Monday , May 6 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን ምስ ሰልፊ ዴሞክራስያዊ ሽወደን ይሰርሕ ብምህላዉ ተነቒፉ።

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ “ኣውሮጳዊ ቆንስል” ኣመልኪቱ መደረ ንምስማዕ ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ኣውሮጳ ከም እተረኽበ ተገሊጹ። እዚ መደረ ባይቶ፡ ብኽትዕ እተሰነየ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። ምስ ሰልፊ ዴሞክራስያዊ ሽወደን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ፡ ገለ ካብቲ ን ቀ/ሚ ክሪስተርሰን ዝቐረበሉ ነቐፌታ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ መልሱ፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ መንግስቲ ዘይንቡር ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ተመሳሳሊ ኣገባብ …

Read More »

ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ምጒዳል የርኢ’ሎ።

ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ኣብ ዝሓለፋ 60 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ ተገሊጹ። ካብ 1000 ደቀንስትዮ 6.77 ጥራይ ምውላደን እዚ ኸኣ ዝለዓለ ምጒዳል ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 1.4118 ቢልዮን እዩ ኔሩ። ምስ 2021 ብምውድዳር ከኣ ብ 850,000 ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ። ቻይና ነቲ “ሓደ ቆልዓ ጥራይ ምውላድ” ዝብል ፖሊሲኣ ካብ እትስርዞ ሾብዓተ ዓመታት እኳ እንተገበረት፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ።

ብምኽንያት ሕማቕ ልማድ ብልዒን መስተን ዝኽሰት ጒድለት ጥዕና እናወሰኸ ምምጽኡ ን ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሰባት ዝያዳ ጥዕና ዝህብ ኣበላልዓ ኽስዕቡ መታን መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ድማ ለበዋኡ ኣቐሚጡ’ሎ። ብርክት ዝበላ ሃገራት እዚ ኣገባብ ከም ዝኽተላ ዝፍለጥ እዩ። “ኲሉ ሓላፍነት ኣብ …

Read More »

ኣብ ሰራዊት ሽወደን ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ መጺኦም።

ብምኽንያት ልዑል ረቛሒታት ኣብ ሰራዊት ሽወደን ምስራሕ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ ምምጽኦም ተገሊጹ። ኣብ ክንዲዚ ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ሰባት ተጣዪሶም ዶክተራትን ሲቪላዊ መሃንድሳትን ክኾኑ ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። “ኣብ ዝተናውሐ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ክኾኑ ዝደልዩ ከነትርፍ ከድልየና እዩ” ክብል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ሚካኤል ባይደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሓገዝ ኣታዊ እናተገብረሎም ዝናበሩ ብቚጽሪ እናጎደሉ መጺኦም።

ክብሪ መነባብሮ እኳ እንተተኸስተ፡ ናይ ኣታዊ ሓገዝ እናተገብረሎም ዝናበሩ ሰባት ግና ብቚጽሪ እናጎደሉ ምምጽኦም ተገሊጹ። እዚ ቊጽሪ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓላፋ 18 ኣዋርሕ ምስ ዝነበረ ኣሃዝ እንክወዳዳር፡ ገዚፍ ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ—ብመሰረት ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ 2015 ንሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ርእሶም ክኢሎም ምህላዎም እዩ ክብል፡ ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ጒዳያት (ሶሻል ወርክስ) ቶፒዮ ሳሎነን ይገልጽ። ይዂንምበር ሽቕለት …

Read More »

ሩስያ ኣብ ሽወደን እተካዶ ኣገባብ ስለያ ከም ትቕይር።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ከተካይዶ ዝጸንሐት ኣገባብ ስለያ ብምቕያር፡ ብሓድሽ መልክዕ ትንቀሳቐስ ምህላዋ፡ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን (Säpo) ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ሽወደን ማእከል መዋፈሪ ስለያዊ ንጥፈታት እኳ እንተነበረ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ (እንተላይ ሽወደን) ንኣባላት ኤምባሲ ካብ ሃገረን ድሕሪ ምስጓጐን፡ ሩስያ ኣገባብ ስለያኣ ምቕያራ Säpo ገሊጹ። “ሩስያ ን ዲያስጶራ ሩስያውያን፡ ከምኡ’ውን ንትካላትን መድረኻትን ሽወደን ከም ምንጪ ስለያዊ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ን ሕጊ ፍቓድ ትልሂት ክስርዝ እዩ።

ን ሕጊ ፍቓድ ትልሂት ክስርዝ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን ኣፍሊጡ። እዚ ሕጊ ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ኣብ ትግባረ ዝጸንሐ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ሰባት ኣብ ኣብያተ መግቢ ከምኡ’ውን ለይታዊ ትልሂታት ዓማዊል ንኽስዕስዑ ፍሉይ ፍቓድ ከውጽኡ ዝሓትት እዩ ኔሩ። “ዓመት መጸ ናይ መስተን ትልሂት ፍቓድ ክንሓትት ሞኽታና ኢና ንበልዕ ኔርና” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሶድራ ቲያትረን ሳሙኤል ላውላያይኔን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝቕባበ ብናህሪ ይውስኽ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝቕባበ ናብ 10.2% ክብ ኢሉ ምንባሩ ዝሓለፈ ዓርቢ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ምስቲ ኣብ ወርሓ ሕዳር ኣብ 9.5% ዝነበረ ዝቕባበ፡ ከምኡውን ምስ ትጽቢት ክኢላታት ብምውድዳር ዝለዓለ ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። “ዝዓበየ ምኽንያት ናይዚ ዝቕባበ፡ ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ዝነበረ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት እዩ ኔሩ” ክብል ኣብ ባንክ SEB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ የንስ …

Read More »

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ ንኖርላን ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ።

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ፡ ንመዘናኡ ሽወደናዊ ኣንደርሽ ኖርላን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንኣንካራ ክበጽሕ ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ብምስሊን ቊመትን ፕረሲደንት ዒርዶጋን እተሰርሐ ባምቡላ ኣብ ህንጻ “ሲቲ ሆል ሽወደን” ብእግሩ ጠል ጠል ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ። እዚ ፍጻመ ካብ ቱርክ ተሪር ግብረመልሲ ከም እተዋህቦ፡ ሰብ መዚ ቱርክ ኸኣ እዚ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ምጽውዖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። …

Read More »

ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ ምስ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ከተማ ኪሩና ተራኺቦም።

ኲሎም ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ከምኡ’ውን መላእ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ሰሚናዊ ጫፍ ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ኪሩና ናይ መላለዪ ርክብ ይገብሩ’ለዉ። እዚ ርክብ ን ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ “ኣውሮጳዊ ኮሚሽን” ኣመልኪቱ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዛ ብዕደና እተፈልጠት ኣርክቲካዊት ከተማ ኪሩና፡ ጸጥታ ሓዪሉ፡ ዕደና ኸኣ ንግዜኡ ክቋረጽ ተጌሩ ምህላዉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣብ ኪሩና ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ይካየድ ምህላዉ ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ምኽንያቱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com