Friday , April 26 2024

ውህደት

ድሕሪ 140 ዓመታት ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ፊደል ‘Ö’ በጺሑ

ድሕሪ ናይ 140 ዓመታት ናይ መወዳእታ እኹብ ጥራዝ ኣካዳሚ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ንኽሕተም ተላኢኹ። “ ምዝዛሙ ዝህበካ ስምዒት ዝተፈልየ እዩ” ይብል ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዋና ኣሰናዳኢ ናይቲ መዝገበ ቃላት ዝነበረ ክርስቲያን ማቲሰን። ልዕሊ 33,000 ገጻት ዝሓቖፈ 39 ጥራዛት ዘለዎ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ካብ መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ እንግሊዝኛ ብዓቐን ዝዓቢ እዩ።

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት – 26-10-2023

Read More »

ኣብ ትካላት ኣይሁድ ተወሳኺ ውሕስነት ንምርግጋጽ 10 ሚልዮን ክሮና ክወሃብ እዩ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳያት ጸጥታ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክሮና ንወግዓዊ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ሎሚ ዓመት ክህብ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ጉባኤታት ኣይሁድ፡ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርትን ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ። እዚ ብመንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ሳዕቤናቱን ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፍጸም ስግኣታት እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ ቬትላንዳ ብጌጋ ብቕትለት ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ ክፍታሕ እዩ

19ን 20ን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብቕትለትሓንቲ ጓለንስተይቲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪደን። ዓሚ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ቬትላንዳ ደሃያ ዝጠፍአት እዛ ግዳይ ዝኾነት መንእሰይ ድሒሩ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ጫካታት ሞይታ ከም እተረኽበት ዝፍለጥ እዩ። ብቕትለት እዛ መንእሰይ ተፈሪዱ ዝጸንሐ 19 ዝዕድሜኡ ሕጂ ብይግባይ ቤት ፍርዲ ናጻ ክወጽእ እዩ። እታ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብምኽንያት ገበን ቕትለት ዝተበየነላ ፍርዲ ተቐባልነት …

Read More »

ተኸሳሲ ጠበቓ ገበናዊ ክሲ ቀሪብሉ እናሃለወ ስራሕ ይቕጽል

ንመስራቲ ማዕከን ጡረታ ኩባንያ ኣልራ ካብ ዕቋር ጡረታ ሚልዮናት ክሮነር ክወስድ ብምሕጋዙ ዝተኸሰሰ ጠበቓ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሓምሳ ናይ ክሳራ ጉዳያት ክሰርሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መስራቲ ኣልራ ኣሌክሳንደር ኤርንስትበሪ ኣብ 2021 ካብ 170 ሚልዮን ክሮን ዕቚር ጡረታ ምትላል ብምፍጻሙ ንሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ እዩ። “ኣብ ከምዚ ኩነታት ስራሕ ክቕጽል የብሉን” ክትብል ኣብ ትሮልሃታን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ …

Read More »

ኣብ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ምሕጻይ ሓባራዊ መሪሕነት ዘይምርድዳእ ተራእዩ 

ሽማግለ ምቕራብ ሕጹያት ሓምላይ ሰልፊ፡ ዳኒኤል ሄልደን ምስ ናይ ሕጂ መራሒት ማርታ ስቴነቪ ብምዃን ሓባራዊ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ ። ዳኒኤል ሄልደን ኣባል ባይቶ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስቶክሆልም ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝገብሮ ሃገራዊ ዋዕላ፥ ካብ ክልቲኦም መን ነቲ ውድብ ከም ዝመርሕ ብወግዒ ክውስን እዩ።

Read More »

ሕግታት ኣከዳድና ሳውና ክትዓት የለዓዕል

ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ፍቱው ኣብ ዝኾነ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሳውናታት፥ መሕጸቢ ክዳን ክፍቀድ ኣለዎዶ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣብ ህዝቢ ምምቕቓል ርእይቶ ፈጢሩ’ሎ። ዓቃባውያን ባእታታት ዕርቃንካ ሳውና ምጥቃም ክፍቀድ ኣለዎ፥ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኸኣ ንእሽቶ ሽጎማኖ ምጥቃም ይከኣል እዩ ኢሎም ክምጉቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ግና ክዳን መሐንበሲ ምጥቓም ቅቡል እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ። ፍሪላንስ ጋዜጠኛ ከምኡ’ውን ከምኡ’ውን ኣባል ኣካድሚ ሳውና ሌና ካርነ ምኽዳን መሐንበሲ …

Read More »

ዜና መጽሄት/News magazine 20-10-23

Read More »

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING ከምቲ እቲ ቃል ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ንኻልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዚምልከት ምረቓ ከም ዓቢ ፍጻመ ኢዩ ዚቝጸር። UTSPRING ኡትስፕሪንግ ካብ ut (ንደገ) + springa (ምጉያይ) ዝመንጨወ እዩ። “ምጉያይ” ወይ “ናይ ምረቓ ሸበድበድ” ኢልካ ክትትርጉሞ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ምረቓ፡ ተማሃሮ ብተለምዶ ክፍሊ ብኽፍሊ ካብ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ ወጺኦም ይጎዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይቲ ተመሃራይ ቆልዓ …

Read More »

ሓድሽ  ሕጊ  ኢመግረሽን ካብ 1  ጥቅምቲ 2023 ክጅምር እዩ።

ሚኒስተር ኢመግረሽን ማርያ  ማልመር ከምዝሓበረቶ ካብ  1 ጥቅምቲ  2023 ጀሚሩ  ብናይ  ስራሕ ፍቓድ ናብ ስዊድን ምምጻእ ዝምልከት ካብቲ  ቅድሚ  ሕጂ  ዝነበሮ ድሞዝ ናይ 13000 ክሮነር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ብምኽንያት  ስራሕ ዘመልክት ሰብ ደሞዙ  26650 ክኽውን ከምዝተወሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ  መግለጺ ኣፍሊጣ። እዚ ማለት ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎ  ስራሕ ዝሰርሑ ከም  ናይ  ጽሬት  ስራሕተኛታትን ናይ  ቤት መግቢ  ሰራሕተኛታትን ዝጸልው  …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com