Tuesday , April 30 2024

ካብዝን ካብትን

ሩስያውያን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓቂ ከጋውሑ 29 ስሙያት ደረስቲ ጸዊዖም።

ተሸለምቲ ኖቤል ዝርከቡዎም 29 ስሙያት ደረስቲ፡ ዜጋታት ሩስያ ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ሓሶትን ፕሮፓጋዳን ዘይኮነ እቲ ሓቂ ክጽብጽቡ ዝጽውዕ ክታም ምንባሮም ተገሊጹ። “ህዝቢ ሩስያ ንብርከት ዝበላ ዓመታት ሓሶታት መንግስቲ ክቕለብ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብታ ሃገር ናጻ ዘበለ ምንጪ ሓበሬታ ኲሉ ተዓጽዩ እዩ፥ መራሕቲ ተቓወምቲ ስልፊታት እውን ኣፎም ክዕበስ ተጌሩ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ከም ቃሕታአን ዜና ዝፍብርኻሉ ኲነታት እዩ ተፈጢሩ” ክብሉ እቶም ደረስቲ …

Read More »

UN ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን በጺሑ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝጅመር 10 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ኣፍሊጡ። ትማል ሰኑይ ጥራይ 1,735,068 ስደተኛታት ከም ዝምዝገበ ዝገለጸ UNHCR እዚ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረ መዓልቲ እተመዝገበ ኣሃዝ እንክወዳደር ናይ 200,000 ወሰኽ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ። ፍርቂ ካብዞም ስደተኛታት ቆልዑ ምዃኖም ማዕከን ቆልዑ …

Read More »

ሽወደናውያን ናብ ሩስያ ከይጐዓዙ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጒዕዞ መምርሒ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ፈደሬሽን ሩስያ ካብ ምጋሽ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ ክሳብ ብኻልእ ክሳብ ዝትካእ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢሉ’ሎ እቲ መምርሒ። ኣብዚ መጠንቀቓታ ሰፊረን ዘለዋ ካልኦት ሰለስተ ሃገራት ዩክሬይን፡ ቤላሩስን ሞልዶቫን እየን።.

Read More »

ሽወደን፡ ፈተነ ሲረና ተኻዪዱ።

ትማል ሰኑይ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መላእ ሽወደን ፈተነ ግዳማዊ ናይ መጠንቀቓት ሲረና ተኻዪዱ። እዚ ፈተነ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ወርሓት መጋቢት፡ ሰነ፡ መስከረምን ታሕሳስን ሰኑይ መዓልቲ ክካየድ እዩ። “ፈተነ ሲረና ክንገብር ዝደረኸና ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት እዩ። ሰባት ነዚ ሲረና ናይ ኲናት ወይ ካልእ መጠንቀቕታ ጌሮም ክወስድዎ የብሎምን” ክብል ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ተኽእሎታት ሃኬን …

Read More »

ብሰንኪ ኲናት ዩክሬይን ዕዳጋ ስቶክሆልም የንቈልቊል።

ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ ንግሆ ምንቊልቋል ብርኪ ሽወደን ኣጋጢሙ ምንባሩን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉን ተገሊጹ። ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብዚ ክሳራታቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እኳ እንተሓወየ ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ጀሚሩ ብቐጻሊ ምንቊልቋል ከአንግድ ምጽንሑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ኩናት ኣብ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ኣስዒብዎ ዘሎ ተወሳኺ ሰከም ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ …

Read More »

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ኣብ ዩክሬይን ኣለዉ።

ዓሰርተታት ኖርዌጃውያን ሕጂውን ኣብ ዩክሬይን ምህላዎም ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ካብ ወርሓ ጥሪ ኣትሒዙ ነዞም ዜጋታት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ክሕተቱ ምጽንሖም እቲ ሚኒስተሪ ሓቢሩሎ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ዜጋታት ናብ ዩክሬይን ከይጐዓዙ ከጠንቅቕ ምጽንሑን ሕጂ ኣብ ዩክሬይን ክንደይ ዝኣኽሉ ኖርዌጃውያን ከም ዘለዉ ልክዕ ኣሃዝ ሓበሬታ ከም ዘይብሎምን ሰብመዚ እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹሎ። “እንተኾነ ግና …

Read More »

ሽወደን ናብ ኔቶ ትጽንበርዶ ትኸውን? “እዚ ጒዳይ ዳግማይ ዘተ ክካየደሉ እዩ”

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይንን ንሱ ኣብ ኣውሮጳ ኣስዒብዎ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላውን ንሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን ውጥና ዳግማይ ናብ ዘተ ከተቕርቦ ክድርኽ ከም ዝኽእል ዋና ኣካያዲ ምርምር ትካል ኣህጒራዊ ጒድያት ሽወደን ያን ሃለንበርግ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር እንድሕሪ ኮይና እዚ ውሳነ ምስ ፊንላንድ ብምውህሃድ ክውሰድ ከም ዝኽእል ሃለንበርግ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ፑቲን ንሽወደንን ፊንላንድን ክወረን እየ እናበለ …

Read More »

ሽወደን እንተተጠቒዓ ብሪጣንያ ክትሕግዛ ምዃና ቃል ኣትያ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ወተሃደራዊ ተጻብኦ እንተፈጺማ ብሪጣንያ ንሽወደን ክትሕግዛ ድልውቲ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋለስ ገሊጹ። ንሱ እዚ ዝበለ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ደንማርካውን ሽወደናዊን መዘናኡ ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዩ። ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፒተር ሃልትክቪስት ነዚ ቃል ብሪጣንያ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተራት ምክልኽል ሰለስቲአን ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ ወተሃደራዊ ልምምድ ፕሮጀክት ጥሙር ወፍሪ ንምስታፍ ኣብ …

Read More »

ፊንላንድን ሽወደንን ምስ ኔቶ ዘለወን ዝምድና ከሐይላ እየን።

ትማል ሰንበት ብ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን ፊንላንዳዊት መዘናኣ ሳና ማሪን ኣብ ሄልስንኪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲአን ሃገራት ምስ ኔቶ ዘለወን ርክብ ከሐይላ ከም እተሰማምዓ ሳና ማሪን ገሊጻ’ላ። ማግዳሌና ኣንደርሾን እዚ ንፊንላንድ ዝገበረቶ ምብጻሕ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት እናሓየለ ዝመጸ ዝምድና እዩ ድሕሪ ምባል ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን “ዛጊት ንሽወደን ዝመጻ …

Read More »

ኖርወይ፡ ወጻእተኛታት ብቐሊሉ መለለይ ወረቐት ክረኽቡ ክግበር እዩ።

ወጻእተኛታት መዓልታዊ ህይወቶም ዝቐለለ መታን ክኸውን ብምባል መንግስቲ ኖርወይ መሰል መለለዪ ወረቐት ኖርወይ ክዕድል ምዃኑ ኣፍሊጡ። “ምቕማጦም ኣብ ኖርወይ ዝኾነ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት እተወልዱል ዓመትን ካልእን ዘመልክት ግዜያዊ ወረቐት መንነት ካብ ሃገራዊ ማእከል ምዝገብ ክወሃቦም እዩ። “በዚ ወረቐት መንነት ኣቢሎም ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ሕቶ መንነት ክምልሱ ክኽእሉ እዮም” ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ምድላው ህጹጽ እዋንን ፍትሒን ጸሓፊ መንግስቲ ኤሪክ ኢድሴ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com