይ ይገብር ዝብል ቃላት ዝጥቀሙ ኣፍረይቲ መግቢ ነዚ ከረጋግጹ ከም ዝግባእ ወኪል መፍረ መግቢ ሽወደን ሓቲቱ’ሎ። ድሮ ኣብ ዕዳጋ ዘለዉ ካብዚ ሕጊ ናጻ ኮይኖም ብሕጂ ኣብ ዕዳጋ መፍረ መግቢ ዝኣትዉ ግና ነዚ መረጋገጺ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም። እዚ ሕጊ ኣብ 2005 ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምትእትታዉ ዝፍለጥ እዩ። “ሸመትቲ ዝገዝእዎ ፍርያት ከመይ ዝበለ ናይ ጥዕና ረብሓታት …

Read More »

ን ኣብያተ ትምህርቲ ብሕቲ ዝግበር ምወላ ክጐድል እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ብብሕቲ ንዝንቀሳቐሳ ኣብያተ ትምህርቲ ዝገብሮ ምወላ ከጒድሎ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። እዚ ምጒዳል ጨሪሱ ናብ ደው ምባል ንምኻድ ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። ሚኒስተር ኣብያተ ትምህርቲ ሊና ኣክሴልሰን ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ን ናይ ብሕቲን ህዝባውያንን ኣብያተ ትምህርቲ ዝግበር ምወላ ዘይምዕሩይ ኮይኑ ምጽንሑ ኣስሚራትሉ። ኣብያተ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ንዂሎም ተመሃሮ ክቕበላ ግዴታ ዘለወን ምዃኑ ነቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ዘይፍትሓዊ …

Read More »

ሰባት ሕጂ’ውን ካብ ቫይረስ ኮሮና ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ዳርጋ ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ-19 ሎሚ ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን እዚ ለበዳ ሕጂ’ውን ን ሰብመዚ ክንክን ጥዕና ዞባታት ዘሻቕል ጒዳይ ኮይኑ ቀጺሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ምስ ምልዓል እዚ ሕጊታት ኮሮና ኣብ ዝበዝሓ ኣውራጃታት ሽወደን ብዙሕ ተሸብሸብ ተኣንጎት ዛይዱ ምህላዉ ዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን እንተኾነ ግና ሰብ መዚ ጥዕና ኣብ ዝተፈልየ ወጥሪ ዝመልኦ ኲነታት ምህላዎም ኣመልኪቱ። እዚ ሕማም ኣብ ልዕሊ ጽላት ክንክን ጥዕና ዘውርዶ ዘሎ …

Read More »

ተመራመርቲ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከዋኽብቲ ዝኽሰት ናይ ኑክሌር ውህደት ንምስናዕ አኽእሎም ሳየንሳዊ ሓቂታት ምድህሳሶም ገሊጾም።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ቤተፈተነ JET ክልተ ዓይነታት ሃይድሮጅን ዝተባህለ ባእታ ብምውህሃድ ዝረኸቦ መጠን ጸዓት ብምትዕጽጻፍ ናይ ባዕሉ ክብረ ወሰን ክሰብር ክኢሉ’ሎ። ከምዚ ዝበለ ናይ ኑክሌር ምውህሃድ እንድሕሪ ኣብዛ ዓለም ክፍጠር ተኻኢሉ ደረት ዘይብሉ ናይ ጸዓት ቀረብ ንምውናን ክከኣል እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ፈተነ ኣብ ውሽጢ 5 ካልኢታት ጥራይ 11 ሜጋዋትስ ጸዓት ምፍራይ ምኽኣሉ ከም ኣዝዩ ዘደንቕ ሳየንሳዊ ተረኽቦ …

Read More »

ኦስሎ ንሕግ ምርሕሓቕ ክተወግድ ትዳሎ።

ናይ ሕማም መልቀቒ ፍቓድ ካብቲ ለበዳ ንላዕሊ ዓብዪ ሽግር ኮይኑ ምህላዉ ሃሓፊ ቆንስል ከተማ ኦስሎ ሬይመንድ ጆሃንሰን ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ነቲ ርሕቀትካ ምሕላው ረቛሒ ብምውጋድ ነታ ከተማ ክኸፍታ ድሉው ምህላዉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት ጋዜጣ  VG መንግስቲ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ነታ ከተማ ክኸፍታ ብምባል ጋዜጣዊ ዋዕላ ኽዕድም ይዳሎ’ሎ። “ገለ ሒደት ስጒምቲታት ይተርፋና ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን …

Read More »

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኖርወይ ወርሓዊ ደሞዝ ብ4.2% ወሲኹ ተባሂሉ።

ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ግምጋም ደሞዝ ኖርወይ ብ 4.2% ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ኣብ 2020 ካብ ዝነበሮ ማለት 2.2% እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዕባዩ ዘርኢ እዩ ክብል ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣረዲኡ። ኣብ 2019 እውን ኣብ ግዜኡ ዝበዝሐ እተባህለ ምውሳኽ ደሞዝ ተጌሩ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብ ሕዳር 2021 ዝነበረ ናይ ምሉእ ግዜ ደሞዝ ብማእከላይ …

Read More »

ኮሚሽን ኣውሮጳ ን ሽወደን ከሲሱ።

ሽወደን ን ገለ ክፋል መምርሒታት ተተኮስቲ ኣጽዋራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይምኽባራ ኮሚሽን ኣውሮጳ ክኸሳ ኣፍሊጡ። ምውሳኑ እዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2015 ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተኻየደ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝወጸ ኮይኑ ግብረሽበራውያን ኣጽዋር ከይረኽቡ ምግባር ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ እዩ ተዳልዩ። መንግስቲ ሽወደን ነዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብ ሕጊ ሽወደን ክቕየሩ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ሕሳብ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ …

Read More »

ሽወደን ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ ተላዒሎም

ትማል ረቡዕ ኲሎም መምርሕታት ኮቪድ-19 ከም እተላዕሉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ሰለስተ መምርሒታት ሕጂ’ውን ተግባራውያን ኮይነን ክቕጽላ እየን ተባሂሉ’ሎ። ኲሎም 12 ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሜኦም ክኽተቡ እቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዘርእዩ ድማ ኣብ ቤቶም ክውሰኑ፡ ዛጊት ዘይተኸትቡ ዓበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ እኲብ ሰብ ከይርከቡን ኣብ ውሽጢ ቤት ውን እንተኾነ ብዝሒ ሰብ እንተሎ ክፍለዩን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ። ብዘይካዚ ሽወደን ንምእታው ዘገልግል ዝነበረ መምርሒ እውን …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ገለ ኣውራጃትት ሕጽረት ደም ኣጋጢምወን።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ብሃገር ደረጃ ዋሕዲ ማዕከ ደም ኣጋጢሙ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት ደም ቅድሚ ምልጋሶም ክጽበዩ ስለ ዘለዎም እቲ ሕጽረት ማዕከን ከጋጥም ምኽኣሉ ኣደ መንበር ውድብ ባንክ ደም ሽወደን ኢንግሪድ ጆሃንሰን ን ኤድዮ ሽወደን ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ብፍላይ ኣብ ዓይነታ ደም O ከምኡውን A ሕጽረታት ኣጋጢሙ ምህላዉ …

Read More »

ሕጊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ይተርር።

ብመስረት እቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 20 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዝተኣታቶ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ሽወደን እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ሕጊ ክትካእ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝተኣታተወን ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቐን ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ዘይንቡር ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዕቚብ ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ሓደ ክፋል ናይዚ ሕጊ ንኣብነት ንፍቓድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com