Sunday , May 5 2024

ጥዕና

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና . . . ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ይኽእል እዩ

እቲ ብጅር ኦሚክሮን ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣስታት 60% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ፡ ብጅር ኦሚክሮን  ክልከፍ ከምዝኽእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኤውሮጳ ዝኾነ ሃንስ ክሉግ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ድማ፡ እቲ ዞባ፡ ናብ ምዝዛም ምዕራፍ …

Read More »

ኣየርላንድ፡ ቀይድታት ኮቪድ፡ ኣልዒላ

ኣየርላንድ፡ ንማዕበል ምስፍሕፋሕ ኦሚክሮን፡ ብዓወት ሰጊራቶ ኣላ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ማይክል ማርቲን፡ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት፡ ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሮም ክላዓሉ ከምዝኾኑ ውን ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም መብዛሕትኦም ክንሰርሓሎም ዝጸናሕና መምርሒታት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ክላዓሉ እዮም ክብል፡ ማርቲን ብዓርቢ ዘፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብዓለም ደረጃ ተኸሲቱ ዘሎ መልከፍቲ ግና …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኦሚክሮን ተለኺፎም ኣብ ሓደጋ ዝወደቁ ሰባት የለዉን

ኣብ ምምሕዳር ቬስተርቦተን፡ ብኮቪድ ተለኺፎም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፈ ሰብ ከምዘየለን እዚ ድማ ዓቢ ለውጢ እዩ ክብል ዋና ሓላፊ፡ ዮሃን ቱንበሪ፡ ንVK ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሕብረተሰብ ቬስተርቦተን ዝርአ ዘሎ ዓቢ ናይ ለበዳ ምስፍሕፋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ርኡይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይፈጠረ እዩ ዝፍለጥ። ከምቲ ቅድሚ …

Read More »

ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ሚልዮናት ሰባት ይቐትል

ብመሰረት ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓመተ 2019፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት፡ ብሰንኪ `ቲ ንብዙሓት ሕማማት ንክከላኸለሎም ኢሎም ዝወስድዎ መድሃኒት ጸረ-ነፍሳት ንብዙሓት ሕማማት ክቃወም ብዘይ ምኽኣሉ ሂወቶም ስኢኖም፡፡ መስራትን ፕሮፈሶርን ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት ዝኾነ፡ ኦቶ ካርስ፡ ቁጽሪ ናይ`ቲ ድምጺ ኣልቦ ለበዳ ኢሉ ዝጸወዖ ተጻዋርነት ኣንጻር ጸረ-ነፍሳት፡ ብዘሰንብድ ኩነታት ይውስኽ ምህላዉ ንረድዮ ስዊድን ገሊጹ፡፡ ብመሰረት …

Read More »

ኮቫክስ፡ ገንዘብ ወዲእና ኣለና ይብል

ኮቫክስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብዓለምለኻዊ መስርሕ ምትሕግጋዝ ክታበት ዝፍለጥ ትካል፡ ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝኾነ ብልቓጥ ክታበት ንዓለም ከም ዘከፋፈለ ይፍለጥ። ይኹን እምበር እዚ ኣሃዝ’ዚ፡ ፍርቂ ናይቲ ኣብ ዓመተ 2021 ንከከፋፍሎ ተሊሙዎ ዝነበረ መጠን ጥራሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኮቫክስ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ብልቓጣት ይውዳእ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሳንቲም ዝባሃል ገንዘብ እኳ የብልናን” ክብል ሰት ቤርክሊ …

Read More »

ጆንሶን . . . ለብዳ ኦሚክሮን ብምንካዩ፡ ሕጊ ምኽዳን ማስክ ኣብቂዑ

ማዕበል ኦሚክሮን ኣብ ጥርዙ በጺሑ ንታሕቲ ይወርድ ብምህላዉ፡ ናይ ኣፍ ማስክ ምጥቃም ዝርከቦም ካልኦት ሕግታት ካብ ዝመጸእ ሰሙን ክውገድ ምዃኑ ቀድማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት፡ ሕጊ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ምርኣይ ኣተኣታትያ ምጽናሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ቦታታት ድማ፡ ማስክ ምጥቃም ሓጊጋ ነይራ። ይኹን እምበር እዚ ሕጊ፡ ኣብ …

Read More »

ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 7,508,711 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  83.1% ካብ መላእ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣስታት 3,3 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ድማ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ማለት ድማ፡ 39.6% …

Read More »

ዝዋሓደ ቁጽሪ ተሓከምቲ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ

ከም ጸብጻብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ እንተኾይኑ፡ መጠን ናይቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ሕሙማት፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ከምዝነከየ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳገንስ ኒሄተር ከም ዝጸብጸቦ፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ብዛዕባ እቲ ወጽዩ ዘሎ ስታቲስቲክስ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ዝተጋነነ ቁጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዘፍለጣ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ብኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብመሰረቱ ንኻልእ ሕማም ክምርመሩ …

Read More »

መምርሒታት ኮቪድ፡ ተፋዂሶም

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት፡ ብቫይረስ ኮሮና እንተድኣ ተለኺፉ፡ እቶም ምስኡ ዝቕመጡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ውሸባ ዝጸንሓሉ እዋን ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እቲ ናይ ውሸባ ግዜ ካብ ዝስረሓሉ ዝነበረ ሸውዓተ መዓልታት፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝጎደለን እዚ ግን፡ ካብቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ምስ ዘየርእዩ ጥራይ ከም ዝኾነ፡ እቲ በዓል …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ . . . እዋን ውሸባ፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝጎድል ተጌሩ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ደሞም ንእተረኽቦም ሰባት ዝግበር ናይ ውሸባ ግዜ፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ክጐድል ከም እተገብረ BBC ሓቢራ። እዚ ናይ ውሸባ ግዜ ክጐድል ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ክኢላታት ሕክምና ድሕሪ ዝገበርዎ ሓፈሻዊ ገምጋም ኮይኑ፡ ኣብ ቊጠባ ዘሎ ሕጽረት ሰብ ንምምሕያሽ ተባሂሉ ዝተገብረ ውን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መበል ሓሙሻይን ሻድሻይን መዓልቲ ውሸባ መርመራኦም ኣሉታዊ ምዃኑ ክረጋግጽ ከም ዘለዎ እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com