Friday , May 3 2024

ጥዕና

ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ጥዕና ዝርከቡ፥ መበራትዒ ክታበት Covid-19 ክወስዱ ጻውዒት ቀሪቡ

ኩለን ዞባታት ሽወደን ወፍሪ ክታበት ቀውዒ Covid-19 ጀሚረን። እቲ ክታበት ካብ ሓደስቲ ጅራት እቲ ቫይረስ ዝሓሸ መከላኸሊ ንምሃብ ብዘኽእል ኣገባብ እተሓደሰ እዩ። ሄንሪ ክሩስ ካብ ስኮና–ሉማ– ሓደ ካብዞም ናይ መበራትዒ ክታበት ክወስዱ ዝወሰኑ እዩ። ንሱ ኣብ እዋን ለበዳ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣዝማዱ ምስኣኑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ቫይረስ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ከም ዝግንዘብ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም፥ …

Read More »

ኣብ ሽወደን መልከፍቲ Covid-19 መሊሱ ይውስኽ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ቁጽሪ መልከፍቲ Covid ብ 50% ወሲኹ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዘድሊ ክንክን እናተዋህቦም ይርከቡ’ለው። በዚ ሃንደበታዊ ወሰኽ ሓያሎ ሆስፒታላትን ምምሕዳራት ከተማን ብርቱዕ ጸቕጢ ተሰሚዕወን ኣሎ፡፡ምምሕዳራት ከተማ ብፍላይ ብሰንኪ ምሕማም ሰራሕተኛታትን ኣብ መዕበዪ ህጻናትን ሆስፒታላትን ዝኽሰት ለበዳን ተወጢረን ኣለዋ። እዚ ይዂንምበር በቲ ሕማም ብኸቢድ ዝጥቅዑ ሰባት ብቚጽሪ ይውሕዱ ምህላዎም፡ እቲ ኩነታት ድማ ምስቲ ኣብ …

Read More »

ሆስፒታል ስከለፍትዮ ብምኽንያት ምውሳኽ መልከፍቲ Covid-19 ስርሒታቱ ይስርዝ

11 ሕሙማት ብኮቪድ-19 ተጠቒዖም ኣብ ሆስፒታል ስከለፍትዮ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።  በዚ ድማ እቲ ሆስፒታል ኣብ በጻሕቲ ኣዝማድ እገዳ ምግባር ከምኡ’ውን ስርሒታታ ምስርዝ ዝኣመሰሉ ስጒምቲታት ትትግብር ኣላ። ካልኦት ሓያሎ ሆስፒታላት እውን ንሕሙማት Covid-19 ይሕክማ ከምዘለዋ ሓቢረን ኣለዋ።

Read More »

ሕግታት ኣከዳድና ሳውና ክትዓት የለዓዕል

ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ፍቱው ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሳውናታት፥ መሕጸቢ ክዳን ክፍቀድ ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብ ህዝቢ ምምቕቓል ርእይቶ ፈጢሩ’ሎ። ዓቃባውያን ባእታታት ዕርቃንካ ሳውና ምጥቃም ክፍቀድ ኣለዎ፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ንእሽቶ ሽጎማኖ ምጥቃም ይከኣል እዩ ኢሎም ክምጉቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ግና ክዳን መሐንበሲ ምጥቓም ቅቡል እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ። ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ከምኡ’ውን ከምኡ’ውን ኣባል ኣካድሚ ሳውና ሌና ካርነ ምኽዳን መሐንበሲ …

Read More »

ሕማም ሕጽረት ሽወሃት (ኣኖረክስያ) ንቅርጺ ሕንጎል ከም ዝቕይር ተገሊጹ።

ቅርጺ ኣእምሮ ሕማም ሸውሃት ዘለዎም ሰባትን ጥዑያትን ዝተፈላለየ ምዃኑ፡ ብምውህሃድ ዩኒቨርሲቲ ባርዝ (ብሪጣንያ) ዝተዳለወ ሓደ መጽናዕቲ አመልኪቱ። ሕማም ሽወሃት ምስ ምብላዕ ዝተተሓሓዘ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ኮይኑ፡ ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ርብዒ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝሳቐዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ገለ ሰባት ከይረጒዱ ካብ ዘለዎም ኣመና ከቢድ ፍርሂ ዘማዕብልዎ እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲነታት፡ ብኸመይ ኣብ ገሊኦም ጥራይ ከም ዝኽሰት ዝተፈልጠ ነገር የለን ዝበለ እቲ መጽናዕቲ፡ እንተኾነ …

Read More »

ኣንታርክቲካ፡ ንመድሃኒት ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ተረኺቡ።

ኣብ ኣንታርክቲካ፡ ን ጸረ ተሃዋስያንን ጸረ-ረኽሲን ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ከም ዝረኸቡ፡ ተመራመርቲ ገሊጾም ክትብል SVT ጽሒፋ። ምስ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና፡ እዚ በረዳት ኣንታርክቲካ ምስ ዝመክኽ፡ እዚ ባክተርያ ንጥዕና ዓለምና ኣስጋኢ ክከውን እዩ ክትብል፡ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “እዚ ኣሻቓሊ ጒዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ባክተርያ እተረኽበሉ ክፋል ኣህጒር ኣንታርክቲካ፡ ሓደ ካብቶም ብዘገርም ፍጥነት አረዶም ዝመከሎም ዘሎ ከባቢታት እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺለ ተመራማሪ ኣንድረስ …

Read More »

ሽወደን ሳልሳይ ሕሙም ምንኪፖክስ ረኺባ።

ኣብ ሽወደን፡ ሳልሳይ ሕሙም ማንኪፖክስ ከም እተረኽበ፡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ትማል ሰኑይ ኣፍሊጡ። እዚ ቫይረስ፡ ዛጊት ኣብ ዞባታት ስቶክሆልም፡ቫስትራን ጉትላንድን እዩ ተራእዩ ዘሎ። ዝሓለፈ ግንቦት 20፡ መንግስቲ ነዚ ሕማም ኣብ ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ዘስዕብ እዩ ኢሉ ከም ዝመደቦ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት እዚ ምደባ፡ መንግስቲ እዚ ቫይረስ መታን ከይስፋሕፍሕ፡ ሰብመዚ መምርሒታት ከንብሩ ስልጣን ዝህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ኖርወይ፡ ሕማም ማንኪ-ፖክስ ኣብ ኖርወይ ምእታዉ ክሕጂ ምንም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ኣይተረኽበን ተባሂሉ።

ለንቀነ፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እተላበደ ሕማም ማንኪ ፖክስ፡ ኣብ ከምኒ ኦስትርያ፡ በልጄም፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ፖርቱጋ፡ስጳኛ፡ ሽወደንን ሆላንድን ከም እተራእየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ዜጋ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ግንቦት 6 ክሳብ ናብ ኦስሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ በዚ ሕማም ምልባዱ ብመርመራ ከም እተረጋገጸ፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግንቦት 21 ካብ ዝቃላዕ ንደሓር፡ ከተማ ኦስሎ ጽዑቕ ናይ …

Read More »

ኖርወይ፡ ብ ብዝሒ ሕሙማት ናይ ቆርበት መንሽሮ ካልአቲ እያ ተባሂሉ።

ኣብ 2020 ጥራይ 295 ኖርዌጃውያን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት (ሜላኖማ) ምሟቶም ተገሊጹ። ቀዳመይቲ ዝበዝሑ ሕሙማት ዘለዉዋ ድማ ኒውዚላንድ እያ። “መንሽሮ ቆርብት፡ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ልዑል እኳ እንተኾነ፡ መጠነ ሞት ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ግና፡ ፍልይ ዝበለን ኣዝዩ ልዑልን እዩ” ክብል ማሕበር መንሽሮ ኖርወይ፡ ን ሰሙን-መንሽሮ-ቆርበት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ግዳያት ሞት ሰብኡት ዝለዓለ እዩ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ስካንዲናቭያ እውን ብ 40% ዝለዓለ …

Read More »

ቊጽሪ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ዘድልዮም ቆልዑን መንእሰያትን ምውሳኹ ተገሊጹ።

ቊጽሪ ናይቶም ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ዘድልዮም ቆልዑን መንእሰያትን ይውስኽ ምህላዉ፡ ማሕበር ሰብመዚ ውሽጢን ዞባታትን ሽወደን፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ምስ ዝሓለፋ 5 ዓመታት ብምውድዳር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ 160 ሽሕ ሓደስቲ ሰባት ክመላለሱ ከም ዝጀመሩ፡ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መንእሰይ ምዃን ዓብዪ ብድሆ እዩ” ክብል ኣወሃሃዲ እቲ መጽናዕቲ ኢን ማሪ ቪሰልግሬን ገሊጻ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com