Sunday , April 28 2024

ዜና መጽሄት

ኣብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝቕባበ ብናህሪ ይውስኽ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝቕባበ ናብ 10.2% ክብ ኢሉ ምንባሩ ዝሓለፈ ዓርቢ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እዚ ምስቲ ኣብ ወርሓ ሕዳር ኣብ 9.5% ዝነበረ ዝቕባበ፡ ከምኡውን ምስ ትጽቢት ክኢላታት ብምውድዳር ዝለዓለ ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። “ዝዓበየ ምኽንያት ናይዚ ዝቕባበ፡ ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ዝነበረ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት እዩ ኔሩ” ክብል ኣብ ባንክ SEB ዋና ክኢላ ስነቚጠባ የንስ …

Read More »

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ ንኖርላን ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ።

ኣፈ ጒባኤ ባይቶ ቱርክ፡ ንመዘናኡ ሽወደናዊ ኣንደርሽ ኖርላን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ንኣንካራ ክበጽሕ ዝገበረሉ ዕድመ ሰሪዝዎ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ብምስሊን ቊመትን ፕረሲደንት ዒርዶጋን እተሰርሐ ባምቡላ ኣብ ህንጻ “ሲቲ ሆል ሽወደን” ብእግሩ ጠል ጠል ኢሉ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ። እዚ ፍጻመ ካብ ቱርክ ተሪር ግብረመልሲ ከም እተዋህቦ፡ ሰብ መዚ ቱርክ ኸኣ እዚ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ምጽውዖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። …

Read More »

ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ ምስ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ከተማ ኪሩና ተራኺቦም።

ኲሎም ኣባላት ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ከምኡ’ውን መላእ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ሰሚናዊ ጫፍ ሽወደን ኣብ እትርከብ ከተማ ኪሩና ናይ መላለዪ ርክብ ይገብሩ’ለዉ። እዚ ርክብ ን ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ “ኣውሮጳዊ ኮሚሽን” ኣመልኪቱ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዛ ብዕደና እተፈልጠት ኣርክቲካዊት ከተማ ኪሩና፡ ጸጥታ ሓዪሉ፡ ዕደና ኸኣ ንግዜኡ ክቋረጽ ተጌሩ ምህላዉን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣብ ኪሩና ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ይካየድ ምህላዉ ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ምኽንያቱ …

Read More »

ኣብ በዓል ልደት፡ ውድብ መሰል ህጻናት “ብሪስ” ዝበዝሐ ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ተቐቢሉ።

ውድብ መሰል ህጻናት “ብሪስ”፡ ኣብ እዋን ልደት ዝለዓለ መጠን ናይ ርድኡኒ ጻውዒት ከም እተቐበለ ገሊጹ። ዝበዝሐ ካብዚ ጻውዒታት፡ ምስ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝተተሓሓዙ ምንባሮም እቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ። ልዑል ዋጋ ጸዓትን ዝቕባበን ኣብ 2023 እንተቐጺሉ፡ እዚ ናይ ሓገዝ መስመር ዝያዳ ሰራሕተኛታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።  ኣብዚ ናይ ልደት በዓል ብሪስ 2400 ጻውዒታት ምቕባሉ፡ እዚ ኸኣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ብ …

Read More »

“ህዩማን ራይትስ ዎች” ን ሽወደን ነቒፉ።

ሽወደን፡ ኣባል ኔቶ ንምዃን ምስ ቱርክ እትገብሮ ዘላ ናይ ምቅርራብ ኣገባብ፡ ብ ውድብ “ኣህጒራዊ ሰብኣዊ መሰላት” ከምኡ’ውን “ህዩማን ራይትስ ዎች” ተነቒፉ። “ሽወደን ንፖለቲካዊ መኽሰብ ክትብል፡ ቱርክ ንእትፍጽሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ርእያ ከም ዘይረኣየት ትኸውን ምህላዋ ህዩማን ራይትስ ዎች ከም ዘሻቐሎ” ፈጻሚ ዳይረክተር እቲ ውድብ፡ ቲራና ሓሰን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። “ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም …

Read More »

ሙሓረም ደሚሮክ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት ሰልፊ ማእከላይ ገሊጾም።

ሰልፊ ማእከላይ፡ ብ ኮሚተኡ ኣቢሉ ሙሓረም ደሚሮክ ክመርሖ ምሕጻዩ ከም ዘሐጎሶም፡ ነባራት ፖለቲከኛታት እቲ ውድብ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጾም። ኣባላት ሰልፊ ማእከላይ፡ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 2 ሓድሽ መራሒ ንምርቋሕ ከድምጹ እዮም። እቶም ሕጹያት ከኣ ሙሓረም ደሚሮክ፡ ኤልሳቤጥ ታን ሪንቪስት፡ ከምኡውን ዳንኤል ባክስትሮም እዩ። ደሚሮክ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ ኣብዚ ምድማጽ መሪሕነት ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ እዩ ኢሉ ከም ዘይሓስብ፡ ምክትል …

Read More »

ኤሪክሰን ምስ ዳዕሽ ብዝተተሓሓዝ ጒዳይ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ከፊሉ።

ጒጅለ ተለኮም “ኤሪክሰን”፡ ን ግብረሽበራዊ ውድብ ዳዕሽ ሂብዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ጉቦ ኣመልኪቱ፡ 2.3 ቢልዮን ክሮና መቕጻዕቲ ንኣመሪካ ምኽፋሉ ተገሊጹ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ገለ ሰራሕተኛታት ኤሪክሰን ንኣባኣት ዳዕሽ ጒቦ ሂቦም እቲ ግብረሽበራዊ ጒጅለ ኣብ ዝቆጻጸሮም ቦታታት ዒራቕ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም እቲ ኲባንያ ተኣሚኑ እዩ። ኣብ ዓመታት 2011-2019 ሰፊሕ ከባቢታት ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ዳዕሽ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣመሪካ ከምዚ …

Read More »

18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም እዩ።

ኣብ ዝቕጽል ሒደት ሳምንታት 18 ዝመልኡ ዜጋታት ሽወደን መሰረታዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንኽወስዱ ዝጽውዕ ደብዳበ ክመጾም ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ምዕስካር ሒደት ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ ዝተኣታተወ እኳ እንተኾነ ብኽንድዚ ዝኣክል ቊጽሪ መንእሰያት ን ውትህድርና ክሕጸዩ ግና እዚ ጽድያ ፋልማዩ እዩ። “ውትህድርና ከም ጽቡቕ ተመኲሮ እየ ዝርእየ፡ ከም ሞያ ክሕዞ እውን እደሊ እየ” ክትብል ኣብ ካርልስታን ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ ኢዳ ጉልበርግ ን …

Read More »

ቆልዑን መንእሰያትን ኣባይቲ ክንክን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይግበሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ግዱድ ኣባይቲ ክንክን መንእሰያትን ዝሰርሑ ኣባላት፡ ቆልዑን መንእሰያትን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይገብሩ ምህላዎም ሎሚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ጎነጽን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን ብፍላይ ደቀንስትዮ ዝያዳ ግዳያት ይኾና ምህላወን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ኣባይቲ ግዳያትወልፊ ዕጸፋርስ ወይ ገበን ዝኾኑ ወይ ፍርዲ ዝተበየኖም ከም ዝቕመጡሎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ንሓደ …

Read More »

ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒ ማእከላይ ሰልፊ ክኸውን ተሓጽዩ።

ኮሚተ ምስያም ማእከላይ ሰልፊ ሎሚ ን ሙሓረም ደሚሮክ ሓድሽ መራሒኡ ክኸውን ሕጽዩዎ። ኣኒ ሉፍ ን 11 ዓመታት ነቲ ሰልፊ ድሕሪ ምምራሕ ዝሓለፈ ምርጫ ክካየድ ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ተረፎ ካብ ምዝነታ ብፍቓዳ ምውራዳ ዝዝከር እዩ። ሙሓረም ደሚሮክ ኣብ 1990ታት ብ ክልተ ክሲታት መጥቃዕቲ ተፈሪዱ ኔሩ እዩ። ኣብ ክንዲ በቲ መንእሰይ እናሃአወ ኣብ 90ታት ዝፈጸሞ ወንጀል፡ በዚ ሕጂ ዘለዎ ጥራይ ክረአን ክግምገምን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com