Saturday , May 4 2024

ስፖርት

ሉዊስ ስዋሬዝ ናብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ተሰጋጊሩ

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሴሎና ሮናልድ ኮማን ን ሉዊስ ስዋረዝ ኣብ ኣካል መደቡ ከምዘየለን ክለብ ክደሊ ድሕሪ ምሕባሩ ትማሊ ነታ ን 6 ዓመት ዝተጻወተላ ክለብ ባርሳ ብንብዓት ከምዝተፋነዋ ተገሊጹ። ሉዊስ ስዋረዝ ንክለቡ ኣብ ዝፋነወሉ ዝነበረ ግዜ ኩሉ ዝግባኣኒ ፈጺመ ዝፋኖ ከምዘሎኩ ዩ ዝስምዓኒ ድሕሪ ምባል ገጹ ብብክያት ከምዝተሓጽበ ተገሊጹ። ሉዊስ ሰዋረዝ ኣብ ባርሳ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ 4 ዋንጫ ላሊጋ፡ 4 ኮፓ …

Read More »

ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ ተአንግድ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ምምሕዳር ዮምትላንድ ዝርከብ ከባቢ ስቶርሊየን (Storlien)፡ 1 ሴንቲ ሜትር ቀጻላ ዘለዎ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ፡ ከምተራእየ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ሄሪዳለን ዝርከብ ከባቢ ተንዳለን (Tänndalen) ውን በረድ ከምዝወረደ ተሓቢሩ። በረድ ብምውራዱ ሑጉሳት ኢና፡ ንክረምቲ ውን ክንዳለወሉ ኢና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ኣብ ተንዳለን እትርከብ መደበር መንሸራተቲ በረድ፡ ራስሞስ ቤንት፡ ሓቢሩ።  

Read More »

ባየርን ሙኒክ ተዓዋቲት ዋንጫ ሱፐር ካፕ ኮይና

ብ ኣሰልጣኒ ሃንስ ፍልክስ እትእለ ጎብለል ቻምፒዮን ሊግ ዝኾነ ባየር ሙኒኽ ትማሊ ምሽት ብደረጃ  ኤዉሮፓ መን ጎብለል ከነ ማለት ዋንጫ ሱፐር ካፕ ትማሊ ምሽት ምስ ተዓዋቲት ዩሮፓ ሊግ ዝኾነ ሴቪያ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ብ 2-1 ብምዕዋታ ሎሚ ዓመት ብድምር ኣርባዕተ ዋናጩ ብምሕፋስ ንግስቲ ኤውሮጳ ኮይና። ሸቶታት ባየር ሙኒኽ ልዮን ጎርተዝካ ኣብ 34 ደቒቅ ከምእውን ኣብ ተወሳኺ 104 ደቒቅ ካብ ጃቨር …

Read More »

ዛላታን ኢብራሂሞቪች ብኮሮና ቫይረስ ተጠቒዑ

ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ፡ ዛላታን ኢብራሂሞቪች፡ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘመሓላለፎ፡ ውጽኢት መርመራ ቫይረስ ኮሮና፡ ናይ ኢብራሂሞቪች፡ ኣወንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ ክብል SVT ኣቃሊሑ። ሎሚ ኣንጻር ኖርወጃዊ ክለብ ቦዶ ግሊሚት፡ ኣብ ዝካየድ ውድድር ምጽራይ ክለባት ኤውሮፓ ከምዘይስለፍ፡ ክለብ ኤሲ ሚላን፡ ሓቢሩ። ውጽኢት መርመራ ናይ ካልኦት ተጻወትን ኣባላት ምምሕዳር’ታ ክለብን ግን …

Read More »

ንሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ኤውሮጳ

ሑርያት ን ቡልጽ ተጻዋይ ኤውሮጳ ብጀካ ኬቪን ዴብሬየን – ማንችስተር ሲቲ ካብ ፕሪመር ሊግ ዝተረፉ ሮበር ሌቫንዶቭስኪ ን ማኑዌል ኑዌር – ካብ ባየር ሙኒክ ቡንድስ ሊጋ።

Read More »

ሕርያ ንቡልጽ ኣሰልጣኒ ኤውሮፓ

ውድድር ን ቡልጽ ኣሰልጣኒ ኤውሮጳ ብ ጀርመናውያን ኣስልጠንቲ ዝተዓብለለ ኮይኑ፣ ንሳቶም ድማ ን ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፕሪመርሊግ ክትዓተር ዝኽኣላ የርገን ግሎቭ፣ ሃንስ ፍሊክስ ንክለብ ባየር ሙንኽ ብዓብላልነት ጎብለል ቡንድሊጋን ቻምፒዮን ሊግን ክተከውን ዝመርሓ፣ ከምእውን ጁልየስ ነግልስማን ን ክለብ ኣርቢ ሊዝበግ ንመጀምርያ ግዜ ተሳታፊት ቻምፒኦን ሊግ ኣብ ርእሲ ምኻናን ስጋብ ፍርቂ ፈጻሜ ብምብጻሕ ተዛካሪት ጋንታ ብምስራሕን ዝነኣሰ ኣሰጣኒ ናብዚ …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት ተዝኸውን ሎሚ ምሸት 4 ሸቶታት መምዝገብኩ ግን ….. ዛላታን ኢቭራሂሞቭች

ትማሊ ምሸት ፈላሚ ግጥም ሰሪ ኣ ዘካየዳ ክለብ ጣልያን ኤስሚላን ቦሎኛን ኮይነን፣ ኣብ መጀመርያ መን 3 ነጥቢ ሓፊሱ ጹቡቅ ናይ ውድድር ግዜ የሕልፍ  ዝመስል ጸወታ ካብ ምጅማሩ እዩ ብመጥቓዕትታት ተሰንዩ ርሱን ምንቅስቃስ ዝተራእየሉ። እንተኾነ ገዲም ክለብ ኤስሚላን ብ መንገዲ ገዲም ተጻዋታይ ዛላታን ኢቭራሂሞቭች ክልተ ሸቶታት ኣብ መበል 35ን 50 ደቓይቕ  ብምምዝጋብ ክልቡ ካብዚ ጸወታ 3 ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ዝልዓለ ተራ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ግጥማት ፕሪመር ሊግ ወልቭስ ምድ ማንቸስተር ሲቲ

እዛ ስጋብ ሎሚ ግጥም ፕሪመር ሊግ ጸወታ ዘይ ጀመረት ብ ፔፕ ጋርዴላ እትእለ ማንቸስተር ሲቲ ነዚ ዓመት ሒዛቶ ዘላ ኣቃውማ ምስ ዝሓለፈ ጎደሎ ሃጋፋት መስመር ምክልኻላ ከመይ ይመስል ሎሚ ምሽት ምስ ሓንቲ ካብተን በዳሕቲ ክለባ ዝኾነት ብ ኒኖ ስፒሪቶ እትእለ ወልቭስ በዳሂ ጸወታ ይጽበያ። ፔፕ ጋርዴላ ምስ ወዳድርቱ ዝኾና ዓበይቲ ክለባት ከም ሊቨርፑል ኣርሰናል ድሮ ብ 6 ነጥቢ መሓድጌንኦ ምህላወን …

Read More »

መሲን ክርስተያኖን ዘየካተተ ሕጸ ውድድር ንቡሉጻት ቻምፕዮንስ ሊግ 2019/20

ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ 2019/20 ክለባት ጁቨንትስን ባርሰሎና ካብ ትጽቢት ውጻኢ ብ ኣጉኡ ካብዚ ውድድር ብምእላየን ኣብ ሕቁፈን ዘልዉ ብሉጻት ተጻወቲ ብፍላይ ድማ መሲን ክርስትያኖ ሮናልዶ እዚ ዝለመድ ተወሓደ ኣብ ብሉጻት 11 ምእታው እንሆ ሎሚ ተሓሪምዋም ኣብ ክንድኦም ተሓቢኦም ዝነብሩን እዚ ዕድል ዝሳኣኑ ቡሉጻት ተጻወቲ ነዚ ዕድል በቒዕም። በዚ መስረት ናይ ሎም ዓመት ሕጹያት ቻምፕዮንስ ሊግ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ሎዋንዶሎስኪን፣ …

Read More »

ቲያጎ ኣልካንታራ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ

ዕባይ ላምስያን ድሒሩ ካብ ክለብ ባርሶልና ናብ ዓባይ ክለብ ባየር ሙኒክ ብምስግጋር ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ ወሲካ ብርክት ዝብለኡ ዋናጩ ዝዓተረን ኣብ መስመር ምክፍፋል ቡሉጽ ሙኻኑ ዝንገረሉ ኣልካንታራ ብ 20 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ን ማንቸስተር ዩናይትድ ብምስዓር ኣብ ሑቑፋ የእትያቶ። ድሮ ምስ ክልብ ሊቨርፑል ቑጽሪ 6 ማልያ ዝተዋህበቶ ኣልካንታራ ካብ ናይ ቀድም ክለቡ ባርሶልና ሓዊስካ ብርኽት ዝበለ ሕቶ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com