Saturday , May 4 2024

ጥዕና

ሓንቲ ሰበይቲ ብሓድሽ ኣገባብ ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ድሒና ::

ሓንቲ ሰበይቲ ዕትብቲ ደም ምትካል ዘጠቓልል ሓድሽ ሜላ ተጠቒማ ካብ ኤች. ኣይ. ቪ. ካብ ሕማማ ዝሓወየት ሳልሰይቲ ሰብን እታ ቐዳመይቲ ሰበይትን እያ ። እተሓዋወሰ ዓሌት ዘለዎ ሰብ ንፈለማ ግዜ እዩ ሓውዩ ። ካብቲ ቕድሚኡ ኣብ እተገብረ ኽልተ ዕዉት ሕክምና ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ንምትካል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሱር ዋህዮታት ዕትብቲ ደም ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ ። ብዘይካዚ እቲ ኻብ ዕትብቲ ዚመጽእ ደም ልክዕ …

Read More »

ሽወደን ኲሎም መምርሒታት ኮቪድ ተላዒሎም

ትማል ረቡዕ ኲሎም መምርሕታት ኮቪድ-19 ከም እተላዕሉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ሰለስተ መምርሒታት ሕጂ’ውን ተግባራውያን ኮይነን ክቕጽላ እየን ተባሂሉ’ሎ። ኲሎም 12 ወይ ልዕሊኡ ዝዕድሜኦም ክኽተቡ እቶም ምልክታት እቲ ሕማም ዘርእዩ ድማ ኣብ ቤቶም ክውሰኑ፡ ዛጊት ዘይተኸትቡ ዓበይቲ ኸኣ ኣብ መንጎ እኲብ ሰብ ከይርከቡን ኣብ ውሽጢ ቤት ውን እንተኾነ ብዝሒ ሰብ እንተሎ ክፍለዩን ለበዋ ቀሪቡ’ሎ። ብዘይካዚ ሽወደን ንምእታው ዘገልግል ዝነበረ መምርሒ እውን …

Read More »

ቐይድታት ኮሮና ሎሚ ተላዒሉ ።

ክልተ ዓመት ኣብ ሽወደንን ዓለምን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ፈጢሩ ዝጸንሐ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ተነቢሮም ዝጸንሑ ዳርጋ ኩሎም ማሕበራዉን ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት መምርሕታትን ሎሚ መዓልቲ 9 ለካቲት 2022 ብወግዒ ከምዝተላዕለ ተሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኩሎም እገዳታት ብምልዓል ንቡር ሂወት ከምዝተጀመረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕክምና እዚ ቅልጡፍ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ሕክምና ዓቢ ተጽዕኖ ክፍጠር ዘሎዎ ተኽሎ …

Read More »

ሃገራት ኖርዲክ ብሓባር ክትባት ከፍርያ እየን። 

ዝሓለፈ ዓመት ንክትባት ኮቪድ-19 ንመዓልታት ድሕሪ ምጽባይ ሽወደንን ጎረባብታ ዝኾና ሃገራት ኖርዲክ ኣብ መጻኢ ክኽሰት ዝኽእል ለበዳ ንምክልኻል ናይ ባዕለን ናይ ሓባር ክትባት ዘፍሪ ትካል ንምህናጽ ሃቐና ከም ዘለወን ተገሊጹ።  ክሳብ ዝመጽእ ወርሓ ግንቦት ናይ ተደማዓይነት መጽናዕቲ (feasibility study) ክውዳእ እዩ ተባሂሉ’ሎ።  “ኣብ ቀጻሊ ለበዳ ምስ ዝለዓል እዩ ንዜጋታትና ብዝቐልጠፈ ክትባት መታን ክንቅርብ ዓቕምና መታን ክሕይል ብምባል ኢና ነዚ ሓሳባት …

Read More »

እቲ ናይ ዓለምና ዝኸበረ መድሓኒት፡ ኣፍልጦ ረኺቡ

እቲ ኣብ ሓደ እዋን “ናይ ዓለምና ዝኸበረ መድሓኒት” ዝብል መጸውዒ ረኺቡ ዝነበረ መድሓኒት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ንዝርከቡ ግዳያት ናይቲ ስፓይናል ማስኩላር ኣትሮፊ (spinal muscular atrophy) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከቢድ ናይ ኒዩሮሙስኩላር   (neuromuscular) ሕማም ዝኾኑ ናእሽቱ ቆልዑት ክዋሃብ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋጋ ናይዚ ዞልጌንስማ (Zolgensma) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሓኒት ንሓደ ግዜ ክውሰድ ከሎ 20 ሚልዮን ክሮኖር ምዃኑ’ውን …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕጊ ውሸባ ከተፍኲስ እያ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ግና ዝኾነ ዓይነት ምልክት ናይቲ ሕማም ዘየርእዩ ሰባት ክውሸቡ ምጥላብ ክትሓድጎ መደብ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ኣፍሊጡ። ምልክት እቲ ሕማም ዘርእዩ ሰባት ዝሕተትዎ ውሸባ፡ ድማ ካብ 10 መዓልታት ናብ 7 ክወርድ ጌሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ሃገር ቊጽሪ ናይቶም ባህርያዊ ጸረ-ኮቪድ ናይ ምክልኻ ዓቕሚ (ወይ ድማ ኢምዩኒቲ) ዘማዕበሉ ሰባት ምውሳኹ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ …

Read More »

ኖርወይ እገዳታት ተፏኽስ

መንግስቲ ኖርወይ፡ መብዛሕትኦም እቶም እገዳታታ ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ጀሚሩ ከልዕሎም ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ለበዳ ኣቲና’ለና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጆናስ ጋህር ስቶረ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ምውሳዶም ስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ኦሚክሮን ጅር ግና …

Read More »

ናይ ኮቪድ መድሃኒታት ይውዳእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

እቲ ንምክልኻል ለበዳ ኮቪድ ዘገልግል ስትሮቪማብ ዝተባህለ መድሃኒት ክውዳእ ስለ ዝቐረበ ኣብዚ ግዜ `ዚ ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ክህብ ከም ዝግደድ ራድዮ ሽወደን ጸብጺቡ፡፡ ሕጽረት ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት፡ ነቶም ናይ ጥቕሚ ሓለፋ ክረኽቡ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም ሰባት ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስኮነ ሓኪም ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ፍረድሪክ ሞንሰን ንራድዮ ሽወደን ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት መግለጺ ሞንሰን፥ ዋላ `ኳ እቲ መድሃኒት ብቐንዱ …

Read More »

ኦስትሪያ፡ እገዳታት ተፏኹስ

ኦስትሪያ፡ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት ናይ ምፍዃስ ውጥናት ከምዘለዋ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ዕለት 5 ወርሒ ለካቲት፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ጥራሕ ክፉታት ኮይኖም ዝጸንሑ ኣብያተ መግቢታት፡ ሕጂ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክኽፈቱ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንምንቅስቓሳት ናይቶም ዘይተኸተቡ ሰባት ተኣዊጁ ዝነበረ እገዳ ደው ክብል ከም ዝግበር ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ለካቲት …

Read More »

ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘሎ ምትእምማን፡ ጎዲሉ

ስርዓተ-ክንክን ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ክእለቱ ተነቢርሉ ዝነበረ እምነት ካብ ክረምቲ ጀሚሩ እናነከየ ይመጽእ ከም ዘሎ ውጽኢት ናይ `ቲ ብተልእኾ መርበብ ሓበሬታ ዳገንስ ኒሀተር ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምስ`ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ  64% ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 49% ልዑል ምተምማን ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com