Sunday , April 28 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ኣብ መርከብ “ክሮናን” እትረኽበ ኣዕጽምቲ መርመራ ዲኤንኤ ክግበረሉ እዩ።

ኣብ ኣብ 1676 ኣብ እዋን ኲናት ኡላንድ ዝጠሓለት መርከብ “ክሮናን” ዝርከብ ኣዕጽምቲ መወትቲ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክገበረሉ እዩ።  ተሳፈርቲ’ዛ መርከብ ኲናት ካበይ ምዃኖም ወይ ምስ ህሉዋት ዘለዎም ዝምድና ክረጋገጽ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ። እዚ ብዙሕ ግዜን መጽናዕቲን ዝሓትት እኳ እንተኾነ ክግበር እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ላርስ ኤናረን ካብ ቤተመዘክር ካልማር ካውንቲ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዛ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ብዝተኸስተ ጎነጽ 20 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣስታት 200 ዝኾኑ ካብ መላእ ሽወደን እተዋጽኡ ኣባላት ፖሊስ፡ ፖሊስ ስቶክሆልም ንምሕጋዝ ከም ዝመጹ ተገሊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ስቶክሆልም ብሰንኪ ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽ ዝመልኦ ገበናት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ይዂንምበር፡ እዚ ጎነጽ ክቅጽል ከም ዝኽእል፡ ኣዛዚት እዚ ጥሙር ሓይሊ ፖሊስ ሃና ፓራዲስ ገሊጻ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ስኮጎስ ወዲ 15 ዓመት ዝቐተለ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዉን ክሳብ ሕጂ ኣብኡ …

Read More »

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዜጋታት ህድእ ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ገዚፍ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝርከብ ናዕቢ ስቶክሆልም፡ ብዛዕባ ሽወደን ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከስፋሕፍሕ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ንድሕነት ሽወደን እውን ዘጠቓልል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ብቕድሚ ትማል ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ሰሉስ ምሸት ክሪተርሰን ምስ መራሕቲ ኲሎም ፖለቲካውያን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ) ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ህሉው ጸጥታዊ ኲነታት ሽወደን …

Read More »

ኣስትሪድ ዝብል ስም ኣዝዩ ተፈታዊ ስማ ኣዋልድ ይኸውን ኣሎ።

ኣስትሪድ ዝብል ስም ብዝበዝሑ ወለዲ ይምረጽ ኣሎ ተባሂሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ን ኣስታት 6 ዓመታት ኣዝዩ ተፈታዊ ዝነበረ ስም ኣሊስ ዝብል እዩ ኔሩ–ብመሰረት ስታቲስቲክስ ሽወደን። ን ኣወዳት ቆልዑ ኸኣ ኒልስ ዝብል ስም ንዊልያም ብምትካእ እቲ ኣዝዩ ፍቱው ስም ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ስም ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሊምፒስ ክልተ ናይ ወርቂ መዳልያ ምስ እተዓወተ ኒልስ ቫንደር ፖል ምትሕሓዝ ክህልዎ ከም …

Read More »

ምስ ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ሽወደን ኣብ ጒዳይ ብልሽውና ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ።

ኣብ ጒዳይ ብልሽውና፡ ሽወደን ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ። “ትራንፓረንሲ ኢንተርናሽናል” ዝተባህለ ውድብ ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘሎ መጠን ብልሽውና ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ተርታ፡ ሽወደን ኣብ ዓለምና ካብተን ዝተሓተ መጠን ብልሽውና ዝረኣየለን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰመያ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኖርዲክ ግና ዝተሓተ ደረጃ ምሓዛ ተፈሊጡ። “ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዋ ዘተሓሳስብ እዩ” ክትብል ኣደመንበር “ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ሽወደን” ኡልሪክ ኣሽቩድ …

Read More »

ሽወደን፡ ሕማም “ኮቪድ-19” ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ።

ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ ዮንሾፒን ሕማም ኮቪድ-19 ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ፡ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ምሓዙ ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቫይረስ ስግኣት ከም ዘይፈጥረላ፡ ምስቲ ሕማም ብኸመይ ከም እንነብር እውን ልምዲ ተጠርዩ ምህላዉ፡ ኣብ ዮንሾፒን ሓኪም ሕማማት ለበዳ ማሊን በንገር ገሊጻ’ላ። “እዚ ሓድሽ ጅር ን ባህርያዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ኣብ ምትላል ጽቡቕ ብቕዓት ኣለዎ። በዚ ድማ’ዩ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ …

Read More »

ፊንላንድን ሽወደንን ኣዝዩ ብዙሕ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት እየን ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ቱርክ ጠይብ ዔርዶጋን፡ ንሽወደን ብምንጻል ፊንላንድ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትከውን ተኽእሎ ምህላዉ ገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ፊንላንድ ክልቲአን ሃገራት ብሓደ ግዜ ኣባላት ኔቶ ክኾና ድሌት ኣለዎም ዝብል ምርዳእ ከም ዘለዋ፡ ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ፊንላንድ ኣባል “ድሕረ-ዶክተራዊ” መጽናዕቲ ኢሮ ሰርካ ገሊጻ። “ፊንላንድን ሽወደንን ኣዝዩ ብዙሕ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት እየን” ኢላ’ላ–ኢሮ ሰርካ።

Read More »

ኣመሪካ F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “F-16” ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይልእኽ ገሊጹ። ሰብመዚ ዩክሬይን ኣመሪካ ሓገዝ ምክልኻል ኣየር ክትገብረሎም ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን እዩ፡ ባይደን ነዘን ነፈርቲ ከም ዘይልእከን ሓቢሩ ዘሎ። ንሱ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት፡ “ኣመሪካ ን ዩክሬይን F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ብሓገዝ ክትህብ ድያ” ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብንጹር “ኣይፋል” ዝብል መልሲ ሂቡሉ’ሎ። ምስ ወናኒት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነ ሩስያ …

Read More »

ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣዝዩ ይውስኽ።

ሽማግለታትን ስንኲላንን ግዳይ ዝገብር ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብ 80% ምውሳኹ ካብ ፖሊስ ሸወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ዝበዝሐ ካብዚ ዓሎቕ፡ ሰባት ዘይኮንዎ መሲሎም ብምቕራብ ካብ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ብምውሳድ ዝፈጸምዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ድማ ፖሊስ፡ ሰራሕተኛ ባንክን ዘመድን ተመሲሎም ናብ ሰባት ብምቕራብ ገንዘብ ከም ዝወሰዱ እቲ ኣሃዝ ኣመልኪቱ።  ግዳያት ምትላል ዝኾኑ ዓማዊላ ናብ ከምዚ ዝበለ መጻወድያ ምውዳቖም …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ጠረፍ ሃገራት ስካንዲናቭያ ሕጽረት ሰብኣዊ ዓቕሚ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ሰሚናዊ ጠረፍ ሽወደን፡ ፊንላንድን ኖርወይን ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ሓውሲ ደሴት ስካንዲናቭያ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ምምሕዳራት ከተማን ካልኦት ውድባትን ካብ መላእ ዓለም ሰራሕተኛታት ንምስሓብ ተሪር ምትሕብባር ይገብራ ኣለዋ። እዚ ዞባ ውሑስ፡ ጽላት ኢንዱትሪኡ ዝማዕበለን ፍሉይን እዩ ክብል ፡ ሌፍ ፓያርቪ ካብ “ኣርክቲክ ቮኬሽናል ፋውንዴሽን” ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com