Monday , April 29 2024

ዜና መጽሄት

ስቶክሆልም፡ ጎነጽ ሕጂ’ውን ይቕጽል

ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት፡ ኣብ ስቶክሆልም ተወሳኺ ጎነጽ ከም እተራእየ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኣብቲ መዓልቲ ዝተኸስተ ምፍንጃርን ተዂሲን ደ ንምባል ግብረመልሲ ምሃቦም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. እዚ ምፍንጃር፡ ኣብ ደቡባዊ ስቶክሆልም ከባቢ “ኣርስታ” እዩ ተኸሲቱ። እንተኾነ ግና ኣብ ፋርስታ ኣብ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ተዂሲ ይስማዕ ምንባሩ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። እዚ ጎነጽ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሳንድቫል ስቶክሆልም ዝርከብ ዕዳጋ ዕጸፋርስ ንምቊጽጻር ዝግበር ዘሎ …

Read More »

ቋንቋ ስጳኛ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ልሳን ወጻኢ ይኸውን ኣሎ።

ቋንቋ ስጳኛ፡ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ናይ ወጻኢ ልሳን ይኸውን ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ፡ ብብዝሒ ይመርጽዎ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሽወደን ኣዝዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ናይ ስጳኛ ተኸታተልቲ ፊልምታት፡ ሙዚቃን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪን ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ 13ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም መንእሰያት፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ልሙዳት ዝነበሩ ቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን እናራሕርሑ፡ ናብ …

Read More »

ብ ጒሒላታት ዝፍጸሙ ምፍንጃራት ብ ሚና ከም ዝፍጸሙ ተፈሊጡ።

ገለ ካብቶም ብ ጒሒላታት ዝፍጸሙ ምፍንጃራት፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ሕጋዊ ዝኾነ ፈንጂ “ሚና” ከም ዝፍጸሙ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። እዚ ተፈንጃሪ፡ ርሻንን ጽርግያን ካብ ዝህነጸሉ ከባቢታት ከም ዝስረቑ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኣብዚ ወንጀል ገለ ሰራሕተኛታት ህንጻ ይተሓባበሩ ምህላዎም ፖሊስ ይሕብሩ።

Read More »

ሽወደናውያን ኣሕዋት ንሩስያ ወኪሎም ክስልዩ ብምጽንሖም ተፈሪዶም።፡

ክልተ ሽወደናውያን ኣሕዋት፡ ንሽወደን ምስ ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ብምትሕብባር ክስልዩ ብምጽንሖም ንነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርዱ ተገሊጹ። እዞም ኣሕዋት፡ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ኣገልግሎት ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ሓበሬታታት ሽውደን ከቐብሉ ዝጸንሑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ካብዞም ክልተ ኣሕዋት እቲ ብዕድመ ዝዓበየ፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ኣገልግሎት ድሕነት ሽወደን–SÄPO–ዝሰርሕ ዝነበረ ኮይኑ  ብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ስቶክሆልም፡ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ’ሎ። ሓዉ …

Read More »

ሽወደን ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ እያ።

ሽወደን፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ክትልእኽ ምዃና፡ መንግስቲ ሽወደን ትማል ሓሙስ ንግሆ ኣፍሊጡ። እዚ ሓገዝ መካይን ኲናት፡ ጸረ-ታንክ ሚሳይላት፡ ከምኡ’ውን ዝተራቐቐ ስርዓተ መድፍዕ “ኣርቸር” ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ዩክሬይን ግዝኣታዊ ሓድነታ፡ ነጻነታን ሓርነታን ከተውሕስ ኲሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከነካይድ ኢና” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኢንዱስትሪ ፊልም ሽወደን ኣብ 2022 ዝተሓተ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ሲነማ ሽወደን ኣዝዮም ሒደት ሰባት ጥራይ ክበጽሕዎ ምጽንሖም ተገሊጹ። ንኣብነት 2022 ካብ ቀዳሞት ዓሰርተ ብሉጻት ተሰምያ ኣብ ዓበይቲ ሲነማታት ዝተራእየት ፊልም የላን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 16% ካብ ኣፍቀርቲ ፊልም ጥራይ ፊልምታት ሽወደን ምዕዛቦም፡ ኣብ ዓበይቲ ሲነማታት ሽወደን–ፊልምስታደን–ዳይረክተር ተርታ ፊልምታት ፐር ማርተንሰን ገሊጹ’ሎ። “ኣብ 2022 ብብዝሒ ዝተራእዩ ፊልምታት ናይ ኣመሪካ እዮም ኔሮም። ፊልምታት ሽወደን …

Read More »

ስራሓት ሃሰን ታገን ዝድህስስ ስራሕ ክቐርብ እዩ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ “ትካል ፊልም ሽወደን”፡ ኣብዚ ጽድያ ፊልምታት ከርኢ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብልፍንቲ ዝስራሕ ኮመዲ “ሃሰ ኣልፍረድሰን” ን “ታገ ዳኔልሰን” ምስ ሓድሽ መጽሓፍ ዝርዝር ፊልምታቶም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ክቐርብ እዩ። ሃሰን ታገን፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ብ ፊልምታቶም፡ ንድፍታቶምን ምርኢታቶምን ንብዙሓት ኣዘናጊዖም እዮም። “ሽወደናውያን ካበይ ይምጽኡን ዘለዎም ማሕበራዊ ደርቢን ብዘየገድስ፡ ምስ ተዋስኦ፡ ዋዛ፡ ዳእላን ፊልምታትን እዞም ሰባት ብገለ ይተኣሳሰሩ እዮም” ክብል ተሓጋጋዚ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ተደለይቲ ሜታላት ኣብ ትሕቲ መሬት ብብዝሒ ከም እተረክቡ ተገሊጹ።

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ኣዝዮም ተደለይቲ ሜታላት ብብዙሕ መጠን ኣብ ትሕቲ መሬት ከም እተዳህሰሱ ተገሊጹ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመንግስቲ ሽወደን ዝውነን ኲባንያ ዕደና (LKAB)፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ከተማ ኪሩና፡ ኣዝዩ ብዙሕ መጠን እዞም ሜታላት ከም እተረኽበ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ብኣህጒር ኣውሮጳ ደረጃ ዓብዪ ዜና ኮይኑ’ሎ። እዞም ሜታላት፡ ብ ጸዓት ኤለትሪክ ዝሰርሑ ተሽከርከርቲ ሓዊስካ፡ ካልኦት ኣገደስቲ ቲክኖሎጂያዊ ምህዞታት ንምስራሕ ወሰንቲ ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። …

Read More »

ቀረብ ጸዓትን ዋጋ ኤለትሪክን ኣብ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ባይቶ ዓብላሊ ምንባሩ ተገሊጹ።

ፈላማይ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ባይቶ እዚ ዓመት፡ ሎም ንግሆ ኣብ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ተኻዪዱ። ቀረብ ጸዓትን ዋጋ ኤለትሪክን፡ ቀንዲ ዛዕባታት እዚ ክትዕ እዮም ኔሮም። ብዘይካዚ፡ መሪሕነት ሰልፊ ማእከላይ ብፍቓዳ ንዝገደፈት ኣኒ ሉፍ ኣብቲ ክትዓት ምስታፋን፡ በቲ ኣጋጣሚ ስንብት ከም እተገብረላን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ስቶክሆልም፡ ትማል ረቡዕ ለይቲ ሓድሽ ምፍንጃር ተኸሲቱ።

ኣብ ኪስታ (ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም) ዝርከብ ህንጻ ኲባንያ፡ ትማል ረቡዕ ለይቲ ብእተኸስተ ሓድሽ ምፍንጃር ከም ዝዓነወ ተገሊጹ። ከምዚኦም ዝመሰሉ መርመራታት ምፍንጃር፡ ናብ ምትሓዝ ፈጸምቱ ከም ዘይበጽሑ ስታቲስቲክስ የመልክት። ክልተ ሲሲ ካብዞም መርመራታት፡ መወዳእትኡ ብፍሽለት እዮም ዝዕጸዉ። እዚ ንኸይከውን፡ ፖሊስ መርትዖታት ቅድሚ ምጥፍኡ ናብ ቦታ ፍጻመ ከርክቡ ከም ዝግባእ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com