Monday , April 29 2024

ዜና

ፓርላማ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምራጽ ድምጺ ክህብ እዩ

መራሒ ሶሻል ደሞክራት ስቴፋን ሎፍቨን ዝቕጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ይኹን ዶ ኣይኹን ንምውሳን ሓገግቲ ኣካላት ድምጺ ከም ዝህቡ ኣፈኛ እቲ ፓርላማ ዝሓለፈ ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድርያስ ኖርለን ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ (3 ታሕሳስ) ንሎፍቨን ብወግዒ ከም ሕጹይ ከቕርቦ እዩ። ኣብቲ ዕለት እቲ ሎፍቨን እውን ኣብቲ እንተተመሪጹ ዝምስርቶ መንግስቲ ነየኖት ሰልፍታት ከም ዘእቱ ነቲ ኣፈኛ ከፍልጦ ትጽቢት …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ን ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ካብ Refugee on the Move

ናብ ኡጋንዳ ዝኣትው ዘለው ኤርትራውያን ሓደስቲ ስደተኛታት ክፈልጥዎምን ክህልውዎምን ዘገድሱ ሓበሬታታት ካብ መፋርቕ ናይ’ዚ ዓመት ጀሚሩ ልዑል ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ይምዝገብ ኣሎ። ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ካብ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ኡጋንዳ ዝኣትው ናይ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ኣዚዩ ልዑልን ኣተሓሳሳብን እና ኰነ ይኸይድ ኣሎ። ናብ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ምእታዎም፡ ኦልድ ካምፓላ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ተደኲኑ …

Read More »

ሽወደን የመናዊት ጋዜጠኛ ከተባርር ትደሊ።

ጉዳይ ፍልጥቲ የመናዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ እናሰሓበ ይመጽእ ኣሎ። ሰብ መዚ ስደተኛታት ሽወደን ናብ ቼክ ሪፓብሊክ እዮም ከባርርዋ ዝደልዩ ዘለዉ። ሒንድ ኣል- ዒርያኒ ንዓኣን ንጓላን ስም ኣልቦ ናይ መፈራርሂ መልእኽቲ ክበጽሓ ምስ ጀመረ እያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኮተቴ ጓላ ካብ ቱርኪ ንሽወደን መጺኣ። ናብ ሽወደን ክመጻ ዝመረጻሉ ምኽንያት ኣዲኣን ሓብታን ንሒንድ ኣብ ሽወደን ስለዝቅመጣ እዩ። እዚ …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት ተቐማጢ ከተማ ኤስኪልስቱና ብጥይት ተቐቲሉ።

ትማል ምሸት ፖሊስ ናይታ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝቕመጡላ ዞባ ኔቩሽ ጸብጻብ ገበን በጽሕዎም። ፖሊሰ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ምስበጽሑ ሓድ ብጥይት ዝቖሰለ ሰብ ረኺቦም። እዚ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ዓሪፉ’ሎ። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብቲ ገበን እተፈጸመሉ ቦታ ሸሞንት ሰባት ክሃድሙ ከም ዝረኣየን ብዙሕ ድምጺ ተኹሲ ከም ዝሰምዐን ገሊጹሎ። ፖሊስ ኣብቲ ሓበሬታ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።

Read More »

ኣብ ገዝኡ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘጽንሐ ጃፓናዊ ተታሒዙ::

ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁሸት፡ ዝተቖራረጸ ኣካላት ናይ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ገዝኡ ዘጽንሐ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ፍራን24 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ወዲ 27 ዓመት ታካሂሮ ሺራይሺ፡ ነቲ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለየ መዝሓሊታት ድሕሪ ምዕሻግ፡ ደማምኡ ኣብ ዝድቅሳሉ ክፍሊ ኣቐሚጥዎ ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ፖሊስ፡ ንሓንቲ ብሕጊ እትድለ ዝነበረት ሰበይቲ ንምርካብ ኣብ ዘካዪድዎ ዝነበሩ ጎርጓር፡ እቲ …

Read More »

ሓኒፍ ባሊ –ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን።

ስቶክሆልም: ኣባል ዓቃባዊ ባይቶ ሓኒፍ ባሊ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን ኢሉ’ሎ። ኣብዚ ግዜዚ ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን። ድሮ ብዙሓት ብምቕባልና ከቢድ ናይ ኣባይቲን ተነጽሎን ጸገም ኣሎና ይብል። ኣብቲ ቃለመጠይቕ ባሊ ንሓዋሩ ኣባል ባይቶ ምዃን ክገድፎ ከም ዝኽእል ኣንፊቱ’ሎ። ባሊ ወዲ ሰለስተ ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ 1990 ብዘይ ወለዱ ከም ስደተኛ ናብ ሽወደን ኣትዩ። …

Read More »

ምርጫ ብሉጽ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ 2018

መርበብ ሓበሪታ ቢቢሲ ኾኸብ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ 2018 ንምምራጽ ብሉጻት ሓሙሽተ ተጻወቲ ረቒሑ ። ኣብዚ ምርጫ ክልተ ተጻወቲ ሰኔጋል ማለት ወዲ 27 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ናፖሊ ካሊዶ ኮሉባሊን ወዲ 26 ዓመት ኣጥቅዓይ ክለብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሪቨልቡል ሳዲኦ ማነ ክምረጹ ከለዉ  ዝተረፉ ወዲ 31 ዓመት ተኸላኻላይ ክለብ ጁቨንቱስ መዲህ ቤናቲ ካብ ሞሮኮ፣ጋናዊ ተኸላኻላይ ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ዝኾነ ቶማስ ፓርቲን ኣብዚ ዓመት ደሚቁ ዝወጸን ንክለቡ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ሕነኣ ትፈዲ

ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ነቲ ኣብ ገዛእ ሜዳኣ ዝወረዳ ስዕረት ናብ ቱርኪ ብምጉዓዝ 1 ብ 0 ተዓዊታ፡፡ ሓለቓ ጋንታ ዝኾነ ተኸላኻላይ ኣንድርያስ ግራንክቪች ብፍጹም ቅላዕ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ ስዊድን 3 ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ በቂዓ፡፡ እታ ኣብ ካልኣይ እብረ ናይቲ ጸወታ ዝተመዝገበት ሸቶ ኣብ ተጻወቲ ጋንታ ስዊድን ፍናን ብምፍጣር ነቲ ውጺት ዓቂቦም ክወጹ ኣኽ ኢልዎም እዩ፡፡

Read More »

ሽወደናዊ ፓስፖርት ምሃብ ብግዝያውነት ኣቋሪጹ

ስቶክሆልም:  ኣብ ምሃብ  ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ሽወደን ቀጥታዊ ሓላፍነት ዘለዎም ፖሊስ ካብ ሕዳር 30 ክሳብ ታሕሳስ 2 ኣብ ዘሎ መዓልታት  ሕቶ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ከም ዘይቕበል ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣብ ዝሃበዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ምዕዳል ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ብዘመናዊ ኣገባብ ንምጅማርን ነቲ ኣረጊት ኣገባብ ንምትካእን ተባሂሉ ምዃኑ ኣነጺሮም ኣለዉ። እዚ ማለት ስርዓት ኣወሃህባ እምበር ናይ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ምቕያር ማለት ከም ዘይኮን ክበርህ ይግባእ። …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ዕዮ ጸጥታን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተኻይዱ።  

ኣብ ትካላት ምክልኻልን ሃገራዊ ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለየ መዝነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ብክሲ ብልሽዉናን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንዝተጠርጠሩ ክሱሳት፣ ንምሓዝ ሰፊሕ ዘመተ ማእሰርቲ  ከምዝተኻየደ፣ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ መግለጺ ልዕሊ 36 ዝኾኑ ሰበስልጣን ምክልኻልን ጸጥታን ስልጣኖም ተጠቂሞም ሃብቲ ክዘምቱን ዘይሕጋዊ ሃብቲ ኸኻዕብቱ ጸኒሖም እዮም ንዝበሎምን ጥርጡራትን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እታ ሃገር እትምራሓሉ ሕገ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ብዘይፈቕዶ መገዲ፣ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com