Monday , April 29 2024

ገበን

ብሪጣንያ፥ ሰለስተ ሰባት ብግብረሽበራ ተኸሲሶም

ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ደቀንስትዮ ሊቨርፑል ሓደ ሰብኣይ ብነታጒ ድሕሪ ምሟቱ ሰለስተ ሰባት ብኣዋጅ ግብረሽበራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ። መዋቲ ገና መንነቱ ከም ዘይተረጋገጸ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ኣውቲስታ እታ ታክሲ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ምህላዉ ወሲኹ ሓቢሩ። በዚ ግብረሽበራዊ ተግባር ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 29 ፡ 26 ከምኡውን 21 ዓመት ዝዕድሜኦም ኮይኖም ኣብ ከባቢ …

Read More »

ሽጋራ ኣብ ጎደናታት ምድርባይ፡ ዘቕጽዕ እዩ

እቶም ኣብ ጎደናታት፡ ተረፍ ሽጋራን ካልእ ዓይነት ጓሓፍን ዝድርብዩ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዝብል ብመንግስቲ ንዝቐረበ እማመ፡ ብባይቶ ሽወደን ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎን ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ከም በዓል ተረፍ ሽጋራ፡ ናይ ማስቲካ ወረቐትን ናይ ካራሜላ መሸፈንን ዝኣመሰሉ ዓይነት ጓሓፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብውልቀ ሰባት ዝድርበዩ ኮይኖም፡ ንመቕጻዕቲ …

Read More »

ልዑል መጠን ሓደጋታት ቶኽስን ካራን ተመዝጊቡ

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ መጠን ናይቶም ብሰንኪ ቶኽስን ኻራን ዝሰዓበ መጉዳእቲ ንክሕከሙ ዝመጹ ሰባት፡ ቁጽሮም ብ 50% ከምዝወሰኸ ንጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 2010፡ ብሰንኪ ቶኽስን ኻራን ዝሰዓበ መጉዳእቲ፡ 785 ሰባት ሕክምናዊ ምክትታልን ኣገልግሎትን ከምዝረኸቡ ይዝከር። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ድማ፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 1165 ክብ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 1,030 ሰባት፡ …

Read More »

ህንዲ: ብምድፋር ደቀንስትዮ ዝጥርጠር ሰብ ሞይቱ

ብምድፋር ደቀንስትዮ ዝጥርጠር ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ: ኣብ ደቡባዊት ክልል ተላንጋና ኣብ ዝርከብ ኣረጊት መገዲ ባቡር: ሞይቱ ከም እተረኽበ: ፖሊስ ህንዲ ገሊጾም። እንተኾነ ግና ስድራቤት መዋቲ: ፖሊስ ኮነ ኢሎም ብምቕታል እዮም ነዚ ድራማ ሰሪሖም ብምባል ከሲሶም ኣለዉ። ሬሳ ጓል 6 ዓመት ህጻን ጉረቤት እዚ መንእሰይ ኣብ ቤቱ ከም እተረኽበትን ኣብቲ ሬሳ ድሕሪ እተገብረ መርመራ ምኽንያት ሞት እዛ ህጻን ጾታዉ ዓመጽን …

Read More »

ብመንገዲ ኦንላይን ዝዕመጹ ህጻናት፥ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ፖሊስ ሽወደን፥ ብመንገዲ ኦንላይን ናይ ዝተዓመጹ ህጻናት ብዝምልከት፥ ዝመጾ ዘሎ ቁጽሪ ጥርዓናት እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፥ 1432 ጥርዓናት፥ ናብ ፖሊስ ከምዝበጸሐ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ቁጽሪ፥ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፥ ብ1000 ከምዝወሰኸ ይንገር። እቲ ቁጽሪ፥ ብናህሪ ምውሳኹን፥ ዝሓሸ ምንጭታት እንተዝርከቡ ነይሮም፥ እቲ ቁጽሪ፥ …

Read More »

ብሪጣንያ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ካቡል፡ ንገዛእ ርእሳ ትከላኸል

ኣሜሪካ ቅድሚ ኣብ ሓሙስ ዝተኻየደ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ንመእተዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቤ ጌት ክትዓጽዎ ድሌት ከም ዝነበራ Politico ዘውጽኦ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓብሩ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ከም ዝኽእል ልዑል ግምታት እናሃለወ እቲ መእተዊ ክፉት ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣቓሊዑ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ብሪጣንያ፡ ንኣባላታ ናይ ምግዓዝ ስርሓ መታን ከተሳልጥ እዩ፡ ክብል …

Read More »

ንኣምባሳደር ዝነበረ በዓልቤታ ብምቕታላ፡ ተፈሪዳ

ኣምባሳደር ግሪኽ ኣብ ብራዚል ዝነበረ፡ ኪርያኮስ ኣሚሪዲስ፡ ኣብ 2016 ኣብ እዋን ልደት ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ተሰዊሩ ዝብል ዜና ክቃላሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በዓልቲ ቤቱ ብቕትለት በዓል ቤታ ተኸሲሳ ምህላዋ፡ ሰብ መዚ ብራዚል ገሊጾም ኣለዉ። ጠፊኡ ዝብል ጸብጻብ፡ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምብጽሑ፡ መዓልታት ጸኒሑ ዓስከሬን ኣምባሳደር ግሪኽ ኣብ ውሽጢ’ታ ንሱን በዓልቲ ቤቱን …

Read More »

ስርቂ ፡ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ (avgasrör)፡ ወሲኹ

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ስርቂ ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ምስ ናይ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ንጸብጻባት ዜና SVT መሰረት ብምግባር ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስርቂ መስርሓት፡ ብኣህጉራውያን ጉጅለታት ገበን ዝተወጠነ እዩ ክብል ፖሊስ ሽወደን ገሊጹ። ናይ መካይን ሻምብቆታት ትኪ፡ ብቐሊሉ ክሞልቕ ዝኽእል ክፋል መኪና …

Read More »

ስርቂ ነሓስ፡ ጠንቂ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ምንባሩ ተገሊጹ

  ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ኢንኸደ፡ ኦሽታን ቫንቶርን (ደቡብ ስቶክሆሎም) ዝርከቡ ኣስታት 3 ሽሕ ኣባይቲ፡ ካብ ሰዓት 2፡30 ድ.ቐ. ክሳብ 5፡30 ድ.ቐ.፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ ከምዝነበረ ኩባንያ ኤሌቭዮ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ፡ ኣብ መስመር ኤሌክትሪክ ብዘጋጠመ ጸገም ምንባሩ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ። ሓደ መን ምዃኑ ዘይተፈልጠ ሰብ፡ ንመስመር ኤሌክትሪክ ዝገልግል ነሓስ ክሰርቕ፡ ናብ …

Read More »

ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ

  ትማሊ ሓሙስ፡ ከባቢ ሰዓት 6 ናይ ምሸት፡ ኣብ ከተማ ፕላይማውዝ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ብዝተኸፍተ ቶኽሲ፡ ውሱናት ክሞቱ እንከለዉ ገለ ድማ ብዝወረዶም መጉዳእቲ ቆሲሎም፡ ናብ ሕክምና ከምዝተወስዱ፡ ፖሊስ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣረጋጊጹ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣባላት ፖሊስ፡ ኣምቡላንስ፡ ኣባላት ሕክምናን ፍሉያት ሓይልታትን ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ። እቲ ፍጻሜ፡ ምስ ግብረ ሽበራዊ ፍጻሜ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com