Monday , April 29 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኣብ በዓል ልደት፡ ውድብ መሰል ህጻናት “ብሪስ” ዝበዝሐ ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ተቐቢሉ።

ውድብ መሰል ህጻናት “ብሪስ”፡ ኣብ እዋን ልደት ዝለዓለ መጠን ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ከም እተቐበለ ገሊጹ። ዝበዝሐ ካብዚ ጻውዒታት፡ ምስ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝተተሓሓዙ ምንባሮም እቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ። ልዑል ዋጋ ጸዓትን ዝቕባበን ኣብ 2023 እንተቐጺሉ፡ እዚ ናይ ሓገዝ መስመር ዝያዳ ሰራሕተኛታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።  ኣብዚ ናይ ልደት በዓል ብሪስ 2400 ጻውዒታት ምቕባሉ፡ እዚ ኸኣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ብ …

Read More »

“ህዩማን ራይትስ ዎች” ን ሽወደን ነቒፉ።

ሽወደን፡ ኣባል ኔቶ ንምዃን ምስ ቱርክ እትገብሮ ዘላ ናይ ምቅርራብ ኣገባብ፡ ብ ውድብ “ኣህጒራዊ ሰብኣዊ መሰላት” ከምኡ’ውን “ህዩማን ራይትስ ዎች” ተነቒፉ። “ሽወደን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ክትብል፡ ቱርክ ንእትፍጽሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ርእያ ከም ዘይረኣየት ትኸውን ምህላዋ ህዩማን ራይትስ ዎች ከም ዘሻቐሎ” ፈጻሚ ዳይረክተር እቲ ውድብ፡ ቲራና ሓሰን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። “ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም …

Read More »

ሙሓረም ደሚሮክ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት ሰልፊ ማእከላይ ገሊጾም።

ሰልፊ ማእከላይ፡ ብ ኮሚተኡ ኣቢሉ ሙሓረም ደሚሮክ ክመርሖ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት እቲ ውድብ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም። ኣባላት ሰልፊ ማእከላይ፡ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 2 ሓድሽ መራሒ ንምርቋሕ ከድምጹ እዮም። እቶም ሕጹያት ከኣ ሙሓረም ደሚሮክ፡ ኤልሳቤጥ ታን ሪንቪስት፡ ከምኡውን ዳንኤል ባክስትሮም እዩ። ደሚሮክ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ ኣብዚ ምድማጽ መሪሕነት ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ኢሉ ከም ዘይሓስብ፡ ምክትል …

Read More »

ኤሪክሰን ምስ ዳዕሽ ብዝተተሓሓዝ ጒዳይ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ከፊሉ።

ጒጅለ ተለኮም “ኤሪክሰን”፡ ን ግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ ሂብዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ጉቦ ኣመልኪቱ፡ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ምኽፋሉ ተገሊጹ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ገለ ሰራሕተኛታት ኤሪክሰን ንኣባኣት ዳዕሽ ጒቦ ሂቦም እቲ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ኣብ ዝቆጻጸሮም ቦታታት ዒራቕ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም እቲ ኲባንያ ተኣሚኑ እዩ። ኣብ ዓመታት 2011-2019 ሰፊሕ ከባቢታት ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ዳዕሽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣመሪካ ከምዚ …

Read More »

18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም እዩ።

ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት 18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን መሰረታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ምዕስካር ሒደት ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተኣታተወ እኳ እንተኾነ ብኽንድዚ ዝኣክል ቊጽሪ መንእሰያት ን ውትህድርና ክሕጸዩ ግና እዚ ጽድያ ፋልማዩ እዩ። “ውትህድርና ከም ጽቡቕ ተመኲሮ እየ ዝርእየ፡ ከም ሞያ ክሕዞ እውን እደሊ እየ” ክትብል ኣብ ካርልስታን ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኢዳ ጉልበርግ ን …

Read More »

ቆልዑን መንእሰያትን ኣባይቲ ክንክን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይግበሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ግዱድ ኣባይቲ ክንክን መንእሰያትን ዝሰርሑ ኣባላት፡ ቆልዑን መንእሰያትን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይገብሩ ምህላዎም ሎሚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ጎነጽን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን ብፍላይ ደቀንስትዮ ዝያዳ ግዳያት ይኾና ምህላወን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ኣባይቲ ግዳያትወልፊ ዕጸፋርስ ወይ ገበን ዝኾኑ ወይ ፍርዲ ዝተበየኖም ከም ዝቕመጡሎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ንሓደ …

Read More »

ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒ ማእከላይ ሰልፊ ክኸውን ተሓጽዩ።

ኮሚተ ምስያም ማእከላይ ሰልፊ ሎሚ ን ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒኡ ክኸውን ሕጽዩዎ። ኣኒ ሉፍ ን 11 ዓመታት ነቲ ሰልፊ ድሕሪ ምምራሕ ዝሓለፈ ምርጫ ክካየድ ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ተረፎ ካብ ምዝነታ ብፍቓዳ ምውራዳ ዝዝከር እዩ። ሙሓረም ደሚሮክ ኣብ 1990ታት ብ ክልተ ክሲታት መጥቃዕቲ ተፈሪዱ ኔሩ እዩ። ኣብ ክንዲ በቲ መንእሰይ እናሃአወ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ በዚ ሕጂ ዘለዎ ጥራይ ክረአን ክግምገምን …

Read More »

ውድባት ኣከባቢ “”እዚ ጒዳይ ኣቓልቦና ካብ ኣዝዩ ኣገዳሲን ልዝብ ዘድልዮን ዛዕባ ከነላግስ ክገብረና እዩ”

ውድባት ኣከባቢ ነቲ ኣብ ተወሰኽቲ ቦታታት ዝያዳ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክህነጻ ዘፍድ ሕጊ ክወጽእ ዝብል ብመንግስቲ ሽወደን ዝቐረበ እማመ ከም ዝቃወማ ገሊጸን።  ኑክሌራዊ ጸዓት ናይ ባዕሉ ሽግራት ሒዙ ከም ዝመጽእ፡ ን ቅልውላው ጸዓት ፍታሕ ከም ዘይከውን፡  ነቲ ለውጢ ክሊማ ንምቅላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ካብ ምድንጓይ ዝሓልፍ ምንም ካልእ ረብሓ ከም ዘይብሉን ብምግላጽ ነዚ እማመ ዘለወን ተቓውሞ ኣስሚዐን። “እዚ ጒዳይ ኣቓልቦና ካብ …

Read More »

ተወሰኽቲ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክህነጹ ዘፍቅድ ለውጢ ሕጊ ክግበር፡ መንግስቲ እማመ ኣቕሪቡ።

ኣብ ሽወደን፡ ተወሰኽቲ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክህነጹ ዘፍቅድ ለውጢ ሕጊ ክግበር፡ መንግስቲ እማመ ኣቕሪቡ። ብመሰረት ህሉው ሕጊ፡ 10 ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክህነጻ ዝፍቀድ ኮይኑ፡ ሪኣክተራት ኣብ ዝጸንሕሉ ቦታታት ጥራይ ምህናጽ ከም ዝከኣል ይድንግግ። ካብ 10 ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ሽወደን እተን 6 ጥራይ ኣብ ስራሕ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ። እዚ እማመ መንግስቲ ተቐባልነት እንድሕሪ ረኺቡ፡ ናእሽቱ ኑክሌራዊ ሪኣክተራት ክሃንጻ ንዝደልያ ኲባንያታት ከርብሓ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብ ያታ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣደማምጻ ፊደል “ረ” ይቕየር ኣሎ።

እቲ ደቡባዊ ሽወደን ብ ያታ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣደማምጻ ፊደል “ረ”፡ ናብቲ ኣብ ዞባ ማእከል ዝዝውተር ኣደማምጻ ይቕየር ምህላዉ ሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። 11 ዝዕድሜኡ ማክስ ካርልሰን ሓደ ካብ ኣብነታት እዚ ተርእዮ እዩ። ስድራኡ ዳርጋ ኲሎም ከምቲ ናይ ደቡብ ጌሮም ዘድምጹ እኳ እንተኾኑ፡ ንሱ ግና ብዝተፈየ ኣገባብ እዩ ንፊደል “ረ” ዘድምጻ። ተመሃሪት ማዕርግ ዶክተር ግሬታ ሆርን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ “ስካነ” ዝርከቡ ቆልዑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com