Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ኣብ ስቶክሆልም ክልተ ምፍንጃራት ኣጋጢሙ።

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ መእተዊ ብሎክ ግርምስታን ኣጋርሞሰን ክልተ ምፍንጃራት ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ። በዚ ምፍንጃር ዝተጎድአ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ እተፈልጠ ነገር የለን። እንተኾነ ግና ህንጻ ግሪስምስታ ዘይነዓቕ ዕንወት ወሪድዎ’ሎ። ምስዚ ምፍንጃር ብዝተተሓሓዝ፡ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ክኣትዉ እንከለዉ፡ ፖሊስ ነዚ ምፍንጃር ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ኣብ ቫሊንቢ ምስ ዘጋጠመን ህይወት ዝቐዘፈን ናይ ብረት መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎ እንተኾይኑ ንምምርማር …

Read More »

ኖርወይ፥ ብምኽንያት ጽንብል ሓድሽ ዓመት ብዝተተኮሰ ርችት ናይ ዓይኒ መጒዳእቲ

ሓሙሽተ ቆልዑ ዝርከብዎም ዓሰርተ ሰባት፡ ብምኽንያት ጽንብል ሓድሽ ዓመት ብዝተተኮሰ ርችት ናይ ዓይኒ መጒዳእቲ በጺሕዎም። ሰለስተ ካብዚኣቶም ክብድ ዝበለ ማህሰይቲ ክወርዶም እንከሎ፡ ብሰንኪዚ ናይ ምርኣይ ዓቕሞም ብዘይንዓቕ መጠን ክጎድል ከም ዝኽእል፡ እቶም ዝተረፉ ግና መጠነኛ ጒድኣት ጥራይ ከም ዝበጽሖም ነባር ክሊኒክ በርገን ገሊጹ’ሎ። ክልተ ካብዞም ኣርባዕተ ተጎዳኣቲ፡ ኣብ ጎደና ኮይኖም ርችት ክትኮስ ይዕዘቡ ምንባሮም፡ እንተኾነ ግና ናይ መከላኸሊ መነጽር ወድዮም …

Read More »

ፍረድሪክ ዮሃንሰን 2780 ኲንታል ጎሓፍ ካብ መዓሙቕ ቀላይ ሬና ማላረን ኣጽርዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ፍረድሪክ ዮሃንሰንን ውድቡ “ጽሩይ ቀላይ ሬና ማላረን” ብጠቕላላ 278 ቶን ማለት (2780 ኲንታል) ጎሓፍ ካብ መዓሙቕ ቀላይ ከም ዘጽረዩ ተገሊጹ። “ሬና ማላረን” ከተማ ስቶክሆልም እተደኮነትሉ ቀላይ እዩ።  ካብቲ ዝወጸ ጎሓፍ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ ትጒቱግ፡ 320 ኲንታል ባተሪ ጀላቡን ከም ዝርከቦ እቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ። ሽወደን ብማይ ዝመጸ ኣያ ዝተዓደለት ሃገር እያ፡ እንተኾነ ግና እዚ ማያት ክንክን የድልዮ እዩ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዝወሃብ ዘሎ ሰዓታት ምህሮ “ቋንቋ ምልክት” እዂል ኣይኮነን ተባሂሉ።

ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ሽወደን፡ ወለዶም ናይ ብ “ስርዓተ ክንክን ጥዕና” ናይ 240 ሰዓታት ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” ክወስዱ ከም እተገብረ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ኤጀንሲ ፍሉያት ጠለባት ትምህርቲ እዚ ኣዂል ኣይኮነን፡ ወለዲ ዝያዳ ሰዓታት ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” የድልዮም እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኣብ ኖርወይ፡ ወለዲ ክሳብ 1600 ሰዓታት ዝኸውን ትምህርቲ “ቋንቋ ምልክት” ከም ዝወስዱ እቲ ኤጀንሲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ሽወደን …

Read More »

ካብ ባሕቲ ጥሪ እዚ ሓድሽ ዓመት ንነጆ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ሕጊታትን ምትግባር ይጅምሩ ኣለዉ።

ካብ ባሕቲ ጥሪ እዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣብ ሽወደን ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ሕጊታት፡ እንተላይ ለውጢታት ቀረጽ ናብ ትግባረ ከም ዝውዕሉ ተገሊጹ። ገለ ካብዚ ለውጢታት፡ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሰባት ክሳብ 69 ዝመልኡ ምስራሕ ክቕጽሉ ክፍቀደሎም ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2008ን ድሕሪኡን ዝተወልዳ ደማሙ ወነንተን ኣብ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ከመዝግብወን ዝብል እዩ። “ብዙሓት ወንነቲ ዘይብለን ፋሉላት ደማሙ ክህልዋና ኣይንደልን ኢና” ክትብል ኣብ ቦርድ ምምሕዳር …

Read More »

ኮተቴ ገበነኛታት ካብ ዝግብኦም ንላዕሊ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ይግበር ምህላዉ ተቓሊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ኣመክሮን ን ትሕቲ ዕድመ ገበነኝታት ካብቲ ብሕጊ ዝግብኦም ሰዓታት ንላዕሊ ተኣሲሮም ክጸንሑ ምግባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊዓ። ካብ 15-17 ዝዕድሜኦም ኮተቴ፡ መዓልታዊ ክሳብ ኣርባዕተ ሰዓታት ምስ ካልእ ሰብ ክጸንሑ ዝድንግግ ሓድሽ ሕጊ፡ ዓሚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ትግባረ ምውዓሉ ዝፍለጥ እዩ። “ሕጊታት ይጠሓስ ኣሎ” ክብል ኣካያዲ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ኣመክሮን ዊልሀልም ግረቪክ ገሊጹ’ሎ።  

Read More »

ዮተበሪ፡ ወጻኢታት ጸዓት ንምቚጣብ ሙቐት ክላሳት ከም ዝጎድል ክግበር እዩ።

ከተማ ዮተበሪ ወጻኢታት ጸዓት ንምቚጣብ፡ መጠን ሙቐት ክላሳት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝጎድል ክትገብር እያ ተባሂሉ። ፖለቲከኛታት ዮተበሪ ን ጋዜጣ “ዮተበርስ-ፖተን’ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም እታ ከተማ መጠን ሙቐት  ካላሳት ኣብ ዊንተር ክሳብ 18ºC ከም ዝጎድል ክግበር እዩ። ከተማ ዮተበሪ ተህልኾ መጠን ጸዓት ኤለትሪክ ብ 5% ከም ዝጎድል ንምግባር፡ ቦርድ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሳነ ከም …

Read More »

ካብ መካነ እንስሳ ዘምለጠ ኮብራ ሃለዋቱ ተፈሊጡ።

ቅድሚ ሰሙን ካብ መካነ እንስሳ ስካንሰን ዘምለጠ ተመን ኮብራ ሃለዋቱ ተፈሊጡ። እቲ ኮብራ ብድሕሪ መንደቕ ሓጹር እቲ መካነ እንስሳ ብካሜራ ከም እተረኽበ ኣካያዲ እቲ መካነ እንስሳ ዮናስ ቫልምስትሮም ገሊጹ’ሎ። ቫልምስትሮም ን ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ “ሰር ቫዝ” እንተባህለ ዝጽዋዕ መርዛም ተመን ብፍሉያት ናይ ቱቦ ካሜራታት ሃለዋቱ ክርከብ ከም እተኻእለ ኣመልኪቱ’ሎ። ነቲ ተመን ከይህሰ ኩሉ ጥንቃቐታት እናገበርና፡ ነቲ …

Read More »

ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሽወደን ካብ ጽንብል ኖቤል ተሰሪዙ።

ዝመጽእ 10 ታሕሳስ ኣብ ዝካየድ ጽንብል ሽልማት ኖቤል፡ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ሽወደን ንኸይሳተፍ ከም እተሰረዘ ተፈሊጡ። ብምኽንያት “ኣብ ኢራን እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ኲነታት” እቲ ኣምባሳደር ኣብዚ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝካየድ ደሚቕ ናይ ሽልማት ኣጋጣሚ ከም ዘይዕደም “ፋውንዴሽን ኖቤል” ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ ልኡኻት ሩስያን ቤላሩስን ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ጽንብል ኖቤል ከይሳተፉ ተኣጊዶም ኣለዉ።

Read More »

ኤጀንሲ መጓዓዝያ፡ ናይ “A-tractor” ብዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ ሕጂ፡  ብተበተብ ዝተገብረ ምዃኑ ተኣሚኑ፡፡

ዘመናውያን መካይን፡ ናብ “A-tractor” ተመሓዪሸን ከም ዝስንዓ ንምግባር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝወጸ ሕጊ፡ ተበተብ ዝመልኦ ምንባሩ ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ መጉዓዝያ ሽወደን ዮናስ ብየልቨንስታም ተኣሚኑ። “A-tractor”  ኮተቴ ብትሑት ፍጥነት ንኽዝውርወን ተባሂለን ዝተሰንዓ ኮይነን፡ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ክረኣያ ጀሚረን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ። ፖሊስ ነቲ ሕጊ ዘለዎም ተቓውሞ ክገልጹ ምጽንሖም፡ ከምኡውን ብየልቨንስታም  “እቲ ናይ መርመራ ግዜ ንውሕ ክብል ኔርዎ” ኢሉ ከም ዝኣምን P4 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com