Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ብምኽንያት ሕማም “ሳልሞኔላ” 165 ሽሕ እንቋቚሖ ዘውድቓ ደርሁ ክሕረዳ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ኣዚዙ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2022፡ ኣብ ሕርሻ ስማላንድ ሕማም “ሳልሞኔላ” ብምኽሳቱ፡ 165 ሽሕ እንቋቚሖ ዘውድቓ ደርሁ ክሕረዳ ቦርድ ሕርሻ ሽወደን ኣዚዙ። እዚ ሕርሻ ኣብ ሽወደን ካብ ዝርከባ ዝዓበያ መፍረይቲ እንቋቚሖ ኮይኑ፡ ሕጂ ክዕጾ ተጌሩ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ሽወደን ከም ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዙሕ ክትዓዪ “ልዑል ትጽቢት” ምህላዉ ተገሊጹ።

ሽወደን ፕረሲደንት ቆንስል ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮይና ኣብ እትመርሓሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፖለቲከኛታትን ሲቪላዊ ሰራሕተኛታትን ሽወደን ኣብ ብራስለስ–ላክሰምበርግ–ልዕሊ 2000 ኣኼባታት ክጽውዑ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ ኣሎ።   ድሕነት፡ ተወዳዳርነት፡ ጸዓት፡ ዴሞክራስያዊ ክብርትታን ግዝኣተ ሕጊን ቀዳነምነታት ናይዞም ኣብ ኣውሮጳ ዝካየዱ ኣኼባታት ከም ዝኸውን መንግስቲ ሽወደን ኣመልኪቱ’ሎ። ሽወደን ኣብዚ እዋን ፕረሲደንትነታ ብዙሕ ክትዓዪ እያ ዝብል “ልዑል ትጽቢት” ምህላዉ፡ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ሪፖርተር …

Read More »

ኣብ ሽወደን ገለ ግዱድ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክተኣታቶ እዩ።

ኣብ ሽወደን ገለ ግዱድ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክተኣታቶ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዚ ኣገልግሎት፡ ኣብ መድሕን ፡ ክንክን ጥዕናን ካልእን ብምውፋር ኣብ እዋን ቅልውላው ይዂን ኲናት፡ ገለ ክፋላት ሽወደን ከይተሸገሩ ህይወቶም ክቕጽሉ ንምግባር ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እንተኾነ ግና፡ ኣብ ዓመታት 1995-2008፡ ካብቶም ክንዲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝመረጹ 17,000 ሰባት፡ እቶም 40 ጥራይ ንጡፍ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ቅድሚ …

Read More »

ተረርቲ ሕጊታት ባንክ ንቢዝነሳትን ውድባት ረድኤትን ሽግር ይፈጥሩ።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፡ ከምኡውን ን ግብረሽበራውያን ጒጅለታት ዝግበር ፋይናንሳዊ ሓገዛት ንምዕጋት ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝወጸ ተረርቲ ሕጊታት፡ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ዕድጊን ሕሳብን ክዕጸዉ ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ፡ ሽወደን ምስ ከም ዒራቕ ዝኣመሰላ ሃገራት ንእትገብሮ ንግዳዊ ርክባት ብኣሉታ ከም ዝጸሉ፡ ሓይደር ኢብራሂም ካብ ጨንፈር ንግድ ሽወደንን ዒራቕን ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ግንዛበ ከም …

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ምስ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ኣብ ሽወደን ትምህርቶም ዝከታተሉ ኣህጒራውያን ተመሃሮ ምስ ፍቓድ መንበሪ ብዝተሓሓዝ ዝፍጽምዎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምውጋድ፡ ምስ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ብምትሕብባር ክሰርሕ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ፡ ዩኒቨርሲቲ ሊንዬስ ኣብዚ ኣየት ድሕሪ ዝቐረበሉ ነቐፌታዊ ጸብጻብ፡ ን ተመሃሮ ናብ ሽወደን ቅድሚ ምእታዎም ብ “ኦንላይን” ቃለመሕትት ክገብረሎም ወሲኑ’ሎ።. ኣህጒራውያን ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲታት ሽወደን ንኽኣትዉ ናይ እንግሊዝኛ መርመራ ከም ረቛሒ ክወስዱ ይግባኦም ዶ ኣይግባኦምን …

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ን ደግሲ ለበዳ “ኮቪድ-19” ኣብ ቻይና ኣመልኪቱ ክዝቲ እዩ።

ሽወደን ናብ ቻይና ብዛዕባ ዝግበር ጒዕዞ ኣመልኪታ፡ ኣኼባ ኣውሮጳዊ ሕብረት ጸዊዓ። ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ናብ ቻይና ንዝጎዓዙ ሰባት  ብ “ወሃቢ ግብረመልሲ ንቅልውላው” ዝተባህለ ኣሰራርሓኡ ኣቢሉ፡ ሓባራዊ ሕጊታት ከተኣታቱ ከም ዝግባእ ብምምልካት እያ ሽወደን፡ ሎሚ ረቡዕ እዚ ኣኼባ ክግበር ጸዊዓ ዘላ።  ኣብ ቻይና ለበዳ “ኮቪድ-19” ደጊስዎ ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ እዚ ኣብ ቻይና ተኸሲቱ ዘሎ ደግሲ ለበዳ …

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት፦ “ኣህጒራውያን ተመሃሮ ን ቪዛ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ የውዕልዎ ኣለዉ”።

ኣብ ሽወደን ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዝርከቡ ኣህጒራውያን ተመሃሮ፡ ን ቪዛ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ የውዕልዎ ምህላዎም ብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዞም ተመሃሮ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ነቲ ቪዛ ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ንምእታው ይጥቀሙሉ ምህላዎም እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ጸብጻብ ኣጋጋዪ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ ቅድሚ ምብጻሕካ ዝያዳ መጽናዕቲ ምግባር ዝሓትት እዩ” ክትብል ብሪታ …

Read More »

ሩስያ ተወሳኺ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዘለዋ ዘለንስኪ ገሊጹ።

ሩስያ ትሕተ-ቕርጺን ሞራልን ህዝቢ ዩክሬይን ንምስባር፡ ተወሳኺ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከም ዘለዋ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ሩስያ ነዚ መጥቃዕቲ ፍርያት ኢራን ብዝኾና ድሮናት “ሸሀድ” ከተካይዶ ትዳሎ ምህላዋ ስለያዊ ሓበሬታ ምርካቡ ዝለንስኪ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ሩስያ በዚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣቢላ ን ዩክሬይን ንምድቓቕ ወጢና ምህላዋ ዘለንስኪ ኣተሓሳሲቡ። ዩክሬይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ሩስያ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣማኢት …

Read More »

ኖርወይ፡ ዝኽሰት ምዝሕታል ቊጠባ ጽልዋኡ ክንድቲ እተፈርሀ ኣይክኸውንን እዩ።

ኣብ ኖርወይ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ምንቊልቋል ቊጠባ ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና እዚ ዝኽሰት ድሕሪ ሓያል ዕቤት ብምዃኑ ስምብራቱ ክንድቲ ዘስግእ ከም ዘይከውን፡ ኣብ ባንክ DNB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ሸርስቲ ሆግላንድ ገሊጻ። ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት፡ ኣህጒራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ፍርቂ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምንቊልቋል ቊጠባ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ምውጽኡ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣብ ሲሶ ካብ ቊጠባ ዓለምና ዘጋጥም …

Read More »

ቊጽሪ መመልከቲ “ፍቓድ ስራሕ” ክብረ ወሰን ይሕዝ።

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 4000 ዝኾኑ ሰባት ፍቓድ ስራሕ ይሓቱ ምንባሮም ተገሊጹ። እዚ ኣሃዝ ካብቲ ዝጸንሐ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ፍርቂ ናይዚ መመልከቲ ስራሕ ልዑል ሞያ ኮይኑ ፡ ኣስታት 70% ኲሉ ናይ ስራሕ መመልከቲ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። “ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃገራትን ክርኢ እደሊ እየ፥ ስድራይ’ውን ሕራይ ኢሎምኒ ኣለዉ” ክትብል ናብ ሽወደን ዓሚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com