Friday , April 26 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) ….ካልኣይ ክፋል

ኣብ ዩኒቨርስ እንተ ተመልከትና፡ ኩሉ ብሕጊ እዩ ዚኸይድ። ኩሉ ፍጥረት ወይ መስርሕ ወይ ክስተት ነናቱ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኣለዎ። ብፋሉላዊ መገዲ ዚምራሕ የልቦን። ቃሕ ከም ዝበሎ ዚነጥፍ ነገር የልቦን። እቲ ሕግታት ገሊኡ ክትርድኦ ቀሊል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን እተሓላለኸ እዩ። ይኹንምበር፡ ካብቲ ሕጊ ገለ ምስ ዚጥሓስ፡ ሕንፍሽፍሽ (chaos) እዩ ዚፍጠር። ገለ ካብቲ ባህርያት ፈጣሪ ድማ፡ ሕግን ስርዓትን ቀጻልነትን እምበር ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን …

Read More »

ጓል ሽወደን …… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ቀዳማይ ክፋል

“ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። ታሪኽ ምስ ሰማዕኲ ግና፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) ….ቀዳማይ ክፋል

ተኣምራት ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ግእዝ ተኣምር ከምኡውን ትእምርቲ ዚብል ቃል ዝመጸ ኾይኑ፡ መስተንክር ወይ ፍሉይ ምልክት ናይ ሓደ ዘፍርህ ፍጻመ፡ ወይ ክስተት ማለት ኢዩ፣ እቲ ናይ ላቲን ሚራኩሉም ዚብል ዚመሳሰሎ ቃል ድማ ነቲ ዘገርም ነገር፡ ድንቂ፡ ብርቂ ዚብል ኣምራት ይገልጾ። እምበኣር ትርጉም ተኣምራት፡ ኣብቲ ዘገርም ወይ ዘስደምም ዚብል ኣምር እተመርኮሰ ይመስል። እንታይ ኢዩ ግን እቲ ዘገርም? ኣብ ዩኒቭርስ፡ ኣቐዲሙ ዘይነበረ …

Read More »

ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮስት፣ ነዊሕ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይቶም l Newih Guezo Xegabrhan Goytom I Based On True Story

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ካልኣይ ክፋል

ኣብ 17/18 ክፍለዘመን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ: መለኮታዊ መሰል ነገስታት (Divine right theory) ዚብል ኣብ ሃይማኖት እተመርኮሰ ሓሳብ ወይ ንድፈሓሳብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ዝነበረ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓለመ ግፍዒ መሰረት ኮይኑ ነበረ። ንጉስ ብኣምላኽ እተመዘዘ ብምዃኑ ዝሓቶ እንተሎ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ደኣምበር ሰብ ኪሓቶ ኣይክእልን ነበረ። ብሓጺሩ: ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይክሰስ ከም ማለት እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ነዚ ንድፈሓሳብዚ ገለ ከየጕደለ …

Read More »

ፍልስፍናን ኮሮናን

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ቀዳማይ ክፋል

ንምዃኑ ወድሰብ: መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ? ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥር ዝኸኣለ። ናይ ባዕሉ መሰል። መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ ይብል ነይሩ። ሻማን ዚብሃሉ መራሕቲ ማሪታዊ ሃይማኖት ድማ እቲ መራሒ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ምሉእ ናይ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ…… ብጸጋብርሃን ጎይትኦም……. ሓምሻይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ነቲ ዘይብዳህ በዲሃ ኣብ ሓዳር ምብጽሓ’ኳ እንተሐጎሰኒ፣ ‘ጸገምረኺበ’ ምባላ ግና ኣሰንበደኒ። “እንታይ ሕማቕ ድኣ ረኺብኪ ጓለይ?” ንዝውሓዘ ንብዓታ፣ ክሳብ ትጸርግ ዕድል ድሕሪ ምሃብ፣ ድሕሪ ሓዳር ዘጋጠማ ክትነግረኒ ደፋፋእኩዋ። “ይገርመካ’ዩ!” ኣዕሚቓ ኣስተንፈሰት። “ክገርመካ! ምስ ተስፉ ካብ’ታ ኣብ ስራሕና ተላለናላ እዋን ጀሚረ፣ ብኹሉ እንትንኡ ሕጉስቲ’የ ነይረ። ጠባይ ኣለዎ፣ ናይ ስራሕ ሰብ’ውን’ዩ። ሓዳር ምስ ገበርና፣ እቲ ጽቡቕ ጠባዩ ወሲኹ እምበር ኣይጎደለ። በዚ ምኽንያት …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደስታ ዝመልኦ መሃይምነት (Blissful Ignorance) . . .

ገለ ሰብ ኣሎ ነቲ ሓንጎሉ ኪገርሖ ወይ ኪእዝዞ ወይ ኪዅስኩሶ ዘይደሊ። ከምቲ ዘይተዀስኮሰ መሬት ቃዲሩ ዚተርፍ፡ ዘይተዀስኮሰ ኣእምሮ ድማ ይቓድር ኢዩ። መብዛሕትኡ ሰብ፡ ኣብ ድንቁርና እውን ቅሳነት ይረክብ ኢዩ። እንታይ ገደሰካ ትመራመር፡ እንታይ ገደሰካ ንሓንጎልካ ሞኽ ተብሎ። ባዕሉ ድላዩ ይግበርን ይእመንን። ወይ ድማ ሓንሳእ ነቲ እትኣምኖ ነገራት ዳውንሎድ ግበረሉ'ሞ ብድሕሪኡ ኣይትመለሶ፡ ግደፎ፡ ዕረፍቲ ሃቦ። ነቲ ፓስዎርድ እውን ደርብዮ! ከምዚ ዚገብሩ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል (Might is Right) . . .

ቀደም ዘመን፡ ኣብ ምድረ-ሓበሻ ገበል ይገዝእ ነይሩ ይብሃል። ጎራዙት ኢዩ ዚምገብ ነይሩ። ህዝቢ ድማ ዓመት ዓመት ሓንቲ ጎርዞ ይህቦ ነይሩ፡ ንኺውሕጣ። ከምኡ ምስ ዘይገብሩ ግን ንኹላቶም ኪዅስትሮም መደብ ዝነበሮ ይመስል። ከይፈተዉ ትእዛዙ ከየዕብሩ ደቆም ይውፍዩሉ ነይሮም ማለት ኢዩ። መን'ዩ'ሞ ኪቃወሞ። ስለዚ ከኣዩ ብዘመን ገበል ዝሃቡኻ ተቐበል እተባህለ። ሓደ ውልቀመላኺ፡ ክልተ እንተ ደመርካሉ ክልተ ክንደይ ይኸውን ብምባል እንተ ሓቲቱካ፡ ጎይታይ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com