Sunday , April 28 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2020

  • 22 December

    ቁኑዕ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ወይ መከላከሊ ኣፍ ከመይ ይመስል

    ብመሰረት ሓቤረታ ብዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ስብ ኣብ ህዝባዊ ኣገሎግሎት ዝህባ ባቡራት ኮነ ኣውቶብሳት ኣብ ዝጥቀመሉ ግዜ ናይ ኣፍ መሸፍኒ ክንወዲ የተሓሳስቡን ለበውኦም የመሓላልፉ ኣለዉ። ብተወስኽውን መሽፈኒ ኣፍ ኣብ ንጥቀመሉ ግዜ፣ ናይ ግድን በቲ ቁኑዕ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ከምዘለና ወሲኾም ይሕብሩ። ገለ ካብቲ ኣገባብ ኣጥቃቕምኡ፣ 1, ናይ ግድን ኣፍናን ኣፍንጫናን ብጉቡእ ክንሽፈኖ ከምዘለና 2, ነቲ መከላከሊ ጨርቂ ብ ኢድና …

  • 22 December

    ቦሪስ ጆንሰን ነቲ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክናዋሕ ዝብል ሕቶ ምንጻጉ ተገሊጹ።

    ንሱ ነቲ ኣብ መንጐ ዕልቕልቕ ዶብን ሓድሽ ለበዳ ቫይረስን ዝተቐልቀለ ሕቶታት ምንዋሕ እቲ ተግባር ነጺግዎ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተት ስኮትላንድ ምስ ምኽሳት እዚ ሓድሽ ለበዳ ብሪጣንያ ገለ ምንዋሕ እዚ ውሳነ ክትገብር ሓሳብ ምቕራቡ ድማ፡ተመልኪቱ። “እዚ ሓድሽ ዝዓይነቱ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣሸጋሪ ኲነታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ምህላዉን 100% ዓቕምና ኣብኡ ከነውዕሎን ኣሎና ዘመልክት እዩ ዘመልክት እዩ” ክትብል ወ/ሮ፡ስታርጎን ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ትዊተር ገሊጻ’ላ። ዝኾነ …

  • 22 December

    መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሎሚ ዝጅምር ተሪር ጽኑዕ ሕግታት ምርጋጥ ኣንቡሩ።

    ኣብ ሃገረ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብናህሪ ዝተራእየ ቫይረስ ኩሮና ምኽንያት ብምግባር ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ንህዝባውን ማሕበራውን ምንቅስቃሳት ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ብዝያዳ ዘትርር ሕግታት ከም ዝኣወጀ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት እቲ ዜና ካብን ናብን ከተማታት ምንቅስቃስ ከም ዝተኸልከለ ከምኡ’ውን ካልኦት ጽኑዓት ናይ ምውሻብ ሕግታት ተመሓላሊፎም ከምዘለዉ ሓይሊ ዕማም ምኽልኻል እዚ ቫይረስ ኣፍሊጡ።

  • 22 December

    ቑጽሪ ብክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣሜሪካውያን 18 ሚልዮን በጺሑ።

    ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 18 ሚልዮን ሰባት ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ኣፍሊጡ። ከምዝፍለጥ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 319 000 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ክፍለ መጓዓዝያ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት መዓልታዊ ብኤርፖርትታት ከምዝተጉዓዙ ሓቢሩ። ናህሪ መልከፍቲ ክውስኽ ዝኸኣለ ብዙሓት ብሰንኪ በዓል ናብ ቤተሰቦም ስለዝተጉዓዙ ምኻኑ ክኢላታት ጥዕና ኣሜሪካ ሓቢሮም።

  • 22 December

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter 21 December 2020

    1. ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። 2. ዓሌት ኩሮና ዝኾነ ቫይረስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ትሓቢሩ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden

  • 21 December

    ሽወደን ካብ ዴንማርክ፡ዝመጽእ ጒዕዞ ትእግድ።

    ሽወደን ምስ ብሪጣንያ ዝነበራ ናይ ጒዕዞ ርክባት ካብ ዝሓለፈ 48 ሰዓታት ጀሚራ ምቊራጻ ምስ ዴንማርክ ዘዳውባ መስመራት ከኣ ምዕጻዋ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት Mikael Damberg ኣብ ዝሃቦ መገለጺ ኣብዘን ሃገራት ብሰንኪ ተላዒሉ ዝተባህለ ሓድሽ ለበዳ ኮሮና ሸለልትነት ንዘይምርኣይ ዝተወስደ ስጒምቲ እዩ ኢሉ። ካብ 12 ታሕሳስ ንደሓር ካብ ብሪጣንያ ናብ ሽወደን እተመልሱ ዜጋታት መርመራ ኮቪድ-19 ክገብሩ …

  • 19 December

    እስራኤል፡ ክታበት ክሮና ቫይረስ ብቀዳማይ ሚኒስተራ ጀሚራቶ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝጀመረ ክታበት ናይ ክሮና ቫይረስ ብቀዳምነት ብምኽታብ ኣጀሚርዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዜጋታቱ ንምትብባዕ ብምባል ቅድሚ ኩሉ ድሕሪ ምኽታቡ ንዜጋታቱ ክታበት ክወስዱ ኣተባቢዑ። እስራኤል ኣብ ክሳብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዝየ ነቶም ዕስራ ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብ ክሊ ሓደጋ ዘለው ዜጋታታ ናይ ምኽታብ ዕላማ ከምዘለዋ ተገሊጹ። ከምዝፍለጥ እስራኤል ከባቢ 9 ሚልዮን ካብ ዝኸውን …

  • 19 December

    ሰርሕተኛታት ኣብያተ ሕክምናን መእለዪ ማእከላትን ቕልጡፍ መልሲ ዝህብ መርመራ ክገብሩ ሙዃኖም ተሓቢሩ።

    ኣብ ሽወደን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ሕክምናን መእለዪ ማእከላት ብዕድመ ዝኣረጉ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ኩሎም ሰራሕተኛታት ሕክምና ብ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ነጻ ሙዃኖም ዝምርምር ቕልጡፍ መልሲ ዝህብ መሳርሒ ይተኣታቶ ከምዘሎ መንግስቲ ወሲኑ። ብመሰረት እቲ ዜና ሰራሕተኛታት ሕክምና ብተደጋጋምን ቀጻልን ኣብ ዓውደ ስርሖም ምርመራ ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዝህልዎምን ውጽኢት መርመርኦም ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፈልጡ ተኽእሎ ከምዘለዎም መንግስቲ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ …

  • 19 December

    ሃገረ ሽወደን ተወሰኽቲ ጽኑዓት ማሕበራዉን ህዝባዉን መምርሕታት ኣማሓላሊፉ ከምዘሎ መራሕ መንግስቲ ሽወደን ሓቢሩ።

    ሃገረ ሽወደን ልክዕ ሎሚ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ባዓል ልደት ብናህሪ ንዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 24 ታሕሳስ ማለት ድሮ ባዓል ልደት ጀሚሩ፣ እዞም ዝስዕቡ ሓደሽቲ መምርሕታት ተማሓላሊፎም ከምዘሎዉ ሕጂ ቅድሚ ስቱድዮ ምእታዉና ተኣዊጁ ኣሎ። በዚ መሰረት፣ 1 ካብ 4 ሰባት ንላዕሊ ምእካብ ይኹን ምርኻብ ከምዘይፍቀድ፣ 2 መሽጣ ኣልኮል ክሳብ ሰዓት ሾሞንተ ምሸት ክኸዉን፣ 3 ኣብ ቅሉዕ ቦታታትን …

  • 18 December

    ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter 18 December 2020

    ገለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና፣- 1. ሃገረ ሽወደን ተወሰኽቲ ጽኑዓት ማሕበራዉን ህዝባዉን መምርሕታት ኣማሓላሊፉ ከምዘሎ መራሕ መንግስቲ ሽወደን ሓቢሩ። 2. ሕብረት ኤዉሮጳ ንኢትዮጵያ ዝዋሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ በቲ ምስ ትግራይ ዝተኸፍተ ዉግእን ኣታሓሕዝኡን ምኽንያት ደዉ ክብል ወሲኑ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja Sweden #Alkompis #newas #Tigrigna #Tigrai #Eritrea #Afrika #Afro-Sweden

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com