Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

መዓልታዊ 6,000 ስጒምቲታት ምጒዓዝ ንጥዕና ሓጋዚ እዩ ተባሂሉ።

መዓልታዊ ክሳብ 6000 ስጒምቲታት ምጒዓዝ ጥዕናኻ ንምምሕያሽ ሓጋዚ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ክሳብ 4.8 ኪሎሜትር ክበጽሕ ይኽእል እዩ ክብል ፕሮፌሰር ስፖርት ፒተር ሻንዝ ገሊጹ’ሎ። መዓልታዊ 6000 ስጒምቲታት ምጒዓዝ ካብ ብዙሓት ሕማማት ክከላኸል ከምዝኽእል እቲ መጽናዕቲ የብርህ።  

Read More »

31 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ኣብዚ ዓመት ብብረት ዝተኸስቱ 55 ቅትለታት፡ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ዝተፈጸሙ እዮም ተባሂሉ። ፖሊስ ድሕሪዞም ቅትለታት ብርክት ዝበሉ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣብዚ ጒዳይ፡ ብፍላይ ወንጀለኛታት ኢድ-ብኢድ ኣብ ምሓዝ እናመሓየሽና ኢና ንመጽእ ዘሎና” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ስቶክሆልም ማትስ ሉፊን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ነቲ ብ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ዝቐረበሉ ነቐፌታ መልሲ ሂቡ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ነቲ ብ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ዝቐረበሉ ነቐፌታ መልሲ ሂቡ። ኣብ እዋን ሳመር ኣብ ዝተኻየደ ኣድማ ሰራሕተኛታት እቲ መንገዲ ኣየር ንዓማዊሉ ብ ኢ-ሜይልይን ጽሑፍን እኹል ሓበሬታ ኣይሃበን ብምባል ኤጀንሲ ሸመቲ ሽወደን ክሲ ከቕርበሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መንገዲ ኣየር፡ እቲ ዝሃቦ ሓበሬታ ብኸመይ እኹል ኣይኮነን ከም እተባህለ ከም ዘይተረድኦ፡ ኣብ ስርሒታት ተለኮም ክንደይ ዝኣክል ናይ ጽሒፍ …

Read More »

ኣብ ስቨንስካ ሓደ ኮተቴ ብጥይት ተቐቲሉ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ኣብ ከተማ ስቨንስካ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ ኣብ መንገዲ ብሽክለታ ብብርቱዕ ቆሲሉ ከም አተረኽበን፡ ፖሊስ እታ ከተማ ወፍሪ መርመራ እዚ ወንጀል ጀሚሮም ምህላዎምን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እቲ ኮተቴ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ምሟቱ እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።  

Read More »

“A-tractors” ዝተባህላ መካይን ኮተቴ ሓደጋ የስዕባ ምህላወን ተገሊጹ።

“A-tractors” ዝተባህላን ክሳብ 30 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ክፈጥና ተመሓዪሸን እተሰንዓን መካይን ብብዝሒ ንሓደጋ ትራፊክ ይቃልዓ ምህላወን ተገሊጹ። እዘን መካይን ኮተቴ ዝዝውርወን ኮይነን፡ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት በዚ ሓደጋ ምሟቶም ተፈሊጥ’ሎ። 80% ካብዘን መርመራ እተኻየደለን መካይን “A-tractors” ካብቲ ዝተወሰነለን ፍጥነት ንላዕሊ ክንህራ ዝገብር ናይ ሞተረ ምትዕርራይ ከም ዘለወን ፖሊስ ገሊጾም ኣለው። በዚ ድማ ሓድሽ ሚኒስተር ትሕተ-ቕርጺ ኣብ ጒዳይ ሕጊታት …

Read More »

ድሕሪ ምርጫ ንመጀመርታ ግዜ ክትዕ ባይቶ ተኻዪዱ።

ድሕሪ ምርጫን ምቛም ሓድሽ መንግስቲን፡ ትማል ረቡዕ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝተኻየደ ፋልማይ ክትዕ ኣንፈት መጻኢ ፖለቲካ ሽወደን ክንጸር ከም እተኻእለ ይግለጽ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ኣብ ሽወደን ሓድነት ከም ዘድሊ ድሕሪ ምግላጽ መጠን ናይቲ ንመንግስቲ ዝጽበዮ ዘሎ ዕማማት ዘርዚሩ’ሎ። ተቓወምቲ ሰልፊታት ብወገነን፡ ሰልፊ ዴሞክራሲ ዋላኳ ኣካል ናይዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣይዂን፡ ኣብ ባይቶ ን ክሪስተርሰን ብምድማጹ ጥራይ ኣካል ናይቲ ትሓታትነት …

Read More »

ን 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥ ኢራናዊ ኣብ 94 ዓመቱ ዓሪፉ።

ብ መራኸቢ ብዙሃን ዓለምና “ዝረስሐ ሰብ” እናተባህለ ዝጽዋዕን፡ ን ልዕሊ 50 ዓመታት ኣካላቱ ተሓጺቡ ዘይፈልጥን ኢራናዊ ባሕታዊ፡ ኣብ መበል 94 ዕድሜኡ ዓሪፉ። ቅድሚ ሞቱ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐድም ኣቢሉ ሓንሳብ ከም እተሓጽበ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ማይን ሳሙናን ከሕምመኒ እዩ ዝብል ፍርሒ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ከይተሓጽበ ክጸንሕ ከም ዝገብሮ ወሲኻ ጸብጺባ። ኣብ ደቡብ ኢራን ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ፋርስ ዝቕመጥ እዚ ባሕታዊ ደቂዓዱ …

Read More »

ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ ዝተገብረ ወፍሪ ክደናጐ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ሓድሽ የማናይ ቀጽሪ መንግስቲ ክሪስተርሰን ዝኣተዎ ስምምዓት፡ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ ዝሃሲ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ኢንዱስትሪ ጸዓት ንፋስ ሻቕላኦም ይገልጹ’ለዉ። እዚ ኣብ ጒዳይ መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ እተበጽሐ ሰነዳዊ ስምምዕ ነቲ ኣቐዲሙ እተበጽሐ ስምምዓት ዝስርዝ ምዃኑ ቀንዲ ምኽንያት ሻቕሎት እዞም ክኢላታት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊታት ተወጢኖም ዝጸንሑ ወፍሪታት ክደናጎዩ ይኽእሉ እዮም–ብመሰረት መግለጺ ማሕበር መመንጨዊ ጸዓት ንፋስ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ይትስፈዉ።

ኣብ ሉድቪካ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት “ሂታቺ ኤነርጂ” ንክብሪ ናብራ ኣብ ግምት ዘእተወ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ተስፋ ጌሮም ምህላዎም ገሊጾም። መጠን ዝቕባበ ክብ ከም ዝብል ዝገብር እዩ ብምባል፡ ማሕበራት ንግድ ኣብ ምውሳኽ ደሞዝ ጥንቃቐ ክግበር እየን ዝመኽራ። ሰራሕተኛ ፋብሪካ ሚካኤል ፐርሾን “ኲልሳዕ ናይ 2.5% ወሰኽ ሸቶ ኢና ክንገብር ጸኒሕና፡ መታን ናይ 4 ወይ 5% ክንረክብ ስለምንታይ ብሓንሳብ ናይ 10% ሸቶ ዘይንገብር” ክብል …

Read More »

ሽወደን ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ከም እትደሊ ገሊጻ።  

ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዎ ከም ዝደሊ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደንን ፖል ጆንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምጽንባር ኣብ ጒዳያት ወጻኢ መንግስቲ ሽወደን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት እዩ ዝበለ ጆንሰን፡ ቱርክን ሃንጋሪን ኣብዚ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዕንቅፋት ኮይነን ምህላወን ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ሽወደን ን ዩክሬይን ምዕቡላት ኣጽዋር ብሓገዝ ክትህብ ምዃና ጆንሰን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com