Saturday , May 4 2024

ስፖርት

ባየር ሙኒክ ተዓዋቲት ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኮይና

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ፡ ጥንቃቐ ዝመልኦ ጸወታ፡ ክለብ ባየር ሙኒክ ኣብ ልዕሊ መቐናቕንታ ክለብ ፒ ኤስ ጂ 1፡0 ብምዕዋታ፡ ተሸላሚት ዋንጫ ቻምፕዩንስ ሊግ ኮይና። ክለብ ባየር ሙኒክ ኣብ ዘካየደቶ 11 ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ፍጻሜ ጸወታታት፡ ሎሚ፡ ንመበል 6 ግዜ ምዕዋታ ይፍለጥ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ቻምፕዮኒስ ሊግ፡ ክለብ ባየር ሙኒክ፡ ስዕረት ከይቀመሰት፡ 43 ሸቶታት ብምምዝጋባ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክትሕዝ …

Read More »

ኣብ እዋን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ትህኪት ንምውጋድ ዝሕግዝ ገለ ምኽርታት

“ደገ ብርትዕቲ ጸሓይ ኣላ”፡ “ብዙሕ ግዜ የብለይን”፡ ” ምጒያይ ኣድካሚ እዩ”፡  “ዝመጽእ ወርሒ ክጅምር እየ”…ወዘተ ዝብሉ ገለ ካብቶም ምንቅስቓስ ኣካላት ንምውጋድ ወይ ንምውንዛፍ እነዘውትሮም ምስምሳት እዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ትህኪት እትገላገለሉ ፍቱን ግብራዊ ምኽርታት እነሆ። ብዙሓት ሰባት ሓንቲ ውስንቲ መዓልቲ ከም ነጥበ መቐይሮ ህይወቶም ብምውሳድ ኲሉ ነገር ብስሩዕ ከካይድዎ ምዃኖም ይውስኑ። እንተኾነ ግና እዞም ውጥናት ከይወዓሉ ከይሓደሩ ይውንዘፉ እሞ ናብ …

Read More »

ሜሲ፡ ንክለብ ባርሴሎና ይገድፋ’ዶ ይኸውን

ኮኾብ ተጻዋታይ ክዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ሜሲ፡ ምስ ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሴሎና ፡ሮናልድ ኩማን፡ ንኽዘራረብ ዕረፍቱ ኣቋሪጹ ከምዝተመልሰ ካቶሎናዊት ጋዜጣ ኣቃሊሓ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ ውሽጢ ክለብ ባርሴሎና ዘሎ ኩነታት ክቕየር ከምዝደሊ፡ ሜሲ፡ ክሕብር እንከሎ፡ ንባርሴሎና ሒዝዎ ዘሎ ፕሮጀክት ድማ፡ ኩማን፡ ከም ዝገለጸሉ እታ ጋዜጣ ኣቃሊሓ። ንመጻኢ መደባት ክለብ ባርሴሎና ዝምልከት፡ ንጹር ዝኾነ ፕሮጀክት ከምዘየለን ብፍላይ ድማ ድሕሪ ብባየር …

Read More »

ሰለስተ የዕሩኽ ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ሓንቢሶም ኣትዮም

ዝሓለፈ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ: ዳኒኤል ፋለር: ኤፍሬም ግርማይን አሌክሳንደር ኣልሜዳ ሱንዴል ዝተባህሉ ሰለስተ የዕሩኽ: ኣብ ልዕሊ ሕማማት ስነ አእምሮ ዘሎ ኣድህቦ ንኽዓቢ ብምባል: ካብ ኤልሲኖር ዴኒማርክ ናብ ሄልሲንቦሪ ሽወደን ሓንቢሶም ምእታዎም ተፈሊጡ። ኣብቲ 5 ኪሎ ሜተር ዝረሕቐቱ ጉዕዞ: ሓሰማ ባሕርን ሲል ዝመጸውዒኡ ዓሳታት ዝምገብ እንስሳ ከም ዘጋጠምዎም ሓቢሮም።መስርሕ ምሕንባስ ጽቡቕ ነይሩ። ብሰንኪ ውሽጣዊ ማዕበል ካብ መሰመርና ስለ ዝወጻና: ተወሳኺ ሓደ …

Read More »

ክለብ ፒኤስጂ ንቦኽሪ ዓወት ቻምፒዮን ሊግ ተቛምት

ሎሚ ምሸት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ነታ ብመንእሰይ ኣሰልጣኒ ንግልስ ማን እንዳተኣልየት ኣብ 10 ዓመታ ተኣምርን ታሪኽን እንዳ ሰርሐት ኣብ ቦኽሪ ስታፊኣ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ቻምፒዮን ሊግ ክትበጽሕ ዝኽኣለት አርቢ ሌፕዚግ ማርኪንሆስ(13)፣ዲማርያ(42) ከምእውን ካብ በርናት(56)ብዝረኸበተን 3 ሸቶታት ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ሰጊራ። ክለብ አርቢ ሌፕዚግ ብትሑት ባጀት ኣብዚ ደርጃ ምምብጻሓ ካብ ቡዙሓት ናእዳ ክትረክብ ከላ፣ ክለብ ፒኤስጂ ብወገና ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ ግዜ …

Read More »

ማንቸስተር ዩናይትድ እውን ናብ ዓመታዊ ዕረፍታ ኣምሪሓ

እታ እንኮ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣብ ኤውሮጳዊ ውድድራት ሰለይ ክትብል ዝጸንሔት ማን ዩናይትት በዚ ኣብዚ ኤውሮጳ ሊግ ሙኽርትን ዓብላሊት ኮይና ዘላ ስጳኛዊት ክለብ ስቪያ ካብ ድሕሪት ብምብጋስ 2 ብ 1 ተሰናብታ። ኣብዚ ግጥም ማንቸስተር ዩናይቲድ ዓብላሊትን ኣቀዲማ ብ ፍጹም ቅላዕ ብመንገዲ ብሩኖ ፈርናደስ ሽቶ ኣመዝጊባ እኻ እንተመርሔት፣ ድሕራ ብመንገዲ ሱሶን ሉክ ዲዮንግ ክልተ ሸቶታት ዝረኸበት ሰቪያ ብምዕዋት ኣብ መድረኽ ኤውሮጳዊ ሊግ …

Read More »

ጽዋእ ቻምፒዮን ሊግ ናብ ጀርመን ዶ ወይስ ፈረንሳ?

ፈረንሳዊት ልዮን ሕጂ እውን ድሕሪ ን ክርስታን ሮናልዶን ጁቨንቱስ ምግላፋ ሕጅ እውን ን ሃብታም ጋንታ ማንቸስተር ስቲ ኣሰር ካልኦት ብምስዓብ ን ሙኹሕ እሰልጣኑ ጋርድዮላ ምስ ሰራዊቱ ኣሰናብታቶ። ኣብዚ ሙሳ ደንበለ ደሚቑ ክልተ ሸቶታት ዘመዝገበሉ ምሸት ምክልኻል ማን ሲቲ ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፎ ዘርኣሉ ምሽት ኮይኑ ኣምስዩ። ኣብዚ 3 ብ 1 ዝስዓርት ልዮን ሕጂ እውን ን ዓርሞሸሽ ክለብ ባየር ሙኒኽ መጻኩ ብምባል …

Read More »

ኣብ መቀየሪ ቦታ እውን ሰብ ተሳኢኑ…….መሲ

እዛ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ዋንጫ ምውድኣ ተኸቲሉ፣ፕሬዝዳንት ባርሶሎና ክለብ ጆሴፕ ማርያ ባርቶሚያ ድሕሪ ቀብሪ ባርሶሎና ንደገፍቲን ክለቡን ይቕረታ ብምሕታት ክለቡ ኣብዚ ሰሙን ውሽጡ ብዝሕ ዝበሉ ስጉምትታት ከምትወስድ ገሉጹ። ድሕሪ እዚ ከቢድ ስዕረት ን ኣሰልጣኒ ኪኬ ሴቲን ዝተእክእ ኣርጀንቲናዊ ናይ ቅድም ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ማዉሪዚዮ ፖቸቲኒሆ ክኸውን ከምዝኽእል ይውረ ኣሎ። መሲ ብወገኑ ኣብታሪኹ ውድቀት ባርሳ ክርኢ ከምዘየደሊን እቲ ኣቀዲሙ ክዛረቦ ዝጸንሔት ውሽጣዊ …

Read More »

ባየር ሙኒኽ ን ባርሳን መሲን ብምዕናው ትግስግስ

ኣብ መድረኽ ፍርቂ ፍጻሜ 10 ሸቶታት ኣብዚ ምዕቡል ግዜ እሞ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ብ መሲ ትምራሕ ባርሶሎና ክምዝገብ ታሪክ ኮይኑ ክዝኸር እዩ ይብል ተንታኒ ስፖርት ሶኮርነት። ተጻወቲ ባርሳ ግዜ ምኣስ እያ ተኣኽለሎም እዮም ዝጽበዩ ዘሎዉ እምበር ኣብ ገጽ መሳኹቲ ተለቭዝዮን ከምዚ ኢሎም ክርኣዩ ኣይተዋሕጠሎምን ምኽንያቱ እዛ ንርእያ ዘለና ባርሳ ቅያር ተጻወቲ ዘይብላ ኣብራኻ ወለል ዝበላ ኣብ ሜዳ ዘየላ ጋንታ እያ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ተሃራፊ ጸወታ ቻምፒዮን ሊግ ባርሶሎና ዶ ባየር ሙኒኽ ?

መቐጸልታ ኣብ ከተማ ሊዝበን ፖርትጋል ዝካየድ ዘሎ ግጥም ቻምፒዮን ሊግ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ መን ሓልፈ ኣብ መንጎ ብ መሲ ትቅለስ ባርሶሎናን ነዚ ውድድር ብ 13 ሽቶታት ዝመርሕ ዘሎን ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ባሎን ዲኦር ክኸውን ልዑል ተክእሎ ዝነበሮን ሉዋንደሎስኪ ካብቲ መልእ ኣፍቀሪቲ ስፖርት ዝጽበዮ ዘለዉ ምንላባት እውና ይብል ጋዜጠኛ ስፖርት ቢቢሲ እቲ ዝሓየል ግጥም ናዚ ዓመት ክኸውን ይብል። እሞ ሉዋንደሎስኪ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com