Monday , May 6 2024

ዜና

ስቶክሆልም፥ ኣብ ስርሓት ህንጻ ብሰንኪ እተኸስተ ምውዳቕ ሊፍት ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሓደ ህንጻ ኣብ ጠቕሚ ዝውዕል ዝነበረ ሊፍት 20 ሜትሮ ንታሕቲ ብምውዳቑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ኣረጋጊጹ። ብቕድሚ ትማል ሶኑይ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሳንድባይበሪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሸለልትነት ዘጠቓልል ገበን ኣንጻር ጥዕናን ድሕነትን ስራሕ ከይከውን ይምርመር ኣሎ። ማዕከን ዜና ቲቲ ከምዝሓበሮ እቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ ህንጸት ብቐንዲ ኮንትራክተር ተቖጺሮም ዝነበሩ እዮም።

Read More »

ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃና ን ጽላት ኢንዱስትሪ ከዕቢ እዩ ተባሂሉ

ወከልቲ ኢንዱስትሪ ሽወደን ኣብ መጻኢ ኣባል ኔቶ ምስ ምዃና፡ ነቲ ኣብ ኖርላንድ መጓዓዝያ ጽዕነት ንምዕባይ ዝግበር ወፍሪ ትሕተ ቅርጺ ዓብዪ ፍናን ክኸውን እዩ ክብሉ ገሊጾም። ጒጅለ ስነኣግራብ ኤስሲኤ ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ካብ ኣዕጻዉ ብመካይን ጽዕነት የጓዕዞ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ናይቲ ኩባንያ ማግኑስ ስቨንሰን ድማ ካብ ኔቶ ብፍላይ ድማ ካብ ዶብ ኖርወይ ዝቐርብ ጠለባት ምምሕያሽ ምትእስሳር መጓዓዝያ ብፍላይ ድማ …

Read More »

ኣብ ዋዜማ በዓላት፥ ሕማማት ምስትንፋስ ክውስኹ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ

2023 ተሰናቢትና ሓድሽ ዓመት 2024 ንኽንቅበል ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘለወሉ ናይ በዓል ዋዜማ ምስ ስርዓተ ምስትንፋስ ዝተኣሳሰሩ ከምኒ Covid-19, ኢንፍሉኤንዛን RSV ብቐጻሊ ክውስኹ እዮም ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ይዂንምበር እዚ ተርእዮ ምውሳቕ ኮቪድ-19 ኣብ ህዝቢ ዘየድሊ ሻቕላ ክፈጥር ኣይግባእን ክብል ክኢላ ሕማማት ለበዳ ከምኡ’ውን ተጸዋዒ መንግስቲ ማግኑስ ጊስለን ኣስምረሉ’ሎ። “እዚ ምስፍሕፋሕ ሻቕላ ክፈጥረልና ኣይግባእን። …

Read More »

ኖርወይን ዓባይ ብሪጣንያን ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ዳግማይ ንምህናጽ ይሰማምዓ

ከም ኣካል ናይቲ ኖርወይ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ እትሃንጾ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት፡ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ባሕረኛታት ዩክሬን ከሰልጥኑ ምጽንሖም ተፈሊጡ፡፡ እዚ ንምክልኻል ገማግምን መስመራት ባሕርን ዩክሬን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ ጥምረት እዩ። ብዘይካዚ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ጥምረት ክጽንበራ ተዳልየን ኣለዋ። ሚኒስተር ምክልኻል ኖርወይ ቢዮን ኣሪልድ ግራም ትማሊ ሰኑይ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ …

Read More »

“ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ፒሳ የህልኹ”–መጽናዕቲ “ፊኒሽ ባሮሚተር”

ፉዶራ ዝተባህለ ኣገልግሎት ምብጻሕ መግቢ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ትእዛዝ መግቢ ንምግላጽ መጽናዕቲ ኣካይዱ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ተጠቀምቲ ናይቲ ብዓይነት ዝተዳለወ ፒዛ ክኾኑ እንከለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዝተፈላለዩ መግብታት ናይ ምስትምቓር ዝንባለ ከም ዘለወን ኣለልዩ’ሎ። ኣብ ጽድያ 2023 ብ ግሬት ፊኒሽ ፉድ ባሮሜተር” ንምርጫ መግቢ ክልቲኡ ጾታታት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ደቂ …

Read More »

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ።

ተዓዋቲት ኖቤል ፊዚክስ 2023 እቲ ሽልማት ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘሰክማ ገሊጻ። ኣን ል ሁይሊየር ኣብ ምፍራይ ኣቶሰከንድ ናህሪ ብርሃን ብዝተገብረ ሜላታት ፈተነ፡ ጎኒ ጎኒ ፒየር ኣጎስቲኒን ፈረንክ ክራውስን ኣብ 2023 ንሽልማት ፊዚክስ ተዓዊታ እያ። ንሳ ብዛዕባ እዚ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናይ ሓላፍነት ስምዒት ከም ዝስምዓ ትዛረብ፡፡ ”ሕጂ ከም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ክነብር ክግደድ እየ!” ትብል። ኣን ል ሁሊየር፡ …

Read More »

ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ የተኣታትዋ

ብተዛማዲ ዘይተለምደ ኣገባብ እኳ እንተኾነ ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ ምትእትታወን ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ ኣብ ናይ ግዜ ወረቐት ንዝፍጠር ጌጋታት ንምንካይ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ግጒይ ናይ ግዜ ወረቐት፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ መድሕን ነቲ ብጌጋ ናብ ኲባንያታት ኣባይቲ ክንክን ብሕቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ንኽምለስ ዝገብሮ ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብሕማም ሴረብራል ለምሲ ዝሳቐ ወዲ 24 ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ቤቱ ክንክን ዝረክብ ውላድ …

Read More »

ጥዕና ስደተኛታት ደቀንስትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ

ብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዳ ደቀንስትዮ ካብተን ኣብ ሽወደን ካብ ሽወደናውያን ዝውለዳ ዝኸፍአ ጥዕና ኣለወን ክብል ንመሰልደቂ ኣንስትዮ  ዝጣበቕ ጉጅለ ሎቢ ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ካብቶም ነቲ ጸብጻብ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን ብዙሓት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ፡ ተመኩሮታት ጸቕጢ፡ ተነጽሎን ማሕበራዊ ምግላልን ከም ዘጋጥመን ኣካፊለን ኣለዋ። “ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ዘይርጉጽ ኲነታት ምንባር ብቐሊሉ ዘይጋደፈካ ስቓይ እዩ” ትብል ሓንቲ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውሑዳት ገበናት ጽልኢ ተገሊጾም ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፖሊስ 4,788 ገበናት ምስ ገበን ምስዋር ጽልኢ ክምድብዎም እንከለዉ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መጽናዕቲ ዝተሓትመሉ 2020 ብ 24% ምንካይ ኣርእዩ’ሎ። ይኹን’ምበር እቲ ምኽንያት ናይቲ ምውራድ ንጸሓፍቲ ናይቲ መጽናዕቲ ቡዙሕ ንጹር ኣይኮነን። ድራኸ ናይቲ ገበናት ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ ዝብል ግምት እኳ እንተሎ ፡ ልዕሊ ፍርቂ ገበናት ጽልኢ ዓሌታዊ ወይ ጽልኢ ወጻእተኛ ድራኸ ዝነበሮ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። …

Read More »

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ጽልዋታት ኢሚግሬሽን ብጥንቃቐ ክምርምሩ ይጠልቡ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘምጽእዎ ቁጠባዊ ሳዕቤናት መርመራ ክጅመር ከም ዝደልዩ ተሓቢሩ። ጸሓፊ ሰልፊ ደሞክራትና ማትያስ ቢክስትሮም ዮሃንሰን “ፖለቲካ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ሓቅታት ዝተሃንጸ ክኸውን ይግብኦ እዩ” ክብል እዚ ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ቁጠባ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕደሩ ንምፍታሽ ዕማም ፍሉይ ክወሃቦ እዩ። ስደተኛታት ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com