Friday , May 10 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ብግብረሽበራ ሓምሻይ ሰብ ተታሒዙ

ሓደ 38 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ ንግብረሽበራ ብምምዋሉ ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ሰብ’ዚ ኣብቲ ኣብ ሶልና ወረዳዊ ፍርድቤት ዚካየድ ዘሎ ንግብረሽበራ ዚምልከት ጉዳይ፡ 5ይ ኮይኑ እዩ ዚተሓዝ ዘሎ። ኣኽባር ሕጊ ፐር ሊንድክቪስት እቲ ጉዳይ ጌና ይቕጽል ከም ዘሎ ይሕብር። ክሳዕ ሕጂ 4 ተታሒዞም ኣለዉ። ክልተ ካባታቶም ንግብረሽበራ ዝተሓባበሩ ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ምምዋል ግበርሽበራ እተዋፈሩ እዮም። እቶም ሰለስተ ኣብ …

Read More »

ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ፍርቀን ኣንስቲ ኮይነን

ዝሓለፈ ቀውዒ ኣቢይ መሓመድ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ። ንሱ ኣብቲ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ገይሩ። ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም። ውጉዳት ሰልፊ ፖለቲካ ኪነጥፉ ተፈቒዱሎም። እቲ ምስ ኤርትራ ዚካየድ ዝነብረ ነዊሕ ውግእ ድማ ደው ኢሉ። ሕጂ ድማ ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ ኣሎ። ካብቶም ሚኒስትራት ፍርቆም ደቀንስትዮ እየን። እዚ ብርቂ ነገር እዩ። እዘን ሚኒስትራት ደቀንስትዮ፡ ኣብ ወትሃደራውን ኢንዱስትርያውን ንግድን መዳያት ዝነጥፋ እየን።

Read More »

ብናይ ግዳም ምዕማጽ እተታሕዘ ሰብ

ሓደ 30 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ቦልነስ ሀልሲንግላንድ እትነብር ሰበይቲ ብምዕማጽ ከም እተታሕዘ ማዕከናት ፖሊስ ይሕብሩ። እቲ ዓመጽ ኣብ ግዳም እዩ ተፈጺሙ፡ እቲ ሓበሬታ ድማ ፍርቂ ለይቲ ተላኢኹ። እታ 50 ዓመት ዝዕድመኣ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ። ብመሰረት ፖሊስ፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣይ ካብ ቀደም ትፈልጦ እያ። እቲ ገበነኛ ተኣሲሩ ኣሎ።    

Read More »

ጥርጡር ቀታል ጋዜጠኛ ናብ ሃገሩ ይጥረዝ

20 ዓመት ዝዕድመኡ ዓማጽን ቀታልን ጋዜጠኛ ቲቪ ቡልጋርያ ቪክቶርያ ማሪኖቫ፡ ካብ ጀርመን ናብ ቡልጋርያ ተጠሪዙ። እታ 30 ዓመት ዝዕድመኣ ማሪኖቫ፡ ጥቅምቲ 6 ኣብ ናይ ቡልጋርያ ከተማ ሩሰ፡ ኣብ ሓደ መገዲ፡ ጥቓ ወሓዚ እያ ሞይታ ተረኺባ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ እቲ ጥርጡር ኣብ ጀርመን ተታሒዙ። እቲ ቅትለት ምስ ሞያ ማሪኖቫ ወይ ምስ ካልእ ነገራት ምትእስሳሩ ርጉጽ ኣይኮነን። እቲ ጥርጡር ንማሪኖቫ ከም …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ኣብ ቀንዲ ኣኼባኡ ንስደተኛታት ዚምልከት ረፈረንድም ይጽውዕ

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ብመገዲ ሰክረተሪ ፓርቲ ሪቻርድ ዮምስሆፍ ገይሩ ንስደተኛታት ብዚምልከት ረፈረንድም ኪግበር ሓሳብ የቕርብ። እቲ ሰክረታሪ ከም ኣብነት ንሃንጋሪ ይጠቅስ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ንሽወደናውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ናይ ውሁዳን ደረጃ ከየእትዎም ድማ ይሰግእ። ንሱ ነቲ ረፈረንደም ኪካየድ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ ሽወደን ነቲ ሓላፍነት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲ ወይ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎን ቀያድን ፖሊሲ ሓዲኡ ንምምራጽ ብማለት እዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት …

Read More »

ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ኣካላቱ ተጎዛዝዩ

ብመሰረት እቲ ብሰበስልጣን ቱርኒ ን CNN እተዋህበ ሓበሬታ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ተቐቲሉን ተጎዛዝዩን።  ይኹንምበር ነዚ ዘደልድል ወግዓዊ መርትዖ የልቦን። ናይ ቱርኪ ተመራመርቲ ገበን ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ብምኻድ ምርመራ ኣካዪዶም። ስሙ ኪህብ ዘይደለየ ቱርካዊ ምንጪ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቦታ ከም እተቐትለ መርትዖ ከም ዝረኸቡ ሓቢሩ። ምጥፋእ ናይቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዓለም ኣውያት ኣላዒሉ። ካሾጊ ናይቲ ንግስነት ስዑዲ ነቓፊ እዩ ነይሩ፡ ምቕማጡ ድማ …

Read More »

ሎቨን: ብዛዕባ ምቛም ዝቅጽል መንግስቲ ዝብሎ ሓድሽ ነገር የለን ይብል።

ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ዝኾነ ይኹን ሓድሽ ነገር ዝብሎ ብዛዕባ ምቓም እቲ ዝቅጽል መንግስቲ ከምዘየለ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ትሕዝቶ ትማሊ ዝገበሮ ዝርርብ ምስ መራሕቲ ውድባት ዕላዊ ከምዘይገብር ገሊጹ። “ውጽኢት ምስ መራሕቲ ውድባት ዝገበርክዎ ዝርርብ ንፕረሲደንት ባይቶ ከየቅረብኩ ዝኾነ ሓበሬታ ክህብ ኣይኮንኩን” ኢሉ ንጋዜጠኛታት ብምሕባር ናብ ብራስለስ ንኣኼባ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣቅኒዑ። “ሕጊ ስራሕ” ቀንዲ ማእክል ዝርርብኩም ምስ ፈደረሽን ሰራሕተኛታት ክከውን ድዩ …

Read More »

ናይ ፋላፈል ሕብራዊ መሓወስታ ሓደገኛ ባእታ

ኣብ ማልመ እተሸጠ ናይ ፋላፈል መሓወስታ ካንሰር ዘምጽእ ባእታ ኣለዎ። እዚ ድማ ነተን ናይ ኤውሮጳዊ ሃገራት ተነጊሩወን ኣሎ። እቲ ሓደገኛ ባእታ፡ ሮዳሚን ቤ ዚብሃል እዩ። ንሱ ኣብ መግቢ ኪኣቱ ኣይግባእን። እዚ መሓወስታ ፋላፈል ኣብ ለባኖን ይስራሕ፡ ብማልመ ኣቢሉ ድማ ኪሽየጥ ጀሚሩ፡ ግን ንኹለን ኣብያተመግቢ ተነጊሩወን ኣሎ። እዚ ነገርዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ እዩ ተፈሊጡ፡ ብመሰረት ተቖጻጻሪት መግቢ፡ ማሪያ ስቨንሰን፡ ድማ ኣብ …

Read More »

ሓድሽ ናይ ኣጋርን ሰብ-ብሺግለታን መምርሒታት

ብጸጋምካ ተጎዓዝ፡ ብየማንካ ድማ ብሽግለታ ዘውር! ከምዚ ዝበለ ንጹር መምርሒ ኣብቲ መገዲ ስርዓት ከም ዚሰፍን ኪገብር እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ሰብን ብሺግለታን ዚጎዓዙሉ መገዲ መን በየናይ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ንጹር ኣይነበረን። ካብ 15 ጥቅምቲ ጀሚሩ እዚ መምርሕዚ ኣብ ሕጊ ትራፊክ ኪኣቱ እዩ። ብጸጋምካ ተጎዓዝ፡ ብየማንካ ድማ ብሽግለታ ዘውር! በዓል ሽግለታ ዝኾነ ሊን ፐተርሶን ግን ነዚ ሓድሽ መምርሒ ከም ኣድማዒ ገይሩ …

Read More »

ስቨርየ ደሞክትራተርና SD፡ ንሞደራተርናዊ M መንግስቲ ደው ከብሉዎ ይሓስቡ

መራሒ ሞደራተርና፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ብሞደራት ዚምራሕ ወይ ድማ ብልፍንቲ ሞደራትን ክሪስትያን ደሞክራስን KD ዚምራሕ መንግስቲ ከቕውም ድሉው እዩ። ማእከላይ ሰልፊ ነቲ መራሒ ሞደራተርና ነቲ መደቡ ወግዓዊ ብምግባሩ ይነቕፎ። ሽወደናዊ ደሞክራሳውያን SD ነቲ ናይ ክሪስተርሶን ትልሚ ደው ከብሉዎ ይደልዩ። ”ንሕና ምንም ጽልዋ ከም ዘይብልና ብግልጺ ዚዛረብ መንግስቲ ዕድል ክንህቦ ኣይንደልን” ይብል ጂሚ ኦከንሶን ናይቲ SD መራሒ። “ምንም ናይ SD ጽልዋ” እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com